ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ

ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ብከፊል ዘርእይ ካርታ

ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ንኽልተ ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ፡ ልዑል ናይ ሕርሻ ልምዓትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ወፍርን ዝካየደሉ ኣከባቢ እዩ።

ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብጽሒተይ እዩ ክብሉ ይስምዑ።

ዶብ ኢትዮ-ሱዳን እንታይ ይመስል?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ሱዳን ብኣባላት ሚሊሻ ኢትዮጵያ ብዝበጽሖም መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ካርቱም ነቲ ክስተት "ናይ ድብያ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ገሊጻ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዶብ ጥሒሶም ኣብ ዝኣተው ሓይልታት ዝተወሰደ፡ ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ምዃኑ ኣብሪሁ።

ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ጎንጽታት ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብተደጋጋሚ የጋጥሙ እዮም።

እቲ ጎንጺ፡ ኣብ መንጎ 'እቲ ቦታ ናትና እዩ ብዝብሉ' ኢትዮጵያውያን ሓረስቶትን መዳውብቶም ሱዳናውያንን ዝኽሰት እዩ።

እዚ ክስተት፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ 'ሕጊ ናይ ምኽባር' ስጉምቲ ከም እተዛዘመ ዝገለጸሉ ብምዃኑ፡ ብዙሕ ርእይቶታት ኣለዓዒሉ እዩ።

በቲ ኲናት ልዕሊ 50 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለው።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዶብ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ከምዚ ዓይነት ኲነት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣይበትኽን፤ ንሕና ኩሉሳብ ጸገማትና ብዘተ ኢና እንፈትሕ" ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ንዘመናት መፍትሒ ዘይረኸበ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣመልኪተን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዘተ ጀሚረን ምህላወን መንግስታዊ ማእከን ዜና ኢቢሲ ጸብጺቡ።

ምስ'ዚ ዶብ ተተሓሒዙ ዘሎ ታሪኽ እንታይ ይመስል?

ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎሜተር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተከለለን።

ነዚ ንምፍጻም ዝተገብረ ተደጋጋሚ ዘተ ተጀሚሩ ኣብ መዕለቢ ከይበጽሐ ተቋሪጹ እዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዝርከባሉ ከባቢ ታሪኻዊ ኩነታት ምስ ኣፍላጋት 'ብሉ' ናይልን ኣትባራን ዝተኣሳሰረ እዩ።

እዞም ኣፍላጋታ ክልቲኡ ህዝቢ ብንግድን ብኻልእን ክራኸቡ ንዘመናት ምኽንያት ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም።

እንተኾነ ግና ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተኸታታሊ ጎንጽታት መበገሲ እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ዶብ ንዝለዓል ጎንጺ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶባት፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ካልኦት ናይ ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሃገራት ሕጂ ሒዘንኦ ዝርከባ ቅርጽን መልክዕን ኣትሒዝወን እዩ።

ዶክተር ወንድወሰን ተሾመ ዝተብሃለ ተመራማሪ፡ "ባዕዳዊ ዶባት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ጉዳይ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን" ኣብ ዝተሰምየ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተጽሓፈ መጽናዕቱ ከም ዝገለጾ፤ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዶብ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብ1902ን 1907ን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝተገብሩ ናይ ካራታ ምልከታ ስምምዓት መሰረት ዝገበሩ እዮም።

ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ መሬት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተከለሉ ዶባት ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰብ፡ ወዲ ኣየርላንድ ዝኾነ ዳህሳሲ ቻርለስ ግዊይን እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ኣብ 1908 ዝተሓንጸጸ ኮይኑ፡ ግዝኣታት ገዳርፍን ብሉ ናይልን ሱዳን ምስ ክልል ኣምሓራ ይዳወቡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2001 ክልተ ጊዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካዪዱ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ እውን ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመት ማለት 2002 ናብ ካርቱም ምብጻሕ ኣካዪዱ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ርክብ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ዘርእይ እዩ፤ እዚ ርክብ ሎሚ'ውን መልክዑ ኣይቀየረን።

ኣብ 2012 'ውን (ኣ.ኢ) ጠቕላሊ ሓላፊ ኢታማዦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ኣደም መሓመድ ኣብ ሱዳን ዑደት ኣካዪዱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሱዳን ዑመር በሽር ማኒስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ነይሩ። ብወገን ኢትዮጵያ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ንዘተ ቀሪቡ ነይሩ።

እቲ ዘተ ኣብ ግንቦት 10/2012 (ኣ.ኢ) ክዛዘም ከሎ፡ እቲ ናይ ዶብ ዘተ ንምምልካት እቲ ዶብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከብጽሕን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዘላቒ ተጠቃሚ ክገብር ኣብ ዝኽእል ደረጃ ምብጽሑ ኣቶ ደመቀ ገሊጹ ነይሩ።

ሓረስቶት ብዘይ ስግኣት ናብ ማሕረሶም ክምለሱን ግቡእ ዘይኮነ ምንቅስቓስ ክቋረጽን ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተሰማምዓ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።

ኩርናዕ ኣልፋሽቃ

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽቃ ብዝብል ይፍለጥ።

ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ስግሪ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።

ኩርናዕ ኣልፋሽቃ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ።

ኣልፋሽቃ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ።

ሰበ ስልጣን ሱዳን፡ ኣልፋሽቃ ናይ ሱዳን ግዝኣት ምዃኑ ይዛረቡ። ሕጂ ስለምንታይ ብኢትዮጵያውያን ተታሒዙ ንዝብል ክምልሱ እንከለው፡ "መንግስቲ ሱዳን ምስታ ሃገር ብዘለዎ ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን ስምምዓት፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ነቲ ስፍራ የልምዕዎ ኣለው" ይብሉ።

ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተጌሮም ነይሮም።

ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

እንተኾነ ግና ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብዚ እዋን ጽቡቕ ዝምድና ብምህላው፡ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብዘተ ክፍታሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ይእመን።

እቲ ሎሚ ዝጀመረ ዝርርብ ነቲ ምስሕሓብ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ይገብረሉ ዶ ይኸውን? ኣብ ቀጻሊ ዝርአ እዩ።