ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ‘ብሕጽረት ቀረባት ቁሱላት ክሕክም ተጸጊሙ’

ምንጪ ስእሊ, MU
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ንውጉኣት ክሕክም ተጸጊሙ ምህላዉ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
እቲ ሕጽረት ቀረባት “ኣዝዩ ሓደገኛ” ከምዝኾነ’ውን ገሊጹ።
ብቀዳም፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጡ እዩ።
መራሒ መንግስቲ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ቃልሲ ክቕጽሉ ምዃኖም እዩ ንሮይተርስ ገሊጹ።
ብሰንኪ ምዕጻው መራኸቢታት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ውሑድ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዝርከብ ዘሎ።
እዚ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ባይታ ዘሎ ኹነታት ዘረድእ እዩ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል እንታይ እዩ ኢሉ?
ኣምቡላንስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል “ዝተወግኡን ዝሞቱን ሰባት” ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዘመላለሳ እቲ ማሕበር ይገልጽ።
ናብ’ቲ ሆስፒታል ከይዶም ዝተዓዘቡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል “80 ምኢታዊት ካብ ተሓምቲ መውቃዕቲ ዘጋጠሞም ከምዝኾኑ” ካልእ ኣገልግሎታት ሕክምና ተቛሪጹ እቲ ዘሎ ውሱን ቀረብን ሰራሕተኛን ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ይህቡ ምህላዎምን ገሊጾም።
ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሕጽረት ሕክምናዊ መስፈዪ ክሪ፣ ኣንቲባዮቲክ፣ ደም ንከይረግእ ዝሕግዙ ኣፋውስ መቕጠኒ ደም፣ ኣፋውስ ጸረ ቃንዛ፣ ከምኡ’ውን ሕጽረት መሸፈኒ ኢድ ኣጋጢሙ ምህላዉ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ሬሳታት ዝቕመጠሉ መሸፈኒ ሳናጡ’ውን ሕጽረት ከምዘሎ እቲ ኣብ ጀኔነቫ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ትለል ይገልጽ።
እንተኾነ፡ ብዝሒ እቶም ቁስላትን ምውታትን ክንደይ ምዃኖም ኣይገለጸን። እቶም ግዳያት፡ ሰላማውያን ሰባት ድዮም ወተሃደራት ዝብል’ውን ኣይገለጸን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምሉእ ንምአእ ከምዝተቖጻጸረ ብምግላጽ፡ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ “ወተሃደራዊ ወፍሪ” ከምዝተወደአ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር፡ ሓይልታት ትግራይ ገና ኩናት ይካየድ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ሓይልታት ትግራይ ብሰምበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ንዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ “በቲንናዮ” ኢሎም።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







