ጥዑም ወይ ሕማቕ ሽታ ሰብነት ዝፈጥሩ መግቢታት

ትሽቱሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ስጋ ካልእ ተሪፉ ጾም እውን ንጨና ኣካላትና ይጸልዎ፤ረሃጽ ሰብነትና ይቕይሩ።

ኵላትና ናይ ገዛእ ርእስና ፍሉይ ጨና ኣካላት ኣሎና - ልክዕ ከም ኣሰር ኣጻብዕትና።

ከምቲ ዝተፈላለየ መንነትና ንስምዒትናን ጥዕናናን ዝጸልዎ፡ ኣብ ጨናና'ውን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊን ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ስነልቦና ክሬግ ሮበርትስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ጨና ኣካላትና ብጂንና፡ ሆርሞናት፡ ኵነታት ጥዕናናን ጽሬትናን ከም ዝውሰን ተረጋጊጹ ኣሎ ይብል።

መብዛሕትኦም እዞም ረቛሒታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እዮም፤ ኵሎም ግን ኣይኰኑን።

እቲ እንበልዖ መግቢ እውን ኣብ ጨና ኣካላትና ልዑል ጽልዋ ኣለዎ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ንጨና ኣካላትና ይጸልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሰባት ዝያዳ ክንስሕብ እውን ይሕግዘና።

ትንፋስን ረሃጽን

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቢንግሃምተን ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ድሕነትን ጥዕናን ሊና በግዳች፡ እቲ እንበልዖ መግቢ ንጨና ኣካላትና ክጸልዎ ዘኽእሉ ክልተ መገድታት ከምዘለው ትዛረብ። እዚኦም ድማ መዓንጣናን ቆርበትናን እዮም።

እቲ ቀዳማይ መዓንጣና ኰይኑ፡ መዓንጣና መግቢ ኣብ ዘሕቅቐሉ እዋን መግቢ ናብ ጸዓት (ሜታቦሊዝም) ክቕየር ከሎ ባክተርያታት እውን ንጡፋት እዮም ዝዀኑ።

ስለዚ ኣብ መግቢና ዝርከቡ ኬሚካላት ምስቲ ባክተርያ ምስ ዝራኸቡ ካብ ኣካላትና ጋዝን ንጥረ ነገራትን ይልቀቝ። እዚ ድማ ከከም ዓይነት እንበልዖ መግቢ ሕማቕ ጨና ወይ 'ሃሊቶሲስ' ከስዕብ ይኽእል።

መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ሓደ ሲሶ ዓበይቲ ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ነዚ ጸገም ዝተቓልዑ እዮም።

እቲ ካልኣይ ድማ ቆርበትና እዩ። ካብ መግቢ እንረኽቦ መኣዛታት ናብ ደምን ካልኦት መትኒታትን ይጓዓዝ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ገለ ካብኣቶም ናብ ቆርበትና ብምእታው ምስ ኣብ ቆርበትና ዘለዉ ባክተርያ ብምትሕብባር ጨና ይፈጥሩ።

ረሃጽ ብነብሱ ጨና የብሉን። ረሃጽና ሽታ ክህልዎ ዝገብሩ እቶም ብረሃጽ ኣቢሎም ካብ ቆርበትና ዝወጽኡ ባክተርያታት እዮም።

ዓይነት መግቢታት ዝተፈላለዩ ከሚካላዊ ውህደታት ዝሓዙ ብምዃኖም ዝተፈላለየ ደረጃ ጨና ከስዕቡ ይኽእሉ።

ሕማቕ ሽታ ዘስዕቡ መግቢታት ሓደ ዘመሳስሎም ነገር ኣለዎም፣ ንሱ ድማ ሳልፈር እዩ።

ገለ መጽናዕትታት ግን እዞም ጨና ዝፈጥሩ ውህደታት ብሓቂ ዝያዳ ሰሓብቲ ክንከውን ዝገብር ዘይንጽበዮ ውጽኢት ክህልዎም ከም ዝኽእል ይሕብሩ።

ፍሩታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍረታትን ኣሕምልትን

ከም ብሮኮሊ፡ ካውሎን ካውሎ ፍዮሪን ዝኣመሰሉ ከም ንጥዕና ኣገደስቲ መግቢታት ይቝጸሩ፣ እንተዀነ ብውሁዳት ሳልፈር ዝተመልኡ እዮም።

እዞም ውሁዳት ናብ ደም ኣትዮም ምስ ባክተርያ ቆርበት ምስ ዝራኸቡ፡ ረሃጽ ሰብነትና ናብ ብርቱዕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ክቕየር ከምዝገብሩ ክኢላ ኣመጋግባ ኬሪ ቢሰን ትዛረብ።

