ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል፡ ብጉዳይ ትግራይ ‘ከምዝተሻቐለ’ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, NOBEL PRIZE
ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝሃበ ኮሚቴ፡ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ኣዝዩ ተሻቒሉ ከምዘሎ ምግላጹ፡ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቲ ኮሚቴ ብሰሉስ ናብ ሮይተርስ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ጎንጺ ደው ከብሉ’ውን ጸዊዑ።
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ከምዝከታተሎ ዝገለጸ ኮሚቴ ኖቤል፡ “ኩሎም ኣብ’ዚ ጎንጺ ዝሳተፍ ዘለዉ ኣካላት፡ ነቲ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ጎንጺ ደው ናይ ምባልን፡ ነቲ ቅርሕንትን ጎንጽን ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕን ሓላፍነት ኣለዎም” ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ክልተ ሰሙን ኮይንዎ’ሎ።
ዛጊድ፡ ብሰንኪ’ዚ ጎንጺ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ዑቕባ ንምርካብ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ’ዚ ጎንጺ፡ ንጹሃን ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ኲናት ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ብንጹር ገና ኣይተገለጸን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ክሽለም ዝኸኣለ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነት ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ከብቅዕ ተበግሶ ብምውሳዱ ከምዝኾነ፡ ኣብ’ቲ እዋን ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 10 ታሕሳስ 2019 ኣብ ኦስሎ ተረኺቡ ነቲ ሽልማት ክቕበል ከሎ ‘ኲናት ንክፉኣት፡ ንተረርትን፡ ንጨካናትን እዩ’ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዓውደ ኲናት ሓያላን ሃገራት ክኸውን ከም ዘይደልይ’ውን ኣብ’ቲ እዋን ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







