ልምሰት ጾታዊ ርክብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኸመይ ይፍለጥን ይሕከምን?

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ልምሰት ብዝብል ዝፍለጥ ጾታዊ ምዝንባዕ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምልላዩን ምርዳኡን ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስ ገዛእ ርእሳ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ክንደይ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም እትደልን ከምኡ’ውን ኣብ እትፍጽመሉ እዋን ዕግበት ወይ ቃንዛ እንተተሰሚዕዋን ንገዛእ ርእሳ ክትሓትት የድሊ።
ክኢላታት፡ ካብ ዓሰርተ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ እተን ኣርባዕተ፡ ሓሓሊፈን ወይ ንሓዋሩ፡ ድሌት ጾታዊ ርክብ ዘይምህላው፡ ዘይምዕጋብ ወይ ቃንዛ ከም ዘጋጥመን ይገልጹ።
መብዛሕትአን ግን ስለ ምንታይ እዚ ከም ዘጋጠመን፡ ጠንቁን መፍትሒኡን ድማ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣይፈልጣን’የን።
ጾታዊ ርክብ ብክልተ ኣገደስቲ ምኽንያታት ይፍጸም - "ንምውላድን ንጾታዊ ዕግበትን፡ ክልቲኦም ድማ ዝተኣሳሰሩ እዮም" ትብል ሉቺያ ኣልቨስ ላራ።
ንሳ፡ ክኢላ ስነ-ጾታን ከምኡ’ውን ናይቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ብራዚል ፈደረሽን ማሕበራት ሕክምና ማህጸንን ሕክምና ጥንሲ፡ ሕርስን ድሕሪ ሕርሲን ዝነጥፍ ሃገራዊ ኮሚሽን ፕረዚደንት እያ።
ኣብ ታሪኽ ብዙሓት ተመራመርቲ፡ ኣብ መዳይ ጾታዊ ዕግበት ዝፍጸሙ ተግባራት ኣብ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ ናብ ጾታዊ ምላሽ ከም ዝትርጎም ክርድኡን ክገልጹን ፈቲኖም እዮም።
ብመሰረት እዋናዊ ሳይንሳዊ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ዑደት ጾታዊ ምላሽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስምዒታዊ ቅርበት፡ ጾታዊ ገለልተኛነት፡ ጾታዊ ምልዕዓል፡ ፍኑው (ድንገታዊ) ጾታዊ ባህጊ፡ ተጻየግብርኣዊ (ምላሻዊ) ድሌትን ጾታዊ ምልዕዓልን፡ ከምኡ’ውን ስምዒታውን ኣካላውን ዕግበት የጠቓልል።
ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይፍለጥ?
ትሑት ጾታዊ ባህጊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ እዩ።
ኣብ ጾታዊ ህይወትና ጉድኣት ዘስዕብ ነገር ምፍላጥ ቀሊል ክኸውን ይኽእል፡ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ኣየነይቲ መዓልቲ "ሕማቕ" ከም ዝኾነትን ስለ ምንታይን ንምርዳእ ግን ቀሊል ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዜ፡ መጠን ድግግምን መጠን ጭንቀት ወይ ጸገምን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጾታዊ ምዝንባዕ ንምፍላጥ ኣገደስቲ ምልክታት እዮም። ንክንደይ ሰዓትን ክንደይ ግዜን ይፍጽማ?
ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ምልክታት ክተለልይ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘጋጠማ ጠንቂ ዘይዕግበት ኣብ ኩለን የጋጥም ማለት ከም ዘይኮነ ክትፈልጥ የድሊ።
ገለ ሕክምናታት ነቶም ምልክታት ጸገም ዝፈትሑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ማእከላይ ባእታ ናይቲ ሕክምና ክኸውን ዘለዎ እቶም ጠንቅታት (መንቀሊ እቲ ጸገም) ምልላይን ድሕሪኡ እቲ ምዝንባዕ ብኸመይ ከም ዝፍወስ ምውሳንን እዩ።
ክኢላታት፡ ብሓፈሻ 52 ሚእታዊት ካብቶም እቲ ጸገም ዘጋጠሞም ዝቐርቡ ጥርዓናት፡ እቲ ጠንቂ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ ረቛሒታት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ይገልጹ።
ጾታዊ ምዝንባዕ ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ከጋጥም ይኽእል፤
- ባህጊ (ምዝንባዕ ዘይንቡርን ዘይንጡፍን ጾታዊ ባህጊ (ሃይፖኣክቲቭ))
- ምልዕዓል (ምዝንባዕ ጾታዊ ምልዕዓል ጓል ኣንስተይቲ)
- ዕግበት ወይ ርውየት (ምዝንባዕ ዕግበት ጓል ኣንስተይቲ)
- ቃንዛ (ምዝንባዕ ቃንዛ ጎሎኣዊ ብልዕቲ (ጀኒቶ-ፐልቪክ) ደቂ ኣንስትዮ)
ምዝንባዕ ዘይንቡርን ዘይንጡፍን ጾታዊ ባህጊ - ሃይፖኣክቲቭ ሴክሹዋል ዲዛየር ዲስኦርደር
ጾታዊ ባህጊ ዝህሉ፡ ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም ድሌት ክህልወና ከሎ እዩ። እንተኾነ ግን ምስ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ድሕነት እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ እዩ።
ክልተ ዓይነት ባህጊታት ኣለዉ፡ ድንገታዊን ተጻየግብርኣዊ (ምላሻዊ) ባህጊን እዮም።
ክኢላታት ከም ምዝንባዕ ባህጊ ዝቖጽርዎ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ድንገታዊ ባህጊ እንተዘይሃልይዋ ዘይኮነስ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ተጻየግብርኣዊ (ምላሻዊ) ባህጊ እንተዘይሃልይዋ እዩ። ተጻየግብርኣዊ (ምላሻዊ) ባህጊ ዝጅምር ኣካላዊ ርክብ ወይ ዕላል ስዒቡ ካብ ዝመጽዕ ምልዕዓል ኮይኑ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ምዕራፍ ጾታዊ ገለልትነት ናብቲ ምላሽ ዝህብ ባህጊ ሰጊራ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጸም ክትዳለው ይገብራ።
ሃይፖኣክቲቭ ሴክሹዋል ዲዛየር ዲስኦርደር (HSDD) ምዝንባዕ ዘይንቡር ዘይንጡፍ ጾታዊ ባህጊ ክንብሎ ንኽእል - ወይ ድማ ንቡርን ንጡፍን ዝኾነ ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላው ማለት እዩ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ተገዳስነት ዘይብላ (ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዘይብላ ወይ ትሑት ባህጊ ዘለዋ) እንተኾይናን እዚ ኩነታት ድማ ምንም ዘጨንቓ እንተኾይኑ፡ ዘይንቡርን ዘይንጡፍን ባህጊ ጾታዊ ርክብ ኣለዋ ክትበሃል ትኽእል። ብካልእ ኣዘራርባ ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ ኣጋጢምዋ ኣሎ።
እዚ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ግዜ ዘጋጥሙ ጾታዊ ጸገማት ኮይኑ ንዕድመ ምሉእ ወይ ድማ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ስክፍታ ክኸውን ይኽእል።
ምዝንባዕ ጾታዊ ምልዕዓል ጓል ኣንስተይቲ
መጀመርያ ኣብ መንጎ ጾታዊ ባህጊን ጾታዊ ምልዕዓል ዘሎ ፍልልይ ክንርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ባህጊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ዝህሉ ስምዒታዊ ድሌት ክኸውን ከሎ፡ ምልዕዓል ድማ ኣብ ኣካላት ዝፍጠር ስነ-ኣካላዊ ለውጢ ዘመልክት’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምዝንባዕ ጾታዊ ምልዕዓል ዝተጠቕዐት እንተኾይና፡ ዋላ’ኳ ጾታዊ ርክብ ንክትፍጽም ባህጊ እንተሃለዋ፡ ርክብ ንኽትፍጽም ዘኽእል ኣካላዊ ለውጢ ወይ ኣካላዊ ድልውነት ዘይክህልዋ ይኽእል’ዩ።
ጾታዊ ምልዕዓል ንብሎ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንመነቓቕሒ ጾታዊ ርክብ እትህቦ ኣካላዊ ምላሽ እዩ። እዚ ኣካላዊ ምላሽ እንታይ ይመስል?
