'መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ኣሳቢቡ መሰል ምዝራብ ይግድብ ኣሎ' ሂዩማን ራይትስ ዎች

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE
ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምክልኻል ኮቪድ-19 ዝተነበሩ እገዳታት ህጹጽ ኣዋጅን፤ መሰል ምዝራብ ንምግዳብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ነቒፉ።
መንግስቲ ንኮሮናቫይረስ ዝኣልየሉ ዘሎ መገዲ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ርእይቶኦም ዝጸሓፉ፤ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኤልሳቤጥ ከበደን ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስን ንማእሰርቲ ምስጠሖም ድማ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒሱ።
"ብዛዕባ እቲ ለበዳ ዝንዝሑ ዘይሓቃዊ ሓበሬታታት ዘሰክፉ'ኳ እንተኾኑ፤ መሰል ምዝራብ ንምግዳብ ግን ምኽንያት ክኸውን የብሉን" ኢላ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ላቲሽያ ባደር።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ያየሰው ሽመልስ ዝኸፈቶ ክሲ ክገድፎ፡ ንኤልዛቤጥ ከበደ ድማ ክፈትሕ ዝጸወዐት እታ ዳይረክተር "ብሰላማዊ መገዲ ሓሳቦም ንዝገለጹ ሰባት ምእሳር ደው የብል" ኢላ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንሓሙሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣንቢራ እያ።
ኣብዚ ህጹጽ ኣዋጅ ንዝተነበሩ ክልከላታት ዝጠሓሰ ሰብ፡ ክሳብ ማእሰርቲ 3 ዓመትን ክሳብ 200,000 ብር ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ገንዘብን ከምዝጽበዮ ተደንጊጉ'ሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝብሎ፡ ሰብ መዚ ነዚ ኣዋጅ መሰል ሰባት ንምግዳብ ከም ሰበብ ክጥቀምሉ ስለዝኽእሉ፡ ስግኣት ኣሎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







