ህቡብነትን ሕብሪ ቆርበትን፡ ብዓይኒ ፀለምቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሪሃና፤ ቢዮንሴ፤ ካርዲ ቢ፤ ሰቴፍሎን ዶን፤ ማያ ጃማ፤ ማቤልን ኣዶኣ ኣቦኣህ።
እዘን ገለ ካብተን ዓውዲ መዛነይ 2018 ዝተቖፃፀራ ከየንቲ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግና እዚ ዓወተን፡ ክንደየናይ ምስ ሕብሪ ቆርበተን ዝተተሓሓዘ እዩ?
ውሑዳት ግና፡ ወይኖ ሕብሪ ዘለወን ፡ ፀለምቲ ደቀ ኣንስትዯ፤ ዕውትነተን ይውስኽ ከም ዘሎ ይዛረቡ። ፀዓዱ ድማ ነዚ ዓይነት ኣፈላላይ 'ከለሪዝም' እዮም ዝብልዎ።
"ከለሪዝም" ፀሊም ሕብሪ ቆርበት ኣብ ዘለዎም ሰባት ግጉይ ኣመለኻኽታ ምህላው ወይ ድማ፡ ቀይሕ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ሰባት ዝሐሹ ከምዝኾኑ ምሕሳብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, @sjp_p @kevstakespics
ላዮነስ ዝተብሃለት ድምፃዊት፡ ንሸውዓተ ዓመታት ሙዚቃ ኣቋሪፃ ነይራ። ዘቋረፀትሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበታ ከምዝኾነ እያ ትዛረብ።
''ኤ ኤንድ ኣር'' ዓበይቲ (ሰገናት) ንሙዚቃ ዝምልምሉ ሰባት፡ ሕብሪ ቆርበትኪ፡ ቁሩብ ብርህ እንተዝብል ነይሩ፡ ተፈታዊት ምዃን ምኸኣልኪ ኢሎምኒ ትብል።
" ኣብቲ እዋን ገና ንእሽተይ ቆልዓ ስለዝነበርኩ፡ ብሕብሪ ቆርበተይ ይሓፍር ነይረ ትብል ላዮነስ፡ ኣመና እትፈትዎ ሙዚቃ ክትገድፎ ከምዝተገደደት ትዛረብ።
ዳግማይ ፀሊም ሕብሪ ዘለወን ምግላል ዝተጀመረ፡ ኢንግሊዛዊት ኣዳላዊት ራድዮን ቴሌቬዥንን ማያ ጃማ፡ ኣብ 2012 ኣብ ትዊተራ፡ ፀሊም ሕብሪ ቆርበት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝትንክፍ ቀልዲ ድሕሪ ምፅሓፋ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ግና፡ እዛ ኣቕራቢት ስምይቲ ክትኸውን ዝኸኣለት፡ ብምኸንያት ዘለዋ ሕብሪ ቆርበት ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
ኣቦ እታ ህብብቲ ድምፃዊት ቢዮንሴ ዝኾኑ ማቲው ኖውልስ ከምዝገልፅዎ፡ ዕውታት ካብ ሞንጎ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ መብዛሕትአን እተን ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ዘለወን እየን።
ጓሎም ቢዮንሴ ኖውልስ፡ ብጣዕሚ ዕውትቲ ክትኸውን ዝኸኣለት፡ ቅይሕ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ስለዘለዋ ከምዝኾነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ዘርፊ ሙዚቃ ፖፕ ፀሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ዕዉት ድምፃዊ ከምዘይረኣያ ይዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017፡ ኣብ ኢንግሊዝ ተፈተውቲ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 40 ደርፍታት፡ መብዛሕትኦም፡ ናይ ፀሊም ዘርኢን ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለወንን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬሊ ሌይ ከምትገልፆ፡ ኣብ ኢንግሊዝ ፀሊም ሕብሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ንክፅንበራ ከቢድ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብሕብሪ ቆርበቱ እንተይኮነስ ብመንነቱ ጥራሕ እዩ ክልካዕ ዘለዎ ድማ ትብል።
ኣብ ስሙይ ጋዜጣ ፕራይድ ኣርታዒት ዝኾነት ኒኮል ቫሴል፡ ኣብ ዘርፊ መዛነይ ኣፍልጦ ይረኽባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕብሪ ቆርበተን ብርህ ዝበለሉ ምኽንያት ኣለዎ ትብል።
ዕውትነት ሪሃናን ቢዮንሴን ዋላ እኳ ምስ ክእለተን ዝተሓሓዝ እንተኾነ፡ ብርህ ዝበለ ገፀን እውን ግና ውሑድ ዘይበሃል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ትብል።
ዘፈር ሙዚቃ ጥራሕ ኣይኮነን ኢንዱስትሪ ፊልሚ እውን ሕብሪ ቆርበት መሰረት ዝገበር እዩ ትብል።
ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብዙሕ ተመልካቲ ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ ፊልሚታት፡ እተን ውሑዳት ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ዘለወን ከም በዓል ዞዊ ሳልዳና፣ ሄሌ ቤሪን ኤሊስ ኒልን ዝበላ ተዋሳእቲ ዝተሳተፋሉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኬንያዊት ተዋሳኢት ስታር ዋርስ፡ ሉፒታ ንዮንግ፡ ፀሊም ሕብሪ ስለዘለዋ፡ ብዙሕ ምግላልን ኣድልዎን ከምዝበፅሓ እያ ትዛረብ።
በብመዓልቱ ድማ፡ "እንታይ ኣለዎ፡ ወይኖ ሕብሪ ቆርበት እኳ እንተሃብካኒ ኢለ እፅልይ ነይረ" ትብል።
ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ግና፡ ኣብ ዘርፊ መዛነይ፡ ውሑድ ብዘይበሃል መልክዑ፡ ዝተፈላለዩ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ሰባት ይሳተፉ ከምዘለዉ ይግለፅ።
ማሕበረሰብ ዓለም ዘዘራረበን፡ ካብ ሰባት ዝተፈለየ ሓይሊ ኣብ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ተደሪኹ ኣብ ዝተሰርሐን ፊልሚ 'ብላክ ፓንተር' ትዋሳእ ሉፒታ፡ ተምሳሌት ፀሊም ሕብሪ ናይ ዘለዎም ተዋሳእቲ እያ።
ናይ ሓደ ፊልሚ ኣዳላዊ ትካል ሓላፊት ዝኾነት ጆርዳን ሚቸል ግና፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ዝተርፉ ነገራት ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







