ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ዝስንዑን ዘላብዑን ሸውዓት ጉጅለታት

ማሕበራዊ መራኸብታት ብስነ-ውዲት (Conspiracy theories) ስኑዓት ሓበሬታን ቤላቤሎውን ኮሮናቫይረስ አዕለቕሊቆም እዮም ዘለዉ፡ ንምዃኑ ነዞም ስኑዓት ሓበሬታታት መን'ዩ ዘንቅሎም መንከ የላብዖም?
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፤ ምስዚ ሕማም ተተሓሒዞም ካበ ዝተሰንዑ ኣማኢት ሓበሬታታት፡ መጽናዕቲ ኣካይድናሎም ኣለና።
እቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ኸኣ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት መን ይበግሶምን ንምንታይ ዕላማን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ ክኢልና ኣለና።
እዞም ዝስዕቡ ሸውዓት ጉጅለታት ኸኣ ነቲ ዝበዝሐ ስኑዕ ሓበሬታታት ከምዘበገስዎን፡ ኣብ ምልብዑ ተራ ከምዘለዎምን ክንበጽሖ ክኢልና ኣለና።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ስታድዮም ዊምብለይ ንስኡናት ዝኸውን ሓደ ዓቢ ላዛኛ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሕብር ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቲዶ በጺሕኩም?
እንተዘይበጺሕኩም ድሓን፡ ብዝኾነ እዚ ዋዛ ዝመሰል ስኑዕ ሓበሬታ ሓቂ ዝመሰሎም ሰባት ክቀባበልዎ ተራእዮም እዮም።
ካልእ ተዋዛያይ እውን ካብ ገዛ ብምውጽኡ መንግስቲ ከምዝቐጽዖ ዝሕብር ስኑዕ ቅብሊት ብምድላው ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሕዎ፡ ብዙሓት ሰባት ስለዝተቐባበልሉ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ነበርቲ ሎንዶን ስንባደ ፈጢሩ፡ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ናብ ዱኳን ምኻድ'ውን ከስግኦም ጀሚሩ።
ነዚ ዋዛ ዝመስል ስኑዕ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ሰብ "ኣነ ሰብ ካብ ገዝኡ ንኸይወጽእ እምበር ራዕድን ስንባደን ክፈጥር ዝሰራሕክዎ ኣይኮነን" እዩ ዝብል።
እዚ ውልቀ ሰብ፡ ሓቀኛ ስሙ እኳ ክነገረና ፍቃደኛ እንተዘይኮነ "ሰባት ኣብ ኢንተርኔት ዘዝተበሃለ ዝኣምኑ እንተኾይኖም ከቢድ እዩ፡ ኣጠማምትኦም ዳግመ ግምት ምግባር ከድልዮም እዩ" ይብል።

ገለ ሰባት ኣታዊታት ንምርካብ ካብ መንግስቲ ወይ እሙናት ትካላት ዝተውሃበ ዝመስል ሓበሬታ ይዝርግሑ እዮም።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፤ መንግስቲ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃስዩን ስርሖም ዝተጎናደበን ገንዘብ ክኸፍል ምዃኑ ብምሕባር ሰባት ናይ ባንኮም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክሰድሎም ዝሓቱ 'ሓሹላት' ብብዝሒ ተቐልቂልም ምንባሮም ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ሓበሬታ ብጽሑፍ ስለዝተዘርገሐ መን እዩ ኣበጊስዎ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ፤ ንሰባት ውልቃዊ ናይ ባንኪ ሓበሬተኦም ምሕታት ዕላምኡ ንስርቒ እዩ።

