ኣብ ገጽና ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሓሳኹ

ገጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገጽና ንመጽረዪ ወይ ንመመላኽዒ ተባሂሎም ዝፈርዩ ንጥዕና ቈርበት ዝዀኑ ቅብኣት/ኬሚካል መዓልታዊ ንጥቀም ንኸውን።

ግን፡ ብዛዕባ እቲ ምሉእ ዕድመ ህይወቱ ኣብ ውሽጢ ገጽና ዘሕልፍ ዴሞዴክስ ፎሊኵሎርም ዝተባህለ ደቂቕ ሓሰኻ [mite] እንታይ ንፈልጥ?

ምሸት ምሸት፡ 0.3 ሚሊ ሜትር ንውሓት ዘለዎም ፍጥረታት፡ ሓደሽቲ ቀዳዳት ቈርበትና ኣናድዮም ብምውጻእ፡ ምስ መጻምዶም ይራኸቡ።

እንተዀነ፡ እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዲኤንኤኦም እናተጓሕጐሐ ብምምጽኡ፡ ኣብ ጸገም ወዲቘም ከም ዘለውን ሓደጋ ምጥፋእ ከም ዘጋጠሞምን ሓደስቲ መጽናዕታት የመልክቱ።

እንታይ’ዩ ኢልኩም ትሓስቡ ትህልው።

ምናልባት፡ ናብ ሽቓቕ ኬድኩም መሕጸቢታት ገጽ ትጥቀሙ፣ ወይ ንገለ ደቓይቕ ገጽ ለኺኻ ዝጸንሕ ቅብኣት መሳሊ ትጥቀሙ ትህልው።

እንተዀነ ነዞም ወትሩ ኣብ ገጽና ዝርከቡ ደቀቕቲ ሓሳኹ ኣይተረኻኽቡሎምን ኢኹም። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሓጺብካ ከተውጽኦም ዘይትኽእል ክፋል ቈርበትና እዮም ዝነብሩ።

ዘየሰክፈኩም እንተዀይኑ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቂ ሰባት ነዞም ደቀቕቲ ሓሳኹ ሒዝና ከም እንነብር ክንሕብረኩም።

ኣብ ግዜ ምጥባው ዝመሓላለፉ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ማህጸን ወጺእና ውልድ ካብ ዝበልናላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ መነባብሮኦም የማችቻኡ።

ዶክተር ኣልጃንድራ ፔሮቲ ተመራማሪት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪዲን፡ ነዞም ደቀቕቲ ሓሳኹ ምቹእ ቤት ብምሃብናን፡ ምስኦም ጽቡቕ ምሕዝነት ፈጢርናን ክንነብር ብምኽኣልናን “ከነመስግን” ይግባእ ትብል።

“ብጣዕሚ ንኣሽቱን ጽቡቓትን’ዮም። ኣብ ቈርበትና ምህላዎም ከተሓሳስበና የብሉን። ኣብ ገጽና ንዘለው ነዃላት ዘጽርዩን ዘልምጹን ንሳቶም’ዮም” ትብል።

ወሲኻ፡ “ኣይትጨነቑ፡ እዞም ብማይክሮስኮፕ ዝርኣዩ ንኣሽቱ ፍጥረታት ምሳኹም ብምንባሮም ተሓጐሱ፤ ኣይጐድእኹምን” ኢላ ትመክር።

ደቂ ሰባት ምስዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለናን፡ ቍጽሮም ካብ ካልኦት ነፍሳት ኣዝዩ ዝወሓደ ቝጽሪ ጅን ከም ዘለዎን መጽናዕታት የመልክቱ።

ሰብነት እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዝሕሉ ጅን፡ ብሰንኪ ብርሃን ኣልትራቫዮሌት ዝጠፍእ ኰይኑ፡ እዞም ፍጥረታት ምሸት ምሸት ጥራይ’ዮም ዝነቕሑ።

ኣብቲ ለይቲ ዝገብርዎ ንጥፈታት ድማ፡ ከነዕለብጥ ወይ ክንመጣላዕ ይገብረና።

“ምሸት፡ ንሕና ኣብ ህልም ዝበለ ድቃስ እንከለና ንሳቶም ኣብ ገጽና ዘለው ነዃላት ኣናድዮም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙን ይወልዱን” ትብል ዶክተር ፔሮቲ።

ኣብ ገጽና ዘለው ንኣሽቱ ፍጥረታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንተዀነ፡ ናይዞም ሓሳኹ ጀነቲካዊ ብዙሕነት እናወሓደ ብምምጽኡ ኣባና ዘለዎም ጽግዕተኛነት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ፤ እዚ ማለት እዞም ንኣሽቱ ፍጥረታት ሓደጋ ምጥፋእ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ንኣብነት፡ ነዞም ደቀቕቲ ፍጥረት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ፡ ነዞም ሓሳኹ ዘንቅሖምን ዘደቅሶምን ጅን ክረክብ ፈቲኑ፤ ግን ኣይረኸበን።

ኣብ ክንድኡ፡ እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት፡ ንሕና ምስ ደቀስና ኣብ ቈርበትና ዝርከብ ንእሽቶ መጠን ሆርሞናት ኣሊሾም ዝወጽኡ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ንኽነቕሑ ከም ዝገብሮም ምሁራት ይሕብሩ።

በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር፡ ተመራመርቲ እዞም ሓሳኹ ንኸይጸንቱ ሰጊኦም ዘለው።

ንዓና ኣብ ዝለምዱሉ እዋን ጅን ይስእኑ፣ ኣብ መወዳእታ ብህይወት ንኽነብሩ ጽግዕተኛታትና ይዀኑ።

በዚ ምኽንያት ካብ መናፊት ቆርበትና ወጺኦም መጻምዲ ከናድዩ ኣይክእሉን።

ከም ውጽኢት'ዚ እቲ ንኽራብሑ ዘኽእሎም እንቋቝሖ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዝእከብ ይኸውን።

ስለዚ፡ እዞም ፍጥረታት እንተጠፊኦም እንታይ’ዩ እቲ ጸገም? ትብሉ ትዀኑ።

እዞም ሓሳኹ፡ “ምስ ጥዑይ ቈርበት ዝተተሓሓዙ’ዮም። ስለዚ እንተጠፊኦም ቈርበት ገጽና ጸገማት ከጋጥሞ’ዩ፡” ትብል ዶክተር ፔሮቲ።