ሱዳን፡ ብምኽንያት ኲናትን ጎንጽን ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘይኽኣሉ ህጻናትን መናእሰይን

ዓብደላህ፡ ዕድሚኡ ሙሉእ ካብ ጎንጺ፣ ጥምየትን ምምዝባልን ወጻእ ካልእ ኣይፈልጥን
መግለጺ ስእሊ, ዓብደላህ፡ ዕድሚኡ ሙሉእ ካብ ጎንጺ፣ ጥምየትን ምምዝባልን ወጻእ ካልእ ኣይፈልጥን

ኣኽበርቲ ሰላም፡ ካብ ቀጠና ኲናት ሱዳን ዝኾነት ዳርፉር ክወጽኡ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ከይፈርስ ብዝብል ብዙሓት ስቪላት ንድሕነቶም ከም ዝሰግኡ ይግለጽ።

ወዲ 14 ዓመት ዓብዱላህ ብምኽንያት ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር'ዩ ዝነብር።

ካብ ሰሜን ዳርፉር ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ፋሸር ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣቡ ሹክ'ዩ ተወሊዱ። ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ትውልዲ ዓዲ ወለዱ ርእዩ ኣይፈልጥን።

"ወለደይን ካልኦት ኣዝማድናን፡ ብሓምለዋይ ትሕዝቶ ኣብ ዝተኸበበ ጽቡቕ ቦታ ይነብሩ ከም ዝነበሩ'ዩ ተነጊሩኒ። ኣብኡ ህይወት ዝሓሸ ከም ዝኾነን ጽቡቕ ቦታ ምዃኑን'ውን ወለደይ ነጊሮምኒ'ዮም" ይብል።

ዓብዱላህ፡ ኣብ ህይወቱ ሓንቲ ግዜ ጥራሕ'ዩ ቴሌቪዥን ርእዩ። እቲ ዘለውሉ መዕቖቢ ስደተኛታት ወትሩ ለይቲ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ስለ ዝበጽሖ፡ ብፍርሒ ተሸሚሙ'ዩ ዝነብር።

"ንነብስኻ ከተድሕን እንተፈቲንካ ስለዝቐትሉኻ፡ ካብ ምሕባእ ወጻእ ካልእ ኣማራጺ የብልናን" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ሱዳን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ዓብዱላህን ስድርኡን ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ እቲ ኣብ ዳርፉር ን17 ዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ ከብቅዕ ተስፋ ተገይርሉ ኣሎ።

ብምኽንያት እቲ ጎንጺ፡ 300 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 2.5 ሚሊየን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተዘናቢሎም።

ኲናት ዳርፉር፡ ብ2003 ክጅምር እንከሎ፡ ዞባና ይጓነ ኣሎ ዝበሉ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ ከፊቶም።

መንግስቲ ሱዳን፡ ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘላን ሓለውቲ ከፍቲ ዝኾኑ ዓረብ ኣዕጢቑ፡ ብጭካነ ነቲ ተቓውሞ ክዕፍኑ ከፊሉዎም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ዕጡቓት ጉጅለታት ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ስምምዕ ሰላም ዝፈረሙ ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ግን ህጻን ዓብዱላህ ሓዊሱ ኣስታት 1.5 ሚሊየን ሰባት ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝርከባ 60 መዕቖቢ ቦታታት ይርከቡ።

ብዙሓት ከም ዛራ ዝበሉ ን17 ዓመት ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሑ ሰባት'ውን ናብ ገዝኦም ንምኻድ'ኳ ድልየት እንተሃለዎም'ውን ክኸዱ ግን ኣይክኣሉን።

"ናይ ሕርሻ መሬትና ብኻልኦት ተታሒዙ ስለ ዘሎ፡ ስቕ ኢልና ኣይንኸይድን። እቶም ዝቐተሉናን ዘመዛበሉናን'ዮም መሬትና ሒዞምዎ ዘለው" ትብል።

'መዓልታዊ ቕትለት'

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኣቡ ሾኩ ናብታ ጭንቀት ዝሰፈና ከተማ ነርቲቲ ዝግበር ጉዕዞ መኪና ሽዱሽተ ሰዓት ይወስድ።

እዛ ከተማ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣይደልዩን? ንዝብል ሕቶታትኻ መልሲ ትረኽበላ።

ብዙሓት ሓረስቶት፡ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ርእዮም ዝመጽኡ ስለ ዝኾኑ ናብ መረበቶም ምምላስ ኣዝዩ'ዩ ዘስግኦም። እቶም ኣብታ ከተማ ዘለው ንርእሶም ውሑሳት ኣይኮኑን።