ጾታዊ ምልዕዓል ክፍጠር ከሎ ሰራውር ደም ይገፍሑ’ሞ ኣብ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ኣብ ትጥቀመሎም ኣካላታ ለውጢታት ክርኣዩ ይጅምሩ።
ንኣብነት፡ ኣጥባታ ይመልኡ፡ ጫፍ ጡባ ይተርር፡ ህርመት ልብን ምስትንፋሳን ይቕልጥፍ፡ ጎደቦኣን ከንፈር ርሕማን ይሓብጥ፡ ከምኡ’ውን ኣካላ ብዘፍርዮ ፈሳሲ ርሕማ ዝያዳ ይርሕስ።
እዞም ለውጢታት ወይ ምልክታት ክረኣዩ ዝኽእሉ ግን ንጾታዊ ርክብ ምልዕዓል ኣብ ዝተሰምዓ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እዩ።
ምዝንባዕ ጾታዊ ምልዕዓል ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ግን ኣብ ጾታዊ ርክብ ውሑድ ወይ’ውን ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ስለዘይብላ ንጾታዊ ምልዕዓል ኣካላዊ ምላሽ ኣይትህብን። ወይ’ውን እቶም ለውጢታት ኣብ ኣካላ ኣይረኣዩን።
ስለዚ፡ ንርሕማ ክተርሕስን ንጾታዊ ርክብ ክትነቓቓሕን ትጽገም። ብተወሳኺ፡ ንጾታዊ ርክብ ዘለዓዕሉ ነገራት እንተሃለዉ’ውን ውሑድ ወይ ድማ ዋላ ሓንቲ ድሌት ስምዒት ኣይህልዋን።
መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቅታት እዚ ጸገም ክኾኑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኣለዉ።
ጭንቀት፡ ትሑት ርእሰ-ምትእምማን፡ ጸቕጢ፡ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ርክብ ዘይምህላውን ካልኦት ጸገማት ርክብን ኣብ ስነ-ኣእምሮ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ። ገለ ማሕበራዊን ሃይማኖታዊን ረቛሒታት’ውን ክህልዉ ይኽእሉ።
ከም ድኻም፡ ዓቕሚ ምስኣንን ዝበሉ ኣካላዊ ጸገማትን ከም’ውን ብሰንኪ ብትከተ-ጽግያት ኣብ ጎደቦ፡ ከንፈር ርሕሚ፡ ፍሕኛን ካልኦት ኣካላት ብልዕቲን ዝፍጠሩ ለውጢታት ድማ ኣካላዊ ረቛሒታት እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዓስቢ ዘይብሎም ጾታዊ ተመኩሮታት፡ ስንባደ ወይ ግህሰትን ካልኦት ዓይነታት ዓመጽን’ውን ንጾታዊ ምልዕዓል ይጸልዉ እዮም።
ምዝንባዕ ዕግበት ጓል ኣንስተይቲ
መብዛሕትኡ ግዜ ዕግበት ውጽኢቱ ሓያሎ ምውጥዋጥ ናይቲ ብጫፍ መትኒታት ዝመልአ ጾታዊ ኣካል ጓል ኣንስተይቲ እዩ። ጎደቦ ጓል ኣንስተይቲ ልዕሊ 8000 ጫፍ መትኒታት ኣለዎ፡ ካብቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጾታዊ ኣካል ብዕጽፊ ዝዛይድ።
ምዝንባዕ ዕግበት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣኖርጋዝሚያ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋላ ጾታዊ ምልዕዓል ኣብ ዝሃለወሉ ኩነታት ናብ ጠርዚ ጾታዊ ዕግበት ወይ ርውየት ምብጻሕ ዘይምኽኣል ማለት እዩ።
ጾታዊ ምላሽ፡ ኣእምሮን ኣካልን ብዝተሓላለኸ መንገዲ ብሓባር ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘጠቓልል እዩ። ኣእምሮን ኣካልን ብጽቡቕ ኩነታት ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም እታ ጓል ኣንስተይቲ ክትዓግብ ትጽገም።
