ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ግጭት ከምዝተፈጥረ ክልቲአን ሃገራት ኣረጋጊጸን

ቀዳማይ ሚ]ኒስተራት ሱዳንን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed/Twitter

መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ መሬት ሱዳን ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወታሃደራቱ ብሰራዊትን ሚሊሻን ኢትዮጵያ ከምዝተጠቕዑ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብካቢነ ሚኒስተራት መሰጋገሪ መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ጀበል ኣልጥዮር ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጥረ ግጭት ሞትን ዕንወትን ከምዘውረደ ጠቒሱ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና፡ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ግብረመልሲ ክትወስድ ከምዝተገደደት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚን ቢቢሲ ገሊጹ።

"ወታሃደራት ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ብምእታው ዘራእቲ ሓረስቶት ኢትዮጵያ ናብ ምዝማት በጺሖም ነይሮም። እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ሱዳን መርገጺ ዘይኮነ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዘለዉ" ሰብመዚ ዝፈጸምዎ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ነዚ ንምምካት ስጉምቲ ወሲድና ኢና … ስጉምቲ ስለዝወሰድና እዮም፤ ንሶም ዝዛረቡ ዘለዉ። ንሳቶም ንዝመጹ ስደተኛታት ንምሕላው ኢና ኣቲና ዘለና እዮም ዝብሉ። ይኹን'ምበር ኣብቲ ቦታ ስደተኛ የለን" ኢሉ።

ሱዳን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ወታሃደራዊ ግጭት ትከታተሎ ከምዘላ እቲ ብመንግስቲ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 50,000 ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ምህላዎም ይፍለጥ።

"ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ቀንዲ ነገር ክልቲአን ሃገራት ብመንግስቲ ደረጃ ርክብ ገይሮም ኣለዉ" ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፡ ነቲ ነቲ ምትፍናን "ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ላዕለዎት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ክዘራረቡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዝርከብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ መራሕቲ ብሕጋዊ መገዲ ስለዝተዘራረቡ ይምለስ ምህላዉ ጠቒሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪቡ ከምዝተመልሰ ይዝከር።

ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ተመሳሳሊ ግጭት ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተፈረሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶብ ንምጥራር፡ ሓበራዊ ጉጅለ ክቀውም ክልቲኦም መራሕቲ ተሰማሚዖም ድማ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።

ኣብ ቀረባ እዋን፤ ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ካብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝበሃል ብወገን ሱዳን ዝርከብ ቦታ ክትስሕብ ሱዳን ጸዊዓ ነይራ።

እቲ ኣል-ፋሽጋ ዝበሃል ዓብዪ ናይ ሕርሻ መሬት፤ ካብቲ ዶብ ንወገን ሱዳን ዝርከብ ኮይኑ፤ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ብመጋቢት 24 መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ሓደ ወተሃደር ሱዳን ሞይቱ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ቆሲሎም እዮም።

እቲ ኣል ፋሻጋ ዝበሃል መሬት፡ ሰፊሕን ልሙዕን ናይ ሕርሻ ቦታ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ዕጡቓትን ክልቲአን ሃገራት ተደጋጋሚ ጎንጺ ክረኣይ ጸኒሑ እዩ።