እዞም ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ኣብ ቀረባ ንሃዲጋ ኣብ ገዝኣ ተኲሶም ቕድሚ ምቑሳሎም ንበዓል ቤታን ሓደ ውላዳን ቐቲሎምላ'ዮም።

"ኩል ግዜ ቅልውላው፤ ኩል ግዜ ቕትለት። ንመንግስትና፣ ንሰራዊት ኮነ ፖሊስ ኩሎም ኣይንኣምኖምን። ፍታሕ እንተዘይመጺኡ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ክህሉ'ዩ" ኢላ።

ንሃዲጋ ምስ ቤተሰባ
መግለጺ ስእሊ, ንሃዲጋ ምስ ቤተሰባ

ንሳን ካልኦት ከምኣ ዝበሉን ዝሰግእሉ ምኽንያት፡ እቶም ዘሳቐዩዎምን ዘመዛበሉዎምን ኣብ መሓውር ሰራዊት እታ ሃገር ኣባላት ጉጅለ ጃንጃዊድ ዝነበሩ ሰባት ምህላዮም'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ሰራዊት ሱዳን ክውዝዑ'ዮም።

ካልእ ምኽንያት'ውን ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ን13 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣኽባሪ ሰላም ክወጽእ እዩ።

እዚ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተወጻጽአ ኣኽባሪ ሰላም፡ ዋላ'ውን ድሕነት ስቪላት ኣብ ምሕላው ዕውት ነይሩ እንተዘይተባህለ፡ ሃለዋቱ ግን ብሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸም ዓመጽ ጠጠው ከብል ክኢሉ'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ኣብቲ ሓድሽ ካብ ስቪላትን ሰራዊትን ዝተወጻጽአ ናይ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ዘለዎም እምነት ልዑል እዩ።

እዚ ናይ ስግግር መንግስቲ፡ ብ2019 ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ምሕደራ ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ዝተላዕለ ተቓውሞ'ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር፡ ብገበን ግዕዝይና ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን'ውን ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበን ኲናት ተኸሲሱ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ሓበሬታን ባህልን ሱዳን ፋሲል መሓመድ መሓመድሳሊሕ ቅድም ኢሉ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት'ዩ ነይሩ። እቲ ሕሉፍ ስርዓት ኣብ ሓደ እዋን ኣሲሩዎ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ኣካል እቲ ናይ ስግግር መንግስቲ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከር ቦታታት ዘለው ስቪላት ናብ ገዝኦም ክምለሱ ስግኣት ኣለዎም ዝብል ጥርዓን ክቕበሎ እንከሎ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ንወጽዓን ዘይፍትሓውነትን ኣይንጻወርን ኢሉ።

"ኩሎም ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበን ዝኽሰሱ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም። ዋላ ሓደ ካብዚ ዝሃድም የለን" ኢሉ።

መሰላት መሬት ክሕለው'ዮም ተባሂሉ

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝጸንሑ መሬቶም ዝተወስዶም ሰባት መሬቶም ንክረኽቡን ሕቶ መሰላት መሬት ዘለዎም ዘላን ሓለውቲ ከብትን ንምሕጋዝ ኮሚሽን መሬት ክቐውም'ዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ስጉምታት ንኸም እቶም ኣብ መዓስከር ኣቡ ሹክ ዝርከቡ ካብ 2003 ጀሚሩ ብዙሕ ዝርኣዩ ተመዛበልቲ ዝህልዎ ትርጉም ብዙሕ እዩ።

ኣብ ዕድሚኦም ካብ ጎንጺ፣ ጥምየትን ምምዝባልን ወጻእ ካልእ ርእዮም ዘይፈልጡ ከም በዓል ዓብዱላህ እውን ዓብዩ ተስፋ ዝህብ'ዩ።

"ሰባት ካብ ሕርሻ መሬቶም ናብ ገዝኦም ብሰላም ዝንቀሳቐስሉ ካብ ስግኣት ወጻእ ዝኾነ ህይወት ክህልወኒ ይሓልም። ጽቡቕ ህይወት ዝነብረሉ ቦታ እየ ዝደሊ። ግን ድማ ካብዚ ንዓመታት ዝነበርኩዎ ዝተፈለየ ስለ ዝኸውን ነዚ ምሕሳብ ንርእሱ ከቢድ'ዩ" ይብል ዓብዱላህ።