ኣብ ሑመራ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ናብ ሱዳን ዝሰገረ ዶክተር ምስክርነቱ ይህብ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ቤት ንብረቶም ገዲፎም ተሰዲዶም እዮም።
ዛጊድ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።
ካልኦት ብዙሓት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ።
ካብቶም ኲናት ምስጀመረ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ሰባት ሓደ፡ ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ እዩ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ሓኪም እዩ።
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 08 ሕዳር 2020፡ ኣብ’ታ ከተማ መጥቃዕቲ ክኽፈት ከሎ ኣብኡ ነይሩ።
“ፈለማ፡ ብምብራቓውን ሰሜናውን ሸነኽ ናይ’ታ ከተማ ደብዳብ ከቢድ ብረት ጀሚሩ። እቲ ደብዳብ ንምሉእ ክፋል እታ ከተማ ዒላማ እናገበረ ቀጺሉ” ይብል።
ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ይዛረብ።
“ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቶም ዝተወግኡ ሰባትን፡ ሬሳታትን ክንቅበል ጀሚርና” ይብል እቲ ዶክተር።
“ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ኣስታት 15 ዝሞቱን 75 ድማ ዝቖሰሉን ሰላማውያን ሰባት ተቐቢልና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ኣብ’ቲ ፈላማይ መዓልቲ ምሉእ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝቐጸለን፡ ብጽባሒትኡ ድማ ንጉሆ መሊሱ ከምዝጀመረን ይገልጽ።
ኣብ’ቲ ካልኣይ መዓልቲ፡ ተወሰኽቲ ዝቖሰሉን ሾመንተ ድማ ዝሞቱን ሰባት ኣብ ሕክምና ከም ዝተቐበሉ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ድሕሪ’ዚ ግን ነቶም ተሓከምቲ ኾነ ንባዕሎም ኣብ’ቲ ቦታ ምጽናሕ ውሑስ ከም ዘይኮነ ከም ዝተረድኡን፡ “ክንወጽእ ኣለና” ኢሎም ከም ዝወሰኑን ይገልጽ።
“ነቶም ዝቖሰሉ ተሓከምቲ ኣብ ናይ ሕርሻ መኪና ጽዒንና፡ ካብ ሑመራ 30 ኪሎሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ቦታ [ኣደባይ] ኣቲና። ኣብ’ቲ ቦታ ደብዳብ ከቢድ ብረት እኳ እንተዘይነበረ፡ ውግእ ግን ይቕጽል ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ግን፡ እቲ ውግእ እናሓየለ ናብ’ቲ ንሕና ዝነበርናሉ ክሊኒክ’ውን እናተጸገዐ ከይዱ። ድሕሪ’ዚ ንተሓከምትና ብመኪና ጽዒንና ዝሓሸ ውሑስ ናብ ዝኾነ ክፋላት ትግራይ ክነግዕዞም ነይሩና” ኢሉ።
ድሕሪ’ዚ፡ ንባዕሎም ከድሕኑ ድማ፡ ብእግሮም ናብ በረኻ ከምዝሃደሙን ካብኡ ድማ ናብ ሱዳን ሓምዳይት ከም ዝኣተዉን የዘንቱ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሑመራ ዝነበረ ደብዳብ ከቢድ ብረት ክዛረብ እንከሎ ድማ “ዘይተወቕዐ ክፋል ናይ’ታ ከተማ የለን። ዕዳጋ፣ ኣብ ጥቓ እቲ መስጊድ ዝነበረ ቤተክርስትያን፡ መረባ ናይ’ቲ ሆስፒታል’ውን ተወቒዑ እዩ። ከቢድ ደብዳብ እዩ ነይሩ” ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ ኲናት፡ ሰላማዊ ቦታታት ዒላማ ከም ዘይተገበሩ እዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ’ውን ብሰኑይ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ “ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ኣይሞተን” ክብል እዩ ተዛሪቡ።
ዶክተር ቴድሮስ ግን “እቶም እንሕክሞም ዝነበርና ሰላማውያን ሰባት እዮም። ደቂኣንስትዮ፣ ዓበይቲ ኣደታት፣ ከምኡ ድማ ኣናእሽቱ ተባዕትዮ’ውን ተጠቒዖም እዮም” ኢሉ።
እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ብወገን ሰሜንን ምብራቕን ከም ዝጀመረ ዘብርህ ዶክተር ቴድሮስ፡ ብወገን ሰሜን ድማ፡ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ዶብ ኤርትራ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብሰሜን ካብ መሬት ኤርትራ ይትኮስ ምንባሩ ብወገን ምብራቕ ድማ ሓይልታት ኢትዮጵያ የጥቅዑ ምንባሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ’ዚ ኲናት መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ሓዊሱ እዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ከሲሶም እዮም።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







