ኤምባሲ ቫቲካን፡ ኣዕፅምቲ ሰብ ኣብ ጣልያን ሮም ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርእሰ ከተማ ጣልያን ሮም ዘሎ ኢምባሲ ቫቲካን ዝተረኸበ ኣዕፅምቲ ሰብ፡ ነቲ ን35 ዓመታት ዝተቐበረ ምስጢር ክፈትሕ ተስፋ ተገይሩሉ።
እቶም ዝተሰባበሩ ኣዕፅምቲ፡ ኣብ ኤምባሲ ቫቲካን ይካየድ ኣብ ዘሎ ህንፀት ከም ዝተረኸቡ ተሓቢሩ።
ካብ ቫቲካን ዝተውሃበ መግለፂ ከም ዘመልክቶ፡ ናይቲ ቅሪት ኣካል ፆታ፣ ዕድመ ከምኡ'ውን መዓልቲ ሞት ንምፍላጥ ኪኢላታት እናሰርሑ እዮም።
እቲ ኣዕፅምቲ ናይታ ኣብ 1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ደሃያ ዝተስኣነ ኣብ 10ታት ዕድመ ዝነበረት ንእስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል መራኸቢ ሓፋሽ ጣልያን ግምት ሂቡ'ሎ።
ምጥፋእ ደሃይ ናይታ ሽዑ ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ኢማኑኤላ ኦርላንዲ፡ ምስ ዝተወደበ ገበን ወይ ድማ ነቲ ብ1981 ንጳጳስ ጆን ፓወል ካልኣይ ንምቕታል ፈቲኑ ዝተኣሰረ ቱርካዊ መህመት ዓሊ ኣግካ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ንምግባር ዝካየድ ዝነበረ ፀቕጢ ክተሓሓዝ ፀኒሑ እዩ።
ሓዋ ንኦርላንዲ፡ ፒየትሮ ኣብ ልዕሊ ሓፍቱ ዝተፈፀመ ሓቂ ንምፍላጥ ንዓመታት ዝፀንሐ ወፍሪ ከካይድ ፀኒሑ። ቫቲካን ኣብቲ ጉዳይ ስቕታ ብምምራፃ'ውን ክወቅሳ ፀኒሑ።
ይኹን ደኣ'ምበር እቶም ኣዕፅምቲ ናይቲ ካብ ኦርላንዲ 40 መዓልታት ኣቐዲሙ ዝጠፍአ ሚረላ ግረጎሪ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝሕብሩ ዜናታት እውን እናተቓልሑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድምፂ ደወል ማዕፆ ገዛ እንዳወለዳ ተሰሚዑ፤ ሽዑ ኦርላንዲ ነቲ ማዕፆ ከፊታቶ። መማህርታ ከም ዝኾነን ኣዘራሪባቶ ከም እትምለስን ንወለዳ ነጊራቶም ምስወፀት ኣይተመለሰትን።
መርመርቲ ገበን፡ እቲ ኩነታት ርክብ ክህልዎ ከም ዝኽእል እናገለፁ እዮም።
ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ፡ እቲ ኣዕፅምቲ ከም ዝተረኸበ ዝኣመነት ቫቲካን ምርመራ ክካየድ ከም ዝጀመረ ሓቢራ።
ኣብ ጉዳይ ኦርላንዲ ብዝምልከት፡ ንፖሊስ ዘድልይ ምትሕብባር ክትገብር ከምዝፀንሐት'ውን ኣብ መግለፂኣ ኣዘኻኺራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