"ብዛዕባ ጠንቂ ጾታዊ ምዝንባዕ ደቂ ኣንስትዮ ክንሓስብ ከለና፡ ሳይንስ ኣብ ሓደ ምኽንያት፡ ከም ዘይበጽሕ ክንሓስብ ኣለና" ክትብል ክኢላስነ-ኣእምሮን ክኢላ ጾታዊ ርክብ ዝኾነት ፈርናንዳ ቦናቶ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጸቕጢ፡ ጭንቀት፡ ብዛዕባ ጾታዊ ተግባር ኣፍልጦ ዘይምህላው፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝፍጠር ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ሕፍረት፡ ከም ኣብ እዋን ጽግያት ዝፍጠሩ ሆርሞናዊ ጸገማት ወይ ለውጢታት፡ ሕዱር ሕማማት፡ ኣንጻር ድሌት ዝፍጠር ምጭብባጥ ጭዋዳታት ከባቢ ርሕሚ፡ ድርቀት ርሕሚን ዝኣመሰሉን ረቛሒታት ጠንቂ ምዝንባዕ ዕግበት ጓል ኣንስተይቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
ምዝንባዕ ቃንዛ ጎሎኣዊ ብልዕቲ (ጀኒቶ-ፐልቪክ) ደቂ ኣንስትዮ
እዚ ብቐንዱ ዝፍጠር እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ መትሎ ናብ ርሕማ ክኣቱ ከሎ ቃንዛ ምስ ዘጋጥማ እዩ።
ካብ መትሎ ብቐሊሉ ናብ ርሕማ ምእታው ዘይምኽኣል ጀሚሩ ክሳብ ፈጺሙ ምእታው ዘይኽእለሉ ኩነታት ከጋጥማ ከሎ እታ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ጾታዊ ርክብ ከተስተማቕር ኣይትኽእልን።
እዚ ምዝንባዕ ኣብ ሰለስተ ምድብ ይምቀል፡ ዲስፓረዩኒያ፡ ቫጃይኒዝመስን ቩልቮዳይንያን።
ዲስፓረዩኒያ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝስምዓ ቃንዛ እዩ።
ቫጃይኒዝመስ፡ ብዘይፍቓድ ዝጨባበጥ ርሕሚ ኣብ ጾታዊ ርክብን ደስታ ናይ ምርካብ ዓቕምን ምስ ዝዕንቅፍ ዘጋጥም ጸገም’ዩ። ብዘይፍቓድ ዝጨባበጥ ርሕሚ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ ዘይምቾትን ቃንዛን የስዕብ።
ቩልቮዳይንያ፡ ኣብ ከባቢ መእተዊ ርሕሚ ዝፍጠር ሕዱር ቃንዛ ወይ ዘይምቾት ኮይኑ፡ እንተወሓደ ን3 ኣዋርሕ ይጸንሕ። መንቀሊ እዚ ቃንዛ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ረኽሲ ወይ ኩነታት ቆርበት ክኸውን ይኽእል።
ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ከስዕቡ ዝኽእሉ ጠንቂታት
እቲ ብዛዕባ ጾታዊ ርክባት ደቂ ሰባት ዝሰርሕ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ዓውዲ ስነ ጾታ፡ ሕክምና ማህጸን ወይ ስነ-ኣእምሮ ፍልጠት ዘለዎ ክኢላ ስነ ጾታ እዩ።
መርመራ ንምግባር፡ እቲ ክኢላ ኣብ እዋን ምምኽኻር ሕክምናዊ ኩነታትን ታሪኽን ናይታ ጸገም ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ይግምግም፡ ድሕሪኡ መርመራታት ይገብር ወይ ይእዝዝ፡ ወይ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብ ካልኦት ክኢላታት ይመርሕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መከላኸሊ ጥንሲ፡ ጸረ-ጭንቀት፡ ጸረ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ንሕክምና ታይሮይድ ወይ ክብደት ሰብነት ንምንካይ ዝውሰዱ መድሓኒታት፡ ካብቶም ጾታዊ ምዝንባዕ ደቂ ኣንስትዮ ዘስዕቡ ቀንዲ ጠንቂታት ክኾኑ ይኽእሉ።
