ወልፊ ግብረ-ሕቡእ ክሳብ ክንደይ ከቢድ እዩ?

ጸሓፊ ናይዚ ኣብ 2018 ዝተሓተመ ዛንታ'ዚ ስሙ ክግለጽ ኣይደልን።
እቲ ዘሕለፎ ተመኩሮ፡ ስቅያት ክመስል ይኽእል፤ ግን ገለ ዘገርም ትምህርቲ ነይርዎ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ንገለ ሰባት ዘሰክፍ ኣገላልጻ ዝሓዘ እዩ።
ብዘይ ግብረ ሕቡእ ዝጸናሕኩሉ ክብረወሰን 13 ወርሒ እዩ። ኵሉ ግዜ ብውሳነይ ምጽናዕ ቀሊል ኣይነበረን፡ ብቕንዕና ግን ህይወተይ ካብዚ ዝሓሸት ኰይና ኣይትፈልጥን።
ግበረ ሕቡእ ዘይምፍጻም ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃበኒ ዘገርም'ዩ። ንሰሙናት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንኣዋርሕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ምሉእ ዕስራታት ዕድመይ ንሓያሎ ግዜ ደው ኣቢለ'የ።
ግን ኣነ በይነይ ኣይኰንኩን። ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት (መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ) ናብ "ኖፋፕ" ይጽንበሩ ኣለዉ። "ኖፋፕ" ሰባት ፖርኖግራፍን [ናይ ወሲብ ቪድዮታት] ግብረ ሕቡእን ደው ከብሉ ዘተባብዕ ምንቅስቓስ እዩ።
ወዲ 19 ዓመት ከለኹ እየ ንመጀመርያ ግዜ 'ፖርኖግራፊ' ምርኣይ ብዛዕባ ኣብ ልዕለይ ዝህልዎ ጽልዋ ክሓስብ ጀሚረ።
ከምቶም ዝተረፉ ወለዶይ፡ ፖርኖግራፊ ኣብ ዝጠለብኩሉ እዋን ምርኣይ እናኸኣልኩ እየ ዓብየ።
ወዲ 14 ዓመት ኣቢለ ከለኹ ኣብ ኢንተርነት "ቀምሽ ውሽጢ" ኢለ ክደሊ ከለኹ እዝክር። እዚ ድማ ናብ ዝያዳ ግሉጽ ምስልታት ኣምሪሑኒ።
ኣብ መወዳእታ ኰተቴ ዕድመይ፡ ኣብ ክፍለይ በይነይ እንተኰይነ፡ ፖርኖግራፊ ንምርኣይ ግዜ ኣብ ዘይወስደለይ ደረጃ በጺሐ ነይረ።
ሽዑ ወልፊ ኣለኒ ኢለ ክጭነቕ ጀሚረ። ከም ሓደ ዝተዋረድኩ ሰብ ዝዀንኩ ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ፣ ከም ሓደ ኣብ ክውንነት ምስ ኣዋልድ ክራኸብ ዘይክእልን ብኢንተርነት ንበይኑ ግብረ ሕቡእ ክፍጽም ዝግደድን ሰብ ከምዝዀንኩ ሓሲበ።

ወዲ 19 ዓመት ከለኹ መጻምድቲ ኣይነበረትንን፡ ድንግል እየ ነይረ። ዝዀነ ዝምድናታተይ ብዕቱብ ዝማዕበለ ስለ ዘይነበረ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ቁሩብ ፍንጪ'ኳ ኣይነበረንን።
ካብ ብደቂ ኣንስትዮ ንጽገት ዘጋጥመኒ ኣብ ገዛ ጸኒሐ ክብረ ሕቡእ ምፍጻም ውሑስ መገዲ ይመስል ነይሩ። ኣዋልድ ክዕልል ኣብ ዝፈተንኩሉ እዋን፡ ቅድሚታ መዓልቲ ምስልታት ዕርቃነን ዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ክጥምት ከምዘምሰኹ ይዝክር። እዚ ዝኽሪ ከወግዶ ኣይከኣልኩን። እንተ ፈሊጠን ድማ ከም ሓደ ስኽፍኽፍ ዝብል ሰብ ከምዝርእያኒ ርግጸኛ ነይረ።