ከም ሽጉርትን ጻዕዳ ሽጉርትን ዝኣመሰሉ መግቢታት እውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንሽታ ረሃጽናን ትንፋስናን ይጸልዉ።

እቲ ዝገርም ግን ጻዕዳ ሽጉርቲ ንጨና ትንፋስ ሰባት ክቕይር ይኽእል'ዩ። እንተዀነ ነቲ ካብ መንኮራኹዕቲ (ትሽቱሽ) ንዝወጽእ ረሃጽ'ውን ዝያዳ ሰሓቢ ክገብሮ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ተመራመርቲ ኣብ መጽናዕቶም፡ ን42 ደቂ ተባዕትዮ ንገሊኦም ውሑድ መጠን ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ መመላእታ ጻዕዳ ሽጉርቲ (ሳፕልመንት - ብመልክዕ መመላእታ መግቢ ካብ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝተዳለወ)፡ ከምኡ'ውን ገሊኦም ብዙሕ ጻዕዳ ሽጉርቲ ክበልዑ ገይሮም።

ድሕሪኡ ን12 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቅልጽሞም (ትሽትሾም) ጨርቂ ክሽፍንዎ ብምግባር፡ ነቲ ቅምሶ ድሕሪ 12 ሰዓታት ኣኪቦምዎ።

ድሕሪኡ፡ 82 ደቀንስትዮ ነቲ ኣብ ትሕቲ ትሽቱሽ ዝነበረ ጨርቂ ክሽትትኦን እቲ ጨና ክሳብ ክንደይ ደስ ዘብል፡ ሰሓቢ፡ ተባዕታውን ሓያልን ምዃኑ ደረጃ ክህባ ተሓቲተን።

በዚ መሰረት እቶም ውሑድ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝበልዑ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ምላሽ ክረኽቡ እንከለዉ፣ እቶም ብብዝሒ ዝበልዑ ሰሓብቲ፡ እቶም ነቲ ሽጉርቲ ዝትክእ መመላእታ ዝወሰዱ ድማ ዝያዳ ሰሓብቲ ከምዝዀኑ ካብ ርእይቶ እተን ደቀንስትዮ ተረጋጊጹ።

መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ሓደ ዝኾነ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ ዝርከብ ቻርለስ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ፊዚዮሎጂ፡ ተመራማሪ ደቂ ሰባትን ኬሚካላዊ ምትእስሳርን ዝዀነ ያን ሃቭሊቸክ፡ በቲ ውጽኢት ኣዝዩ ከምዝተገረመን፡ ነቲ መጽናዕቲ ሰለስተ ግዜ ከምዝደገምዎን ገሊጹ።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ጸረ-መርዛም ባእታታትን ጸረ-ባክተርያን ባህርያት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንጥዕና ሰባት ከም ዘመሓይሽ ይሕሰብ፤ እዚ'ዩ ድማ ናይቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ደቂ ተባዕትዮ ሽታ ነተን ደቀንስትዮ ኣዝዩ ዝሰሓበን።

ካልኦት ኣሕምልቲ እውን ኣብ ሽታ ኣካላትና ኣዝዩ ዝተፈላለየ ጽልዋ ኣለዎም።

ኣስፓራጉስ (ሻሞት) ዝበሃል ተኽሊ 'ኣስፓራጂን' ዝተበሃለ ኣሲሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ፡ ምስ ኣካላትና ምስ ተሓዋወሰ ውህድ ሳልፈር ይለቅቕ።

እዞም ውህዳት ከኣ፡ 'ሜታንቲዮልን ዳይሜቲል ሳልፋይድን' ዝበሃሉ ንጥረነገራት ስለዘለዎም ረሃጽናን ሽንቲናን ብውሱን ደረጃ ክሸትት ይገበሩ።

ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ፍረታትን ኣሕምልትን ብዝያዳ ምብላዕ ዝሓሸ ሽታ ክህልወና ይሕግዝ እዩ።

ኣብ 2017 ኣብ ኣውስትራልያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ብብዝሒ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝበልዑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዝያዳ ምስ ፍረታት፡ ዕምባባታትን ምቁር ጨናታትን ዝመሳሰል ሽታ ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ድማ ዝነኣሰ ስሕበት ዘለዎ ሽታ ክህልወና ይገብሩ።

ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስጋን ዓሳን

ስጋን ዓሳን ዝተፈለየ ሽታ ኣካላት ከስዕቡ ይኽእሉ። ፕሮቲን እንስሳታት ምስተሰባበረ ናብ ኣሚኖ ኣሲድን ስብሕን ተቐይሩ ምስ ኣብ ቆርበትና ዘለዉ ባክተርያታት ክወሃድ ከሎ ፍሉይ ጨና ይፈጥር።

ንኣብነት ዓሳን ጥረታትን 'ትራይሜቲላሚን' ዝበሃል ኣዝዩ ሓያል ጨና ዝፈጥር ውህደት ዝመልኡ ብምዃኖም፡ ሽታ ኣካላት የስዕቡ።

ኣብ 2006 ኣብ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝተገብረ ካልእ መጽናዕቲ፡ ስጋ ንደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ሰሓብቲ ይገብሮም ድዩ ኣይገብሮን ዝብል ዳህሲሱ።

እቶም ተመራመርቲ፡ 30 ደቂ ተባዕትዮ ንኽልተ ሰሙን ስጋን ዘይስጋን መግብታት ክበልዑ ብምግባር፡ ደቀንስትዮ ንሽታ ኣካላቶም ደረጃ ክህባ ሓቲቶም።

በዚ መሰረት እቶም ስጋ ዘይበልዑ ሰባት ማእከላይ ደረጃ ሰሓብቲ፡ ኣዝዮም ጽቡቓትን ሽታኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይኮኑን ተባሂሎም ደረጃ ተዋሂብዎም።

"እቲ ዝገርም፡ እቶም በላዕቲ ስጋ ካብቶም ስጋ ዘይበልዑ ቅሩብ ዝኸፍአ ሽታ ነይርዎም" ይብል ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ።

ብሮኮሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣልኮላዊ መስተን ቡንን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሕን ብስሩዕን ምስ ዝውሰድ፡ እቶም ረሃጽ ዘፍርዩ ጽክታት ሕማቕ ሽታ ክፍጠር ይገብሩ።

ኣካላትና ነቶም ኣብ ኣልኮል ዝርከቡ ንጥረ ነገራት ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብዲ ክሰባብሮም ከሎ፡ 'ኣሴታልደሃይድ' ዝበሃል መርዛምን ተለዋዋጥን ንጥረ ነገር ይፍጠር። እዚ ከኣ ከቢድን ብቐሊሉ ዝልለን ሽታ የመንጩ።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ተለዋዋጢን ውህደት ይለቅቕ፤ እዚ ድማ ሓያልን ብቐሊሉ ዝፍለጥን ጨና ይፈጥር።

ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሰብነትና እኹል ፈሳሲ ከይህሉን ንመጠን ምራቕና ብምንካይን ብዙሓት ባክተሪያታት ኣብ ኣፍና ንኽጸንሑ ብምግባር ሕማቕ ሽታ ኣፍ የስዕብ። እዚ ድማ ናብ ሕማቕ ጨና ከስዕበልና ይኽእል።

ካልእ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መዓልታዊ ኣልኮላዊ መስተ ካብ መንጎ ዝሰትዩ 235 ሰባት መብዛሕትኦም ብሕማቕ ሽታ ይጽገሙ። ብተወሳኺ ኣብ ትንፋሶም ዝለዓለ መጠን እቲ ተቐያያሪ ዝኾነ ውህደ ሳልፈር ነይርዎም።

ካልኦት ምስ ጨና ኣካላት ዝተኣሳሰሩ መስተታት ድማ ቡንን ሻሂን እዮም።

ካፈይን ዝተባህለ ኣብ ቡንን ሻሂን ዝርከብ ንጥረ ነገር፡ ነቶም ረሃጽ ዘፍርዩ ጽክታት ኣፖክሪን የነቓቕሕ።

በዚ ምኽንያት መጠን ዝፍጠር ረሃጽ ዝውስኽ ኰይኑ፡ ባክተርያታት ንኽዓብዩ ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር። እዚ ድማ ሓያል ሽታ ኣካላት ከስዕብ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ሓደ መጽናዕቲ'ውን ኣሰራት ካፈይን ኣብ ረሃጽ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ካፈይን ንባዕሉ ንሽታ ኣካላትና ከም ዝጸልዎ ዝሕብር መርትዖ ግን የለን።

ሽታ ኣካላት ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ዝገብሩና ረቛሒታት እዩ።

ጾም፡ ረሃጽና ዝሓሸ ሽታ ክህልዎ ከም ዘኽእል መጽናዕትታት ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣብ 2018 ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ጾም ንትንፋስ ሰባት ከበላሹ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።