ኤርትራ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ንዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት ክሰርሓ ኢየን

ምንጪ ስእሊ, PMEthiopia/Twitter
መራሕቲ ኤርትራ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከተማ ጁባ ብሰኑይ 4 መጋቢት ድሕሪ ዝገበርዎ ስሉሳዊ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጽዮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ ንጉሆ እዮም ናብ ርእሰ ከተማ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ጁባ ኣምሪሖም።
ንሳቶም ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ንምስፋን ብሓባር ምስራሕ ምቕጻል ከም ዘድሊ ኣስሚሮም።
እቶም መራሕቲ ብተወሳኺ ንኣገዳስነት ዞባዊ ውህደት ብምግላጽ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝርከቡ ካልኦት ቀንዲ መንግስታዊ መዋቅራትን ንዕላማ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደትን ሓባራዊ ዕብየትን ክሰርሑ ከም ዝመዘዝዎም እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ብሰንበት 3 መጋቢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣስመራ ዝኸደ ኮይኑ፤ ብሰኑይ 4 መጋቢት፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምዃን ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ጁባ ኣምሪሖም፤ ኣማስያኦም ድማ ካብ ጁባ ተፋንዮም።
ኢትዮጵያ ንምኽታም እቲ ነታ ሃገር ዘብረሰ ኲናት ሕድሕድ መሪሕ ተራ ክትጻወት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝቐረበሉ ዕድመ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 20ናብ ኣስመራ ዑደት ምግባሩ ይዝከር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







