መንግስቲ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ንከይትፈርስ ማሕበረሰብ ዓለም ኢዱ ከእቱ ጸዊዑ

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ልፍንታዊ ውድብ ኢህወዴግ ፈሪሱ፡ ሓዲሽ ሰልፊ ብልጽግና ስልጣን ንዝወሰደሉ መስርሕ፡ 'ዳርጋ ከም ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ዝቑጸር' ክብል ገሊጽዎ።
ስልጣን 'ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ካብ ዝተመረጸ ልፍንታዊ ውድብ' ክውሰድ እንከሎ፡ ህወሓትን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታትን 'ልቢ ኣዕብዮም' እንተዘይኣልይዎ ነይሮም፡ ናብ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል ነይሩ ድማ ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ 'እቲ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ' ግን ነዚ ከም ድኽመት ከምዝወሰዶን "ናይ ሓደ ሰብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምትካል" ምንቅስቓስ ይቕጽል ምህላዉን ገሊጹ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ እዩ ከምኡ ዝበለ።
ኣብቲ ደብዳቤ፡ ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ ግደኡ ክጻወትን ሓቲቱ።
መንግስቲ ትግራይ ኣብ'ቲ ጽሑፍ፡ ንኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ዞባ ናብ ሓደጋ ከምርሑ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም፡ ብምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተፈጺሞም ንዝበሎም እዞም ዝስዕቡ 'ጥሕሰታት' ዘርዚሩ'ሎ።
ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ ዝፍጽሞም ዘሎ ናይ ወጻኢ ስምምዓት "ናይ ውልቀን ግሉጽነት ዝጎድሎምን" እዮም ክብል ከሲሱ።
ምስ ኤርትራን ካልኦትን ሃገራት ንዝተጀመረ፡ 'ሚስጢራዊ' ዝበሎ ርክባት ድማ "ንልዑላውነትናን ሃገራዊ ረብሓናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ "ምስ ውልቀ መለኽትን ፈተውቲ ኩናትን ዘርእዮ ዘሎ ምትሑቑቛፍ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዘስግእን ዘሰክፍን እዩ" ይብል እቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተዳለወ ጽሑፍ።
ወሲኹ ድማ፡ ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ ብግሁድ "ንክልላዊ መንግስታት ኣፍሪሱ'ዩ" ኢሉ። ኣብ ክልል ኮነ ኣብ ፌደራል ከምድላዩ መራሕቲ የልዕልን ይሸይምን ኣሎ ዝብል ከኣ ከም መርትዖ የቕርብ።
ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ 'ሕገ መንግስትን፡ ሕገ መንግስታዊ ሕብረ-ብሄራዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን' ንምፍራስ መታን ክጥዕሞ፡ ሽፋን ሕገ መንግስቲ ተጠቒሙ ባይቶ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝተፈቐደሉ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ግዜ ብላዕሊ ክጸንሕን መረጻ ከምዝናዋሕን ይገብር ኣሎ ክብል መንግስቲ ትግራይ ነቒፉ።
ወሲኹ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ዘሎ 'ሕገ መንግስታውን ፖለቲካውን ቅልውላው' ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምእላይ ይህቅን ምህላዉን ብመግለጺታቱ ከምዘንጸባረቖምን እቲ ጽሑፍ ገሊጹ።
"እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ እዩ" ዝበለ መንግስቲ ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መገዲ'ዚ እንተተኸቲሉ ግን "ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ናይ ፖለቲካ፣ ጸጥታን ሰብኣውን ቅልውላው ዘእቱ እዩ" ኢሉ።ነዚ ድማ "ፌደራል መንግስቲ በይኑ እዩ ዝሕተተሉ" ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ።
መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ነዞም ካብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝቐረቡ ክስታት ብዝምልከት፡ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበሉን።ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ሰልፍታት ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ምትፍናን እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







