ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን-‘ዶብ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ፡ እቲ ጸገም ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ’ መንግስቲ ኢትዮጵያ'

ምንጪ ስእሊ, MFA
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ዶብ፡ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልየት ከምዘለዎ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 24 ጥቅምቲ 2013 ጎንጺ ምስተፈጠረ፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ ብምእታዉ መሬት ምሓዙ እተን ሃገራት ቅድም ክብል ዝነበረን ርክብ ክሕርፍፍ ከምዝገበረ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ፡፡
ሱዳን፡ ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ንምፍታሕ ክልቲአን ሃገራት ዝፈረምኦ ስምምዕ ከምዝጠሓሰት፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣባላት ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ንሚድያታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከሲሶም ነይሮም፡፡
ሚኒስተር ዜና ሱዳን፡ ኣብቲ ዶብ መሬት ሱዳን ክንሱ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ቦታታት ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሚኒስተር ፈይሰል ሳልሕ ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ዝኾነ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለና" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ: "እንተኾነ ሰራዊትና ንዝተመንዘዐ መሬታና ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኣለዎ፡ ስለዝኾነ ኸኣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊ ካብቲ ብኢትዮጵያን ሓረስቶት ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬትና ሒዝናዮ ኣለና" ክብል ምግላጹ ይዝከር።
ኣምባሳደር ዲና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ወታሃደራት ሱዳን መሬት ኢትዮጵያ ምሓዞምን ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ጸገም ምፍጣሮምን ‘‘ድልየት መንግስቲ ሱዳን ኣይኮነን’’ ኢሉ፡፡
ኣብቲ ምስሕሓብ ውሑዳት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሱዳን ድልየት ክህልዎም ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ‘‘ብድሕሪት ካልእ ኣካል ኣሎ’’ ይብል፡፡
‘‘ካብ ሕጊ ወጻኢ ነዚ ጉዳይ ዝደፋፍኡ ኣለዉ ኢልና ኢና እንኣምን፤ ኣብ ድሕሪት ኮይኖም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዘይምርድዳእ ክይፍጠር ዝሰርሑ ኣለዉ’’ ዝብል ኣምባሳደር ዲና፡ መንነት እቶም ኣካላት ግን ኣይገለጸን፡፡
ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሕዚ ተረዳዲአናሉ ዝጸንሓ ዶብ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 1972 ዝተፈረመ ስምምዕ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ዲና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1972 ብሕጋዊ መገዲ ክጥርረኦ እኳ ተሰማሚዐን እንተነበራ፡ ዛጊድ ግን ከምዘይተፈጸመ ጠቒሱ፡፡
ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1972 ዝተፈራረመኦ ውዕል ሱዳን ጥሒሳቶ ብምባል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ ኣሎ፡፡
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ጉዳይ ሓበራዊ ዶብ እተን ሃገራት መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብዘለዎ ክቕጽል ከምዝእዝዝ እቲ ኮምሽን ይሕብር፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘‘ ሕጊ ምኽባር’’ ብዝብል ወፍሪ ኣብ ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ድሕሪ ዝጀመሮ ኲናት፡ ወታሃደራት ሱዳን ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም መሬት ኢትዮጵያ ከምዝሓዙን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት እውን ጉድኣት ከምዝበጽሐን ኢትዮጵያ ትኸስስ።
ወታሃደራት ሱዳን ብሓይሊ ካብ ዝሓዝዎ ከባቢ ክወጽኡ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሱዳን ከምዝነጸገቶ፡ ገለ መራኸብቲ ብዙሓን ሱዳን ገሊጸን እየን፡፡
ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ ዝተቖጻጸረቶ ከባቢታት ውግእ ብዛዕባ ምህላዉ ዝተሓተተ ኣምባሳደር ዲና፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ፡፡
ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመረጹ ሰብሞያ ዘቕረብዎ ሰነድ ግብጺ ኣይቕበልን ከምዝበለት ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ጻዓትን ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣብቲ ዘተ ጉዳይ ህዳሰ ንምቕጻል ምኽክር ዝተገረበሉ ኣኼባ፡ ‘‘ኢትዮጵያ አቲ ሰነድ ኣብ ቀጻሊ ንዝካየድ ድርድር ከም እታወት ክትጥቀመሉ ፍቓደኛ ከምዝኾነት’’ ምግላጻ፤ ሱዳን እውን ‘‘እቲ ሰነድ ኣብቲ ከይዲ ጠቓሚ ከምዝኾነ ከምእትርእዮን’’ ብምግላጽ ‘‘ ናይ ግብጺ ልኡኻት ግን ነቲ ሰነድ ጠቕሊሎም ከምዘይቅበሉዎ ገሊጾም’’ ብምባል እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ፡፡
ብካሊእ ገጽ ሱዳን፡ ኣብቲ ኣብ ምምላእን ቀጻሊ ስራሕትን ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብሰኑይ ዝተኻየደ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ቅረታ ከምዘለዋ፡ ንሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን መስኖን ሱዳን ብምጥቃስ ፡ ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ እዩ፡፡
እቲ ሚኒስተር ኣብቲ ሰንበት ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሱዳን ኣብቲ ዕለት ኣቐዲማ ምስ ሰብሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር ዘቕረበቶ ሓሳብ መልሲ ከይተውሃቦ፡ ብቕጥታ ናብ ስሉሳዊ ዘተ ከትኣቱ ከምዝሓተተት ሓቢሩ፡፡
እቲ ብሕቶ ሱዳን ንሓደ ወርሒ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ግድብ ህዳሰ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ተጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብሰብሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ረቒቕ ሰነድ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን እንትቕበለኦ ግብጺ ግን ከምዘይተቐበለቶን እቲ ዘተ ከምዝቕጽልን ተገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ዘተ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ክቕጽል መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







