ኤርትራ፡ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓት ጉምሩክን ንግዲን ኣተኣታትያ

ምንጪ ስእሊ, UNDP
ኤርትራ፡ ናብ ምቅልጣፍ ቍጠባዊ ዘመናዊነትን ስርዓተ ንግዲ ንምምችቻእን ብዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ሓድሽ ዝተራቐቐ ዲጂታዊ ስርዓተ ምሕደራ ጉምሩክ ከም ዝመረቐት፡ ፕሮግራም ልምዓት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት [UNDP] ብሓሙስ 8 ጥሪ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑ።
ብደገፍ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራትን ዓለማለኻውያን መሻርኽትን ከም ዝማዕበለ ዝተገልጸ እዚ ስትራተጅያዊ ተበግሶ፡ ነቲ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣሰራርሓን ሶፍትዌርን ምሉእ ብምሉእ ናብ ዘመናውን ተዓጻጻፍን ዲጂታዊ መድረኽ ዝትክእ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ብ 'ኣስኩዳ' - ASYCUDA World ዝፍለጥ ሓድሽ ስርዓት ብዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንንግድን ልምዓትን [UNCTAD] ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ ስራሕ ዝኣተወ እዩ።
እዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ፡ ስርዓተ ኣስኩዳ 'ASYCUDA' (Automated System for Customs Data) ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ፡ ሃገራት ስርዓተ ጉምሩክ ንኸመሓይሻን ዘመናዊ ንኽገብራን ዝሕግዝ እዩ።
በዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ወረቐት ዝተመርኮሰ ኣሰራርሓ ተኪኡ፡ በዓል መዚ ጉምሩክ፡ ሰደድን መተሓላለፊን ብዲጂታዊ ኣገባብ ከሰላስል የኽእሎ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ንስርዓት ቀረጽን ግብሪን እታ ሃገር የስልጥ፣ ስታቲስቲክስ ንግዲ የመሓይሽ፣ ኣብ ዶባት፡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ምጽራይ ጽዕነት የቀላጥፍ፡ ከምኡ'ውን ምድንጓያትን ብልሽውናን ንምንካይ፡ ኣታዊ መንግስቲ ንምዕባይ፡ ግሉጽነት ከምኡ ድማ ብቕዓት ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምምሕያሽ ክሕግዝ ተስፋ ተነቢሩሉ ከም ዘሎ ይግለጽ።
እዚ ኰይኑ ድማ በቲ ፕሮጀክት መሰረት፡ ናይዚ ዲጂታዊ ስርዓት ምንጪ ኮድ ምሉእ ብምሉእ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕልላፍ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ድማ ሃገራዊ ዋንነት ዘረጋግጽን ክኢላታት እታ ሃገር ነቲ ሶፍትዌር ምስ ፍሉይን ዝምዕብልን ጠለባት ኤርትራ ኣሳንዮም ክሰርሑሉ ዘኽእል ምዃኑ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
በዚ መስርሕ መሰረት፡ ኣባላት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ [IT] ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ መድረኽ ምስ ፍሉይ ጠለባት ንግዳዊ ኵነታትን ከምዝሳነ ገይሮም ከምዘማዕበልዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ንዓሰርተታት ዓመታት ዓንዲ ሕቖ ስርሓት ጉምሩክ ኰይኑ ዝጸንሐ ስርዓት፡ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ድሩትነት ቴክኖሎጂ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓበሬታ ዩኤንዲፒ፡ ኣብዚ እዋን ብኣስኩዳ ዎርልድ ምትክኡ ኵለመዳያዊ ቴክኖሎጂያዊ ለውጢ ዘመላኽት ምዃኑ ኣቐሚጡ።
እዚ ድማ ኣገዳሲ እምነ ኵርናዕ ናይቲ ስርሓት ጉምሩክ ንምምሕያሽ፡ እቶት ምዕባይን ብቕዓት ንግዲ ምምሕያሽን ዝብል ዝሰፍሐ ፊስካላውን ቍጠባውን ጽገናዊ መደባት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ፡ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንዲፒ ይገልጽ።
ኣብ ዲጂታዊ ለውጢ ኤርትራ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ዝዓበየን ርኡይን ብድሆ ዘተኣማን መርበብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይምህላዉ እዩ።
እዚ ስለዝዀነ ድማ፡ እዚ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ብዝዀነ ስርዓት [ኢንትራነት] ዝሰርሕ ፕሮጀክት ኣስኩዳ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ኢንተርነት ዓቢይ ፍታሕ ምዃኑ ይግለጽ።
በዚ መሰረት ድማ ኵለን ነቝጣታት ጉምሩክ ብውሑስ ውሽጣዊ መርበብ [ኔትወርክ] ዝተኣሳሰራ ኰይነን፡ ኣብ ኢንተርነት ከይተመርኮስካ ስሉጥ ምልውዋጥን መስርሕን ዳታ የኽእል።
ንኣገዳስነት ናይዚ ስርዓት ኣመልኪቱ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጉምሩክ ኤርትራ፡ "እዚ ዓለምለኻዊ ደረጃታት ዝሓለወ ስርዓተ ምእካብ እቶት ጉምሩክ፡ ግዜ ንምቝጣብ፡ ናይ ወረቐት ስራሕ ንምንካይ ዝሕግዝን፡ ኣሰራርሓ እቲ ትካል ክብ ንምባል ሓጋዚ ስጕምቲ እዩ፡" ኢሉ።
እዚ ምስ ኵነታት ናይታ ሃገርን ድሩትነት ኢንተርነትን ብዝሰማማዕ ተኣታትዩ ዘሎ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ወፍሪ ንምስሓብን ዘላቒ ልምዓት ንምዕባይን ብሓፈሻ ኣብዚ መዳይ ንኤርትራ ኣገዳሲ ረብሓታት ከምጽኣላ ትጽቢት ይግበር።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