ለይቲ ለይቲ፡ ብዛዕባ ፖርኖግራፊ ኣብ ህይወተይ ዘሕድሮ ጽልዋ እናተጨነቕኩ እየ ዘሕልፎ። ብዛዕባ'ዚ ንኣዕርኽተይ ኣይተዛረብኩን፤ ኣብ መንጎ ኣዕርኽተይ ብዛዕባ'ዚ ምዕላል ንቡር ኣይነበረን።
ድሕሪ መበል 20 ዓመት ልደተይ፡ ሓደ መዓልቲ ደው ከብሎ ወሲነ። ኣደይ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተድህብ ስለ ዝነበረት ብሕቡእ መደርደሪ መጻሕፍታ ክፍትሽ ጀሚረ።
ኣብ ኣስተንትኖ ምስ ኣተኹ፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ጾታዊ ርክብ ምዕቃብ ጸዓትን ርእሰ-እምነትን ንምዕባይ ከምዝጠቅም ተረዲአ።
እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣካል ናይቲ 'ኩንዳሊኒ' ዝበሃል ጥንታዊ ስርዓተ እምነት እዩ። ብዛዕባ እዚ ንኣደይ ክሓታ ኣዝየ ሓፊረ፡ ግን ዝያዳ ክፈልጥ ወሲነ። ኵሉ ነገር ድማ ብኸምዚ'ዩ ተጀሚሩ።
ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ግብረ ሕቡእ ከቋርጾ'የ ኢለ'የ ሓሲበ። ኣቋሪጸ ክጸንሕ ዝኸኣልኩ ግዜ ሓደ ወርሒ ጥራይ ብምዃኑ ግን ተስፋ ቆሪጸ።
ግን ድማ ድሕሪኡ ዝከኣለኒ ዝያዳ ክውንነታዊ ሸቶታት ከቐምጥ ከምዘለኒ ተረዲአ።
ምንቅስቓስ ኖፋፕ ን90 መዓልታት ምዕቃብ ይመክር። ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ፖርኖግራፊ ኣብ ሓንጎል ዘሕድሮ ጽልዋ ብዝምልከት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቴድ ቶክ እየ ሰሚዐ።
ኣብኡ ፖርኖግራፊ ምርኣይ ዘስዕቦ ሳዕቤን ምስ ምውሳድ ሓያል ሓሽሽ ከምዝነጻጸር ይጠቅስ።
ካብ መጠን ንላዕሊ ፖርኖግራፊ ምጥቃም ምስ ምውሳኽ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ምዝንባዕ ውትረት ዝሳቐዩ መንእሰያት ምትእስሳር ከምዘለዎ'ውን የመልክት። ብዙሓት ሰባት ናብ ኖፋፕ ዝጽንበሩ ብዛዕባ ውትረት ስለ ዝጭነቑ'ዮም፡ እዚ ግን ናተይ ውልቃዊ ምኽንያት ኣይነበረን።
ኣብ ኢንተርነት ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት ብምርካበይ ዕረፍቲ ተሰሚዑኒ። ወትሩ ቅኑዕ ነገር ድየ ዝገብር ዘለኹ ኢለ ይሓስብ ነይረ፤ ደሓር ከኣ ብዙሓት ፖርኖግራፊ ዝከታተሉን ጥዑይ ዝምድና ዝምስርቱን ይመስሉ።
እዚ ግን ካብቲ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ብኣሉታዊ ሳዕቤን ፖርኖግራፍን ግብረ ሕቡእን ዝሳቐዩ ደቂ ተባዕትዮ ኣለዉ ድዮም ኢለ ክሓትት ገይሩኒ።
ምንቅስቓስ ኖፋፕ ኣብ 2011 ተጠቃሚ ሬዲት ዝዀነ ኣሌክሳንደር ሮድስ ብዛዕባ ረብሓታት ግብረ ሕቡእ ዘይምፍጻም ዝገልጽ ብዙሓት ዝተሳተፉሉ ዘተ ምጅማሩ ስዒቡ እዩ ተመስሪቱ።
