ታሪክ፡ ሚስጢር ደቂሰባት ዘቃልዐ ቅድሚ 6 ሽሕ ዓመት ዝተሓየኸ ማስቲካ

ምንጪ ስእሊ, Tom Björklund
ቅድሚ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት፡ ኣብቲ ዘመነ እምኒ እናተባህለ ዝፍለጥ እዋን፡ ኣብ ስካንድኒቭያን፡ ሓንቲ ከደራይ ሕብሪ ቆርበት፣ ጸሊም ዳማ ጸጉርን ሰማያዊ ሕብሪ ዓይንን ዝነበራ ሰበይቲ ትነብር ነይራ።
ነዛ ሰበይቲ፡ ተመራመርቲ 'ሎላ' ዝብል ሳጓ ሂቦምዋ ኣለዉ። ሎላ፡ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ እትርእይዎ መልክዕ ከምዝነበራ እዩ ዝእመን።
እዚ ዝተፈልጠ ድማ "ሓይኻ ኣብ ዝደርበየቶ ማስቲካ" ብዝተገበረ መርመራ ቅምሶ [ዲኤንኤ] እዩ። እቲ 'ማስቲካ' ብልክዕ ክግለጽ እንተደኣኾይኑ፡ ክሕየኽ ዝኽእል ካብ ገረብ ዝነትዐ ፈሳሲ ዓይነት እዩ።
ተመራመርቲ ካብዚ ብስና ዝተሓይከ 'ማስቲካ' ቅምሶ ብምውሳድ እዮም መርመራ ኣካይዶም።
ድሕሪ እዚ፤ መን ነይራ? ዝብል ታሪካዊ ድሕረ ባይትኣ ክትንትኑ ክኢሎም።
ቅድም ኢሉ ብዛዕባ ጥንታዊ ሰብ ንምፍላጥ ካብ ዓጽሚ ብዝውሰድ መረዳእታ'ዩ እቲ መርመራ ዝካየድ ዝነበረ። ነዚ ድማ እዩ፡ እቲ ናይ 'ሎላ' ፍልይ ዝበለ ክኸውን ክኢሉ።
ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ዶክተር ሐንስ ሽሮይደር፡ "ሙሉእ ጥንታዊ ሕነተ ሰረት ካብ ዓጽሚ ወጻኢ ምርካብ ኣዝዩ'ዩ ዝገርም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Theis Jensen
እቶም ተመራመርቲ፡ ናይዛ ጥንታዊት ጓል ኣንስተይቲ ሕነተ ሰረት ብምጥቃም እንታይ ትመስል ነይራ ዝብል ምጽራይ ገይሮም'ዮም።
መልክዓ ኣብቲ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ከምኡ'ውን ማእኸላይ ስካንድኒቭያን ምስ ዝነበሩ ሃደንትን ኣረይቲ ፍረታትን ይመሳሰል።
ናይዛ ሰብ ዲኤንኤ፡ ኣብ ጸሊም ዘጣብቕ ዓይነት ፈሳሲ እዩ ተረኺቡ። እቲ ፈሳሲ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መሳርሕታት እምኒ ንምልጋብ ዘገልግል ዝነበረ እዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ቅጥራን ዝመስል ነገር፡ ምልክት ስኒ ምርካቡ፡ ተሓይኹ ምንባሩ እዩ ዘመላኽት። ንምንታይ እዩ ተሓይኹ ዝብል ድማ ተመራመርቲ ክልተ ምኽንያታት ኣቐሚጦም።
ሓደ፡ እቲ 'ቅጥራን መሳሊ ነገር' ናይ ምጥባቕ ተኽእሎኡ መታን ክዓቢ ተሓይኹ ክኸውን ይኽእል ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ሕማም ስኒ ወይ ካልእ ሕማም ንምዕጋስ ብዝብል ከይተሓይከ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ተዋሂቡ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







