ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ብመግለጺታት ይካታዓ'ለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመንግስቲ ኣመሪካ ከምዝቐረበ ዝንገረሉን ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ዝገለጸቶን ሰነድ፤ ንኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን የካትዕ ኣሎ።
ብፍላይ ሊግ ዓረብ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንግብጺ ዝድግፍ ቅዋም ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ ብምንጻግ ተቓውሞ ኣስሚዓ። ሱዳን ድማ ቀጺላ መግለጺ ኣውጺኣ።
ሱዳን ነቲ ንግብጺ ዝድግፍ ቅዋም ሊግ ዓረብ ብምቅዋም እያ ምላሽ ሂባ። እንተኾነ፡ ግብጽን ኢትዮጵን ናብቲ ዝተጀመረ መንገዲ ዘተ ክምለሳ ጻውዒት ኣቕሪባ።
እዚ ብወገን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝወጽአ መግለጺ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ዘተዓናቕፍ ተግባር ካብ ምፍጻም ክቑጠባን፡ ናብቲ ልዝብ ክምለሳን ዝሓትት እዩ።
እቲ ናይ ሱዳን መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘተ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ረብሓ ብዝሕሉ መገዲ ክኸውን'ውን ዝሓትት እዩ።
መግለጺ ዓረብ ሊግ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ መገለጺ ሊግ ዓረብ ድማ፡ ነቲ ምስሕሓባት እናጋደዶ ይኸይድ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ነቲ 'ሙሉእ ብሙሉእ ንግብጺ ዝድግፍ' ዝበለቶ ቅዋም ሊግ ዓረብ ብምንጻግ፡ መግለጺ ምወጻኣ ዝዝከር እዩ።
ሱዳን ብወገና፤ ነቲ ብሊግ ዓረብ ዝተውሃበ መግለጺ " ኣብቲ ጉዳይ ቅዋም ሱዳን እንታይ ከምዝኾነ ዘይተሓተተሉ" ክትብል ተቓውሞኣ ኣስሚዓትሉ እያ።
ከምኡ ድማ፡ እቲ ብሊግ ዓረብ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ነቲ ዝተጀመረ ልዝብ ዝጎድእ እምበር ዝሕግዝ ኣይኮነን ክትብል ከምነጸገቶ፡ ኢጂፕት ቱደይ ጸብጺቡ።
እቲ ብሊግ ዓረብ ዝወጽአ መግለጺ፡ ሱዳን ክትፈልጦ ከምዝተገብረን ከምእትድግፎን ብወገን ግብጺ ክዝረብ ቀንዩ እዩ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ግብጺ ኣሕመድ ሓፊዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፤ ሱዳን 'ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዘድክም መአረምታ' ከምዘቕረበትን፡ ስማ ድማ ብመሰረት ሕቶ ሰብመዚ ሱዳን ካብቲ ሰነድ ክእለ ከምዝተገበረን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ነቲ ብግብጺ ዝተሰርሐ ውዲት' ዝበሎ ቅዋም ሊግ ዓረብ፡ ሱዳን 'ኣብ ሓቅን ምኽንያታውነትን ተደሪኻ' ስለዘተቓወመቶ ኣድኒቑ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ፡ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ "ዘይግቡእ፡ ዘይዲፕሎማስያውን" ከብል ኮኒንዎ።
ኣመላልኣን ኣሰዳድዳ ማይን ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ሸምገልቲ ኮይኖም፤ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ክካየድ ዝቐነየ ሰነድ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ የካቲት ክፍረም ተባሂሉ እዩ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ግዘ ድሕሪ ምሕታታ፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ መግለጺ፡ ግብጺ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ እተን ካልኦት ሃገራት ከይፈረማሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ከይትጅምር ዝሓትት እዩ።
ብ 4.7 ቢሊዮን ናይ ኣመሪካ ዶላር ወጻኢ ዝስራሕን ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት ዝተጀመረን ግድብ ህዳሰ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሓይሊ ኤሌክትሪክ (ጸዓት) ምፍልፋል ክጅምር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