ሕጂ እቲ ዘተ ልዕሊ 300 ሽሕ ኣባላት ወይ ከምቲ ንነብሶም ዝብልዎ 'ፋፕስትሮናውንትስ' ኣለዉዎ። ኣሌክሳንደር፡ ሰባት ካብ ፖርኖግራፊ ነጻ ዝዀነ ህይወት ኣብ ምንባር ዘለዎም ተመኩሮኦም ዘካፍሉሉ መርበብ ሓበሬታ እውን ፈጢሩ'ዩ።

ብዙሓት ሰባት ኖፋፕ ካብቲ ብፖርኖግራፊ ዝመጽእ ምዝንባዕ ውትረት ከምዘሕወዮም ይኣምኑ።
ንዓይ ድማ ርእሰ ተኣማንነትን ንጹር ርእሰን ድራኸን ከምዝስምዓኒ ገይሩኒ። ድሌተይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ከምዝገበርኩ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ክዛነን ምስ ኣዋልድ ክዛረብን ሓጊዙኒ።
ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ብዝተኻእለ መጠን ንነብሰይ ካብ ግብረ ህቡእ ምፍጻምን ፖርኖግራፊ ምርኣይን ኣጊደያ'የ።
እታ ቀዳመይቲ ሰሙን ኵሉ ግዜ እታ ዝኸበደት እያ፤ ኵሉ ነገር ጾታዊ ርክብ እዩ ዘዘኻኽረካ።
ኣብ ቲቪ ወይ ኣብ ናይ ዩትዩብ ቪድዮ እትርእያ ሓንቲ ሰሓቢት ሰበይቲ ስምዒትካ ክለዓዓል ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ሓንቲ ጓል እንተነጺጋትኒ ምእንቲ ጽቡቕ ንኽስምዓኒ ግበረ ሕቡእ ክፍጽም'የ ዝደሊ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተሰዓርኩሉ ግዜ፡ ንገለ መዓልታት ውርደት ይስምዓኒ። ብምፍሻለይ፡ ብድኹምን ስነ-ስርዓተይ ንነብሰይ ይወቕሳ ነይረ። ስሚዒተይ ክሳዕ ዝረጋጋእ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ፡ ድሕሪኡ ግን ከም ብሓድሽ ይጅምር።
ኣብ ቀረባ ዝተሰዓርኩሉ ምኽንያት ብሰንኪ ናይ ስራሕ ጸቕጢ እዩ። ዓቢ ፕሮጀክት ዛዚመን ደኺመን ስለ ዝነበርኩ ገለ ምፍናው ኣድልዩኒ።
ፍቕራዊ ርክብ ኣይነበረንን፡ ኣዕሩኽተይ ወጺኦም ነይሮም፡ ንብሕተይ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ሶፋ ሰልክዩኒ ነይሩ። ናይ ድኽመት ህሞት እዩ ነይሩ።
ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ምቁራጸይ ኣብ ስራሐይ ከድህብ ብሓቂ ሓጊዙኒ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክፍለይ ኣብ ኮምፒተርይ ንሰዓታት በይነይ ከሕልፍ ይኽእል እየ፡ ግብረ ሕቡእ ክገብር ድማ ኣይፍትንን። ብዘይ ኖፋፕ እዚ ክገብሮ ኣይምኸኣልኩን።
ሕጂ'ውን ከም ብሓድሽ'የ ዝጅምር ኣለኹ።
ክብረወሰነይ ረቲዐ ብዘይ ግበረ ሕቡእ ወይ ፖርኖግራፊ ን18 ኣዋርሕ ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማይ?
ንሓዋሩ ግብረ ሕቡእ ምፍጻም ደው ምባል'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