"እቶም ምስ ዘይንቡርን ዘይንጡፍን ጾታዊ ባህጊን ኣኖርጋዝሚያን ዝተኣሳሰሩን ንሓፈሻዊ ህዝቢ ብሰፊሑ ዝእዘዙ ስነ-ኣእምሮኣዊ ንጥፈታት ዘለዎም መድሃኒታት እዮም። ኣብ ጾታዊ ስራሕ ብዙሕ ጣልቃ ይኣትዉ፡ ከምኡ'ውን ብዙሕ ግዜ ጾታዊ ባህጊ ክንክይ ይገብሩ" ትብል ሉቺያ ኣልቨስ ላራ።
ካልኦት ኩነታት ጥዕና፡ ከም ጭንቀት፡ ጸገማት፡ ልዑል ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን እውን ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
"ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ኮሌስትሮል፡ ሕማማት ታይሮይድ እውን ጽልዋ ኣለዎም" ትብል እታ ኣብ ስነ ጾታ ትነጥፍ ክኢላ ሕክምና ማህጸን።
ካልኦት ተኽእሎታት ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ፋይናንሳዊ ጸገማት፡ ግህሰታዊ ዝምድናታት፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣካላት ብዝግባእ ዘይምፍላጥ፡ ታሪኽ ጾታዊ ዓመጽ፡ ስንባደ፡ ርኡይ ለውጢ ሆርሞናት፡ ጥንሲ፡ ኣልኮላዊ መስተን ካልእ ዕጸፋርስን ምጥቃም ከምኡ’ውን ከም ስድራቤት፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዓፈናን ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ረቛሒታት እዮም።
ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይሕከም?
ንጾታዊ ርክብ ምዝንባዕ ደቂ ኣንስትዮ ዝወሃቡ ዝተፈላለዩ ሕክምናታት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ውጽኢታዊ ኣገባባት ሕክምና ጾታዊ ምዝንባዕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መሰረታዊ ኩነታት ወይ ለውጢ ሆርሞናት ምፍታሕ ይጠልብ።
ስለዚ፡ ውጽኢታዊ መፍትሒ ምርካብ ዝከኣል ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ወይ ሓኪም ብምምኻር እዩ።
እንተኾነ ግን፡ ሓደጋ ምዝንባዕ ጾታዊ ርክብ ንምቕናስ ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ኣለዉ፤
- ሓሽሽን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ብምውጋድ፡
- ሚዛናዊ ኣመጋግባ ምምጋብ፡
- ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታር፡
- ጥዑይ ክብደት ኣካላት ምዕቃብ፡
- ኣብ ስሚዒትክን ጸገም እንተኣጋጢሙክን ወይ ምስ መጻምድትኽን ክትረዳዳእ እንተጸጊምክን ድማ ካብ በዓልሞያ ክንክን ጥዕና ሓገዝ ምሕታት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







