መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ 'ገለ' ጉዳያት ስምምዕ በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓዋሚ ጉጅለ ሪክ ማቻርን ኣብ ካርቱም ርእሰ-ከተማ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ሰላም ኣብ ኣፈናዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ "ገለ ነጥብታት" ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑን፡ ዝርዝሩ ረቡዕ ክግለጽ ምዃኑን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ኣል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ'ዞም ክልተ መራሕቲ ዘሎ ምትህልላኽ ዝፈጠሮ ኲናት ሓድሕድ ኣሽሓት ሰባት ሂወቶም ሲኢኖም፡ ልዕሊ 4 ሚልየን ድማ ተፈናቒሎም።
እቲ እማመ ሰላም ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ'ዩ ቀሪቡ።
ክልቲኣቶም ወገናት ቀዋሚ ምቁራጽ ረጽሚ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ገለ ጸብጻባት ካብ ኣፍሪቃ ይሕብሩ'ለው።
ፕረዚደንት ኪርን ተቓዋሚኡ ማቻርን ድሕሪ ክልተ ዓመት ንመጀመርታ እዋ'ዮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣላይነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈተነ ልዝብ ብዘይ ፍረ ድሕሪ ምውድኡ'ዮም ክልቲኦም መራሕቲ ንቐጻሊ ዝርርብ ናብ ካርቱም ኣቕኒዖም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







