ሱዳንን ኢትዮጵያን ዶብ ዝጥርር ሓበራዊ ጉጅለ ኣቚመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ናይ ዶባት ምትፍናን ብሰሉስ ብቴሌፎን ከምዝዘተይሉ፡ ብመንግስቲ ዝውነን ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ጸብጺቡ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶብ ንምጥራር፡ ሓበራዊ ጉጅለ ክቀውም ክልቲኦም መራሕቲ ተሰማሚዖም ድማ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።
ኣብ ቀረባ እዋን፤ ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ካብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝበሃል ብወገን ሱዳን ዝርከብ ቦታ ክትስሕብ ሱዳን ጸዊዓ ነይራ።
እቲ ኣል-ፋሽጋ ዝበሃል ዓብዪ ናይ ሕርሻ መሬት፤ ካብቲ ዶብ ንወገን ሱዳን ዝርከብ ኮይኑ፤ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ብመጋቢት 24 መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ሓደ ወተሃደር ሱዳን ሞይቱ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ቆሲሎም እዮም።
እቲ ኣል ፋሻጋ ዝበሃል መሬት፡ ሰፊሕን ልሙዕን ናይ ሕርሻ ቦታ እዩ።
ኣብቲ ኸባቢ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ዕጡቓትን ክልቲአን ሃገራት ተደጋጋሚ ጎንጺ ክረኣይ ጸኒሑ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