ስኑዓት ሓበሬታት በቶም ንነብሶም ኣብ በዓቲ ኢንተርኔት ሓቢኦም ድላዮም ዝብሉን ዝጽሕፉን ጥራይ ኣይኮኑን ዝብገሱ።
ዝሓለፈ ሰሙን፤ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጨረር ጸሓይ (ኣልትራቫይለት ራይ) ብምጽላውን መጽረዩ ኬሚካላት ብመልክዕ መርፍእ ብምውጋእን ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ድሒሩ እኳ ነቲ ዝበሎ ናይ እስትሕቃር እየ ሓሲበዮ እንተበለ፡ ሰባት ግን ነቲ ሓንሳብ ካብ ልሳን ትራምፕ ዝሰምዕዎ ካብ ምኹምሳዕ ዓዲ ኣይውዓሉን።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፤ ኮቪድ-19 ብወተሃደራት ኣሜሪካ እዩ ናብ ውሃን ኣትዩ ዝብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ኮሮናቫይረስ ኣበይ ተጀሚሩ ዝብል ዛዕባ ፖሎቲካዊ ቅርጺ ብምትሓዝ፡ ሃገራት ከከም ፖሎቲካዊ ኣረኣእየአን ናብ ረብሐአን ንምውዓል ብዙሕ ስነ-ውዲት እየን ዝጥቀማ።
ኣብ ብሪጣንያ እታ ብወልንተኣ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተወግእት ሰብ ሞይታ ዝብል ኣሰንባዲ ዜና በጺሕኩም ይኸውን ዶ?
እዚ ዜና እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብዙሕ ሰብ እዩ ተቐባቢሉዎ፡ እንተኾነ ሓቂ ዘይብሉ ውዲታዊ ዜና እዩ ነይሩ።
እቲ ዕላማ ኸኣ ጸረ ክታበት ስነሓሳብ ብዝኽተሉ ጉጅለታት እዩ ተበጊሱ።
ካልእ ምስ ደቪድ ኡክ ዝተገብረ ቃል መሕተት (ሕጂ እዃ ካብ ዩትዩብ ተኣልዩ እዩ)፡ 5ጂ ምስ ኮሮናቫይረስ ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል ሓተታ ይርከቦ ነይሩ።
ደቪድ ኡክ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሽኡ ብትካል ፌስቡክ ከምዝዕጾ ተገይሩ ብዝገበሮ ውዲት ምጽላም ሽም ትካል ክሲ ይጽበዮ ኣሎ።

ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ተኣማንነቶም ንኸበርኹ እቲ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ (ካብ ፕሮፌሰር፡ ዶክተር፡ ነርስ) እየ ረኺበዮ ዝብል የሰንይሉ እዮም።
ኣብ ክራውልይ ምዕራብ ሱሰ እትነብር ውልቀ ሰብ ካብ ውሽጢ እቲ ሕክምና እየ ረኺበዮ ዝበለቶ ብድምጻ ኣሰንያ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ንኣሽቱን ዝኾነ ሕዱር ሕማምን ዘይብሎም ብብዝሒ ይሞቱ ኣለዉ ዝብል ዘርዕድ ጽምጺ ኣብ ኢንተርኔት ዘርጊሓ።
እዛ ሰብ መራሒት መኪና ናይቲ ዝጠቐሰቶ ሆስፒታል ምዃና ብምግላጽ ነቲ ሓበሬታ ክትረክብ ዘለዋ ተኽእሎ ከምዝእመን ገይራ።
እቲ ብድምጻ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ ሓሶት'ዩ ነይሩ።
ብዛዕባ እቲ ዝዘርግሐቶ ጉጉይ ሓበሬታ ኣብ ዝተወከስናላ ግን ርኢቶ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይነበረትን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ብሓቂ ትሰርሕ ድያ ኢልና ንዝሓተትናያ'ውን ብትም እያ ሰጊራቶ።

"እንታ እዚ ሓቂ ድዩ?" እናተበሃለ ካብን ናብን ኣባላት ስድራ ዝስደድ መልእኽትታት ብዙሕ እዩ።
ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ልኡማት መልእኽትታት እቶም ዝያዳ ንሰብ ዘርዕዱን ዘሻቕሉን መልእኽትታት ዝያዳ ከምዝላብዑ የረድእ።
ንህጻናት ዝምልከት ስኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝዝርጋሕ፡ ኣተኩሮ ህጻን ዘለዎም ስድራ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ፡ ንሶም ከኣ ብዓይኒ ሓልዮት ናብ ካልእ ኣባል ስድርኦም ወይ መቕርቦም ይሰድዎ፤ እቲ ስኑዕ ሓበሬታ ኸኣ ብኸምዚ ኣገባብ ይላባዕ።
ከይተረድኦም ኸኣ ኣብ ምልባዕ ስኑዕ ሓበሬታ ኢዶም ይሕውሱ።

ዝተሰንዐ ዜና ብፍሉጣትን ጸለውትን ሰባት ክዝርጋሕ እንከሎ ተላባዕነቱ ልዑል እዩ።
ኤም ኣይ ኤን እትብሃል ደራፊትን ፍሉጥ ተዋስኣይ ዉዲ ሃሪሶንን ነቲ ን5ጂ ምስ ኮሮናቫይረስ ዘተሓሕዝ ስኑዕ ሓበሬታ ላምባ ካብ ዝከስከስሉ እዮም።
ሮይተርስ ዝገበሮ መጽናዕቲ'ውን ዝተሰነዐ ዜና ፍሉጣትን ጸለውትን ሰባት ኢዶም ምስ ዝሕውስሉ ዝያዳ ከምዝላባዕ ይጠቅስ።
እዞም ሰባት ብዙሓት ሰዓብቲ ስለዘለውዎም፤ ብቀሊሉ እዩ ዝላባዕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







