ቅልውላው ትግራይ ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ቅልውላው ይዓርግ ምህላዉ ገሊፁ

ዝተመዛበለት ሰገን

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ፡ ክልተ ሰሙን ዘቑፀረ ኵናት፡ ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይዓርግ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ዛጊድ ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝተመዛበሉን፡ ጉጅለ እቲ ውድብ ይሰርሓሉ ከምዘሎን ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ውድብ ንዝኾነ ህወሓት ብክሕደት ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ እዚ ውግእ ተወሊዑ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ከምዘይሕጋዊ እዩ ዝርእዮ።

ኣብ'ዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝተወልዐ ጎንፂ፡ ክሳብ ሕዚ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ እዩ ዝግለፅ።

ይኹን’ምበር ኣብ ትግራይ መራኸብታት ስለዝደስከለ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም መረበቶም ገዲፎም ካብ ኢትዮጵያ ክሃድሙ ዝተገደዱ ዜጋታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተወልዐ ጎንፂ ከምዝኾነ ዝገለፀ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ወሃብቲ ረድኤት ናብ ትግራይ መእተዊ ከምዝሰኣኑ'ውን ገሊፁ።

ሃገራት ኬንያን ዩጋንዳን፡ እቲ ጎንፂ ብሰላም ንክፍታሕን ክልቲኦም ተጓነጽቲ ሓይልታት ክላዘቡን ፀዊዐን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ህወሓት ሕገ-መንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ፈፂሙ እዩ ብምባል፡ ምስ ህወሓት ክላዘብ ድልየት ከምዘይብሉ ይገልፅ።

መራሒ እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ የካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት “ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ይበፅሕ” ከምዘሎን ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ትግራይ ኢዶም ንክህቡ ዝተቐመጠሎም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ገደብ ግዜ ከምዘብቅዐን ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኵናት፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋጠመን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ይሃድሙ ከምዘለዉን፡ ካብ ትግራይ ኣብ መዓልቲ ብውሑዱ 4 ሽሕ ሰባት ከምዝሃድሙን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባባር ባሎች፡ ናብ ትግራይ መእተዊ እንተተረኺቡን ውሕስነት እንተተረኺቡን፡ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ትግራይ ድጋፍ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ምትሕብባርን ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት ጀንስ ሌርከ’ውን፡ “ኣብ ትግራይ ገዚፍ ምምዝባል ክህሉ ከምዝኽእልን፡ ሓገዝ ንምግባር ዝከኣለሉ መገዲ የናድዩ ከምዘለዉን ሓቢሩ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ድማ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።

ቅልውላው ትግራይ ኢትዮጵያ