ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሱዳንን መሊሻ ኢትዮጵያን ግጭት ከምዘተወለዐ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሱዳንን ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተደገፉ ምሊሻን ብዝተወለዐ ግጭት፡ ሓደ ሱዳናዊ መኰነን ከምዝተቐትለን ካልኦት ወተሃደራት ከምዝቖሰሉን ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ከምዝነበረን፡ ምሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻታት ሱዳን ምስ ኣተው፡ ኣብቲ ቦታ ዓስኪሮም ምስ ዝነበሩ ሰራዊት ሱዳን ከምዝተራጸሙ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣፈኛ ሰራዊት ሱደን ብሪጋደር ኣምር መሓመድ ኣል-ሑሰን ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ከምዚ ዓይነት ግጭት ከምዝነበረን፡ እንተኾነ ነዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቶም ምሊሻ ብመደበኛ ሰራዊት ኢትየጵያ እዮም ተሓጊዞም ክብል ከሲሱ።
በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 9 ከምዝቖሰሉን እቲ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ካብ ዕለት 26 ክሳብ 28 ግንቦት ከምዝነበረን፡ እቶም ምሊሻ ንከባቢ ኣል-ቢርካ ከምዘጥቅዑን እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ የረድእ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ብሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብቴሌፎን ከምዝተዘራረቡ ብማዕከናት ዜና ሱዳን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶብ ንምሕንጻጽ፡ ሓበራዊ ጉጅለ ክቐውም ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ቅድሚ ቅሩብ እዋን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንወተሃደራታ ካብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝበሃል ብወገን ሱዳን ዝርከብ ቦታ ክትስሕቦም ጸዊዓ ነይራ።
እቲ ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ።
ብ24 መጋቢት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሓደ ወተሃደር ሱዳን ከምዝሞቱን ካልኦት ሰለስተ ከምዝቖሰሉን ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ።
ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣል-ፋሽጋ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ተደጋጋሚ ብረታዊ ግጭት ዕጡቓትን ሓረስቶትን ከጋጥም ምጽንሑ ይሕበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







