ኢትዯጵያ፡ ህወሓት ንብልጽግና 'ኵናት ኣዊጁ' ክብል ከሲስዎ

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴኡ፡ ካብ 15 ክሳብ 22 ጉንበት ተኣኪቦም እናመኸሩ ከም ዝቐነዩ ገሊጹ።
ኣብዚ ኣኼበኦም ዘትዮም ንዘሕለፍዎም ውሳነታት'ውን፡ ኣብቲ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺ ዘርዚርዎም ኣሎ።
እቲ መግለጺ፡ ብሰፊሑ "ጉጅለ" እናበለ ንዝገልጾ ውድብ 'ብልጽግና' ኣትሪሩ ዝነቅፍ እዩ።
"ሕግታትን ንቡር ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓታትን ብምጥሓስ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ካብ ምውሳን ሓሊፉ ስርዓትን ሕግን ኣኽቢሮም ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ኣካላት ቅሉዕ ኵናት ናብ ምእዋጅ ተሰጋጊሩ ይርከብ" ክብል ድማ ከሲስዎ።
እቲ ውድብ መረጻ ብዝምልከት ውሳነ ከም ዘሕለፈ'ውን ገሊጹ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ሓድሽ ውሳነ ዘይኮነስ፡ ነቲ ቅድም ክብል ብኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ዝተወሰነ ውሳነ እዩ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ "ኣብ ክልልና መረፃ ንኽካየድን ተጀሚሮም ዘለው ምድላዋት ብሕጊ መሰረት ተጠናኺሮም ክቕፅሉን ወሲኑ ኣሎ" ይብል።
ኮይኑ ግን እቶም "ተጀሚሮም ዘለው" ክብል ዝጠቐሶም ምድላዋት እንታይ ምዃኖም ኣየብረሀን።
ህወሓት ዋላ'ኳ ቅድም ክብል'ውን ኣብታ ክልል መረጻ ክካየድ መርገጺኡ ምዃኑ እንተብርሀ፡ መንግስቲ ትግራይ መረጻ ንምክያድ ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ግን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
እቲ መረጻ ክካየድን ዘይክካየድን ናብ ባይቶ እታ ክልል ቀሪቡ'ውን፡ ብተወከልቲ ህዝቢ ዛጊድ ውሳነ ኣይተዋህበሉን።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፊታት፡ መንግስቲ ናይቲ ክልል 'ክልላዊ መረጻ' ንምክያድ ዝኾነ ዓይነት ምድላዋት ኣይገብርን ዘሎ ክብሉ ነቒፎም ምንባሮም ዝዘከር እዩ።
ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል [ህወሓት] "ካብ ተራ ጭርሖ ሓሊፉ" ኣብ ትግራይ ቕቡልነት ዘለዎ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ ግልጽን ዘየሻምን መትከል ኣይሓዘን እውን እዮም ኢሎም።
ነዚ ዝበሉ፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነትን ትግራይን፡ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን እዮም።
ውድብ ህወሓት ኣብቲ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺኡ፡ ቅድም ክብል ብብርኪ ትግራይ መረጻ ክካየድ መርገጺኡ ምስ ኣፍለጠ፡ 'መራሒ ብልጽግና ኣዋጅ ኵናት ዕላዊ ገይሩ' ክብል'ውን ንኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን 'ቅጥዒ ዘይብሉ መረጻ ከነካይድ ኢና ንዝብሉ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ' እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ርእይቶ ኣብዪ ኣሕመድ "ከም ኣዋጅ ኵናት" ዝገለጾ ህወሓት ድማ፡ ኣብቲ ሕዚ ዘውጸኦ መግለጺ "ብሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን ኣዋጅ ኵናት ጉጅለ 'ብልፅግና'ን መራሒኡን ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ጥፍኣት፡ ብሕታውያን ተሓተትቲ ባዕልቶም ምዃኖም ህዝብታት ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክፈልጡ ይግባእ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







