ሕቡራት ሃገራት ንሰላማውያን ሰባት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 35.6 ሚልዮን ዶላር ኣበርኪቱ

ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኵናት ንዝተጸገሙ ሰላማውያን ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል 35.6 ሚልዮን ዶላር ዋግኡ ሓገዝ ከም ዘበርከተ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ክልል ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኵናት ጠንቂ ውሽጣዊ ምዝንባል ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝኾነን ኣስታት 50 ሽሕ'ውን ናብ ጎሮቤት ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይንገር።

ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ዘበርከቶ ሓገዝ እቲ 25 ሚልዮን ዶላር ነቶም ብሰንኪ እቲ ኵናት ዝቆሰሉን ዝሓመሙን ሰላማውያን ሰባት መግዝኢ መድሃኒት፣ መግብን ማይን ከም ዝውዕል ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ 10.6 ሚልዮን ዶላር ኸኣ፡ ነቶም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ዓሰርታታት ኣሽሓት ስደተኛታት መግዝኢ መዕቆቢ ቴንዳታት፣ ቀረባት ናውቲ ሕክምናን ማይን ከም ዝውዕል ገሊጹ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ህጹጽ ሓገዛት ማርክ ሎውኮክ “ከምዚ ዓይነት ግጭት ደው ከተብሎን ክትቆጻጸሮን ከቢድ እዩ። ነቲ ዝጠፍእ ህይወት ከኣ ክትመልሶ ኣይትኽእል ኢኻ። እቲ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋታት’ውን ንነዊሕ ዝጸንሕ እዩ፤ ህጻናት ብዘይ ሓገዝ ተሪፎም ኣለዉ። ናብቲ ቦታ ንኽንኣቱ ኸኣ ገደብ ዘይብሉ መስመር ክኽፈተልና ኣለዎ” ኢሉ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ኣስታት 50,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝመዝገበን፡ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርትን መሻርኽትን ኮይኑ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ።

መዓልታዊ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለውን እቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ከኣ ካብ ማእከል ትግራይ ይመጽኡ ምህላዎም እቲ ትካል ይጠቅስ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ንኽኣትው ''ክልተ ሰሙን'' ከምዝወስደሎምን፡ ዝበዝሑ ደኺሞም ከምዝመጹን ይሕብር።

ብዙሓት ካልኦት ኣብ ጫካታት ተሓቢኦም ከምዘለው'ውን እቲ ትካል ይጠቕስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ንኣስታት 2.3 ሚልዮን ህጻናት ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ከምዘይተኽኣለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ከም መግቢ ዝበሉ ቀረባትን ሕጽረት መዓዛ ንምምላእ ዝሕግዙ ፍሉይ መግቢ ንህጻናትን፣ መድሓኒት፣ ማይ፣ ነዳዲን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ኣብ እዋኑ ናብቶም ህጻናት ክበጽሑ እንተዘይኪኢሎም ዝኸፍአ ኩነታት ክፍጠር እዩ" ኢሉ።

ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ሰባዊ ረዲኤት ተሓሪምዎም ኣብ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው የገልጹ።

ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።