ሕቶ ካሕሳን ይቕረታን ኢትዮጵያውያን ናብ ሰብ ቫቲካን

በቲ ናይ ሽዑ ኣፀዋውዓ ካብ ቤተመንግስቲ ገነተ-ልኡል፣ ሎሚ ድማ ዩኒቨርሲቲ አዲስ አበባ ትሕት ኢሉ ኢትዮጵያ ንመዋእላ ዘይትርስዖ መዓልቲ ጥፍኣት ዝዝክር 28 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓውልቲ ኣሎ።

ኢትዮጵያዊያን 12 ለካቲት በብዓመቱ ኣብዚ ስፍራ ይእከቡ፡፡ ሃርበኛታት ወለዲ ንግራዝያኒ የውግዙ፣ ንሓሙሽተ ዓመት ምስ ወራሪ ጣልያን ገጢሞም ናፅነት ናይ ዘምፅኡ ጀጋኑ ኣሽማት እናፀውዑ ብፈኸራ የወድሱ። ገለገሊኦም ድማ ናይዚ ኹሉ በደል ፈፃሚት ዝኾነት ሃገር መኣዝ ኮን እያ ይቕረታ እትሓትት? ኣብዚ ግፍዒ ኢዶም ዝሓወሱ ኣካላት ከ መኣዝ እዮም ካሕሳ ንምሃብ ኢዶም ክዝርግሑ? ክብሉ ፀኒሖም እዮም።

መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት ለካቲት 12

ምንጪ ስእሊ, KALKIDAN YIBELTAL

መግለጺ ስእሊ, መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት ለካቲት 12

ልእኽቲ ካሕሳን ይቕረታን ናብ ሰብ ቫቲካን

29 ለካቲት -2002 ዓ.ም፤ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ "ዓለምለኻዊ ሕብረት ንፍትሒ - ጉዳይ ኢትዮጵያውያን" ዝበሃል ትካል ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ምትሕብባር ዝሓትት ምትእኽኻብ ክታም ዕላዊ ገይሩ።

"ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ 1935-41 ፋሺስት ኢጣሊያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ኣብ ዝፈፀመቶ መስካሕክሒ ግፍዒ መንግስቲ ቫቲካን ሕብረት ስለዝነበሮ፤ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕረታ ክሓትት ፅዕንቶ ክግበረሉ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ ዓለም ንዘለዉ መንግስታት ኩሎም፣ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ንሕብረት ኣፍሪቃ…. ከምኡ ድማ ኻልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ንሓቂ ዝቖሙ ህዝብታትን ድጋፎም ክህቡ ጥርዓንና ብትሕትና ነቕርብ።" ይብል ብዛዕባ እዚ ጎስጓስ ዘብርህ ሰነድ።

እቲ ጎስጓስ መታን ውፅኢታዊ ክኸውን፤ 100 ሽሕ ሰባት ክታሞም ከስፍሩ እቲ ትካል ሓቲቱ ነይሩ።

ሾመንተ ዓመታት ሓሊፉ፤ ቁፅሪ ናብቲ ጎስጓስ ዝተሓወሱ ሰባት ግን 7 ሽሕ እኳስ ኣይመልአን።

ስቅታ ቫቲካን

እቲ ጎስጓስ ካብዝፈለመሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት እናተቐልቀሉ ብዛዕባ ረብሓ እዚ ጎስጓስ ዘቃልሑ በዓል ፀጋ ዕድመ ኣለዉ። ሓላፊ ትካል "ዓለምለኻዊ ሕብረት ንፍትሒ - ጉዳይ ኢትዮጵያውያን" ኣይተ ኪዳኔ አለማየሁ፤ ክንድቲ ዝሓሰብዎ ክታም ክእክቡ ዘይምኽኣሎም ከምዘሎ ኾይኑ ቫቲካን ክሳብ ሕዚ ይቕረታ ዘይምሕታታ ኣይወሓጠሎምን።

"ናዚያውያን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ህልቂት እንትፍፅሙ ቫቲካን ስቕ ስለዝበለት ጥራሕ ብክርስትያናዊ ትሕትና ንኣይሁድ ይቕረታ ሓቲታ እያ" ይብሉሞ፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝበፅሐ ግፍዒ ግና ተሓባበርቲ ኮይኖም እናሃለዉ ስቕ ዝበልሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ስለዝኾነት ዶ ይኸውን ክብሉ ይሓትቱ።

ቫቲካን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ንዝበፅሐ ግፍዒ ክንደይ ዝኣክል ሱታፌ ስለዝነበራ እዩ ይቕረታ ክትሓትት ተደልዩ ክንብል ንኣይተ ኪዳኔ ሓቲትናዮም።

"ፋሽስት ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ኣብዝወረረትሉ እዋን ብዙሕ ግፍዒ እዩ ተፈፂሙ። ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተጨፍጪፎም እዮም። ካብ መንጎኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ 30 ሽሕ ሰባት ተጨፍጪፎም እዮም። ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኣብያተ-ክርስትያናት ከምኡ ድማ 525 ሽሕ ገዛውቲ ዓንዮም። እዚ ኹሉ እንትኸውን ቫቲካን ንፋሺስት ጥልያን ደጊፋ፣ ባሪኻ ቀዲሳ እያ" ይብሉ።

እቲ ይቕረታ ንስነልቦና ኢትዮጵያውያን፣ ከምኡ ድማ ቁጠባዊ ካሕሳን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ኣብ ምርካብ ረብሓ ከምዝህልዎ ዘብርሁ ኣይተ ኪዳኔ፤ ዝተዋደደ ጎስጓስ ዘካየዱ ህዝብታት ዝግበኦም ረብሓ ከምዝረኸቡ ይዛረቡ።

"ጣልያናውያን ን 30 ሽሕ ሊብያውያን ብምጭፍጫፎም፤ ካሕሳ 5 ቢሊየን ዶላር አሜሪካ ብመልክዕ ልምዓት ክኸፍሉ ተሰማሚዖም እዮም" በሉ ኣይተ ኪዳነ።

ካብ መርዚ ፋሽስት ጥልያን ንርእሱ ከድሕን መሸፈኒ ገፅ ዝገበረ ኢትዮጵያዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ መርዚ ፋሽስት ጥልያን ንርእሱ ከድሕን መሸፈኒ ገፅ ዝገበረ ኢትዮጵያዊ

መራሒ ማሕበር ጀጋኑ ሃርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ድማ እቲ