ወጥሪ ዶብ፡ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ሌፍተናንት ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፤ ሃገሩ ምስ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ኮነ ምስ ካልእ ሃገር ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብላ ግን ከኣ ሽራፍ መሬት ከምዘይትህብ ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና) ከምዝጸብጸቦ፡ ኣል-ቡርሃን ነዚ ዝበለ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እዩ።
ሱዳን ሕጋዊ ረብሓኣ ብዝሕሉ መገዲ ነቶም ብሰራዊታ ዝተትሓዙ ቦታታት ከም መሬታ ናብ ዝቖጽር ስምምዕነት ንኽብጻሕ ድልየት ከምዘለዋ ሌፍተናንት ጀነራል ኣል-ቡርሃን ሓቢሩ።
እቲ ሕዚ ሰራዊት ሱዳን ሒዝዎ ዘሎ መሬት ግዝኣት'ታ ሃገር ምዃኑ ዘመልከተ ጀነራል ኣልቡርሃን፤ እቲ ሰራዊት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣብ ሱዳን ምስ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሹመኛታት ብዝተገበረ ምሉእ ምውዳድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
'ናይ ሳልሳይ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ኣሎ'
ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቱ ነቲ ምስ ሱዳን ዘጋጠመ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላም ክፈትሕ እምበር ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብደረጃ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ወጥሪ ዝምልከት ዝርርብ ክካየድ ቆጸሮ ከምዝተትሓዘ ድማ ገሊጹ።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሞንጎአን ዝፍጠሩ ዝነበሩ ዶባዊ ጸገማት ብሰላም ይፍትሑ ምንባሮም ብምዝኽኻር ከኣ እቲ ናይ ሕዚ ግን "ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ብምህላዉ እቲ ጸገም ክሰፍሕ ኪኢሉ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከምዘእተወ ዝጠቐሶ ሳልሳይ ኣካል ግን ስሙ ኣይነጸረን።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ "ሓይልታት ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ይወስድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወተሃደራት ሱዳን ንሉኡላዊ ዶብ ብምጥሓስ ኣትዩ" ዝበለ እቲ ጀነራል፡ እቲ ተግባር ብመንጽር ክልቲኤን ሃገራት ዘለወን ምሕዝነት ክረኣይ ከሎ "ካብ ሱዳን ትጽቢት ዘይግበር ዘሕዝን ትግባር'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ሰራዊት ሱዳን ዶብ ጥሒሶም ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ብድሕሪት ኮይኑ ነቲ ናይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ዝሰርሕ ሳልሳይ ወገን ከምዘሎ ኣመልኪቱ።።
"ሱዳን ብሳልሳይ ኣካል ንዝተዳለወላ መጻወዲያ ኲናት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብዘተ ንምፍታሕ ድልውቲ ክትኸውን ኣለዋ" ኢሉ ኢታማዦር ሹም ብርሃኑ ጁላ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት 750 ኪሎ ሜትር ብሓበራዊ ዶብ ዝራኸባ ኮይነን ንዓመታት ዶባዊ ጎንጽታት ከጋጥመን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣል-ፋሽቃ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ዘለዎ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንጽታት ይኽሰቱ ምንባሮም ይግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







