ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገልግሎት ንምቕራብ ከምዝተጸገመ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኣገልግሎታት ከቕርብ ተጸጊሙ ምህላዉ፡ ተወካሊት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣን ኢንኮንቱሬ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እታ ተወካሊት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት “ነቶም ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣገልግሎት ከቕርቡሎም ኣዝዮም ተጸጊሞም ኣለዉ” ኢላ።
ካብቶም ስደተኛታት እቶም ፍርቂ ህጻናት ከምዝኾኑ ዝተዛረበት እታ ተወካሊት “ምስኦም ዘናብዩዎም ኣባላት ስድራ የብሎምን” ኢላ።
ወሲኻ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት “ብዘይ ቅድመ ኹነትን ብዘይ ምትዕንቓፍን” ናብቶም ስደተኛታት ኮነ፡ ናብቶም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበዩ ኣስታት 600 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣገልግሎት ምቕራብ ክኽእሉ ጸዊዓ።
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ባንክታት ተዓጽየን ብምህላወን ኣብ’ዚ እዋን ‘ገንዘብ ክርከብ ኣይክእልን፡ ኣብ ዕዳጋ’ውን ሕጽረት ምግቢ ኣሎ’ ኢላ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኣገልግሎታት ከቕርቡ መታን መገድታት ከምዘድልዮም ሓቢራ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ “ኣብ’ዚ ክፋል ናይ’ታ ሃገር፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገም እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ” ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መሳርሕታ፡ ነቲ "ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ርእዮም እዮም" ድማ ኢላ።
እንተኾነ፡ ዒላማ ናይ'ቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ ከምዘይፈልጡ ተዛሪባ።
ምምዝባል ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን
ብሰንኪ’ቲ ክልተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት መንግስታት ክልል ትግራይን ፌዴራልን፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምምዝባሎም ትለል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት [ዩኤንኤችሲአር] ይገልጽ።
ትማሊ ሰኑይ ጥራይ ልዕሊ 2,300 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ብሰንበት ድማ ልዕሊ 5000 ተመዛበልቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱዳን ምስጋሮም ተሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EBRAHIM HAMID
ኣማኢት ስደተኛታት ጥራይ ክቕበል ዝኽእል ማእከል ስደተኛታት ሓምዳይት፡ ብዓሰርታት ኣሸሓት ተጨናኒቑ ምህላዉ ይግለጽ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ድማ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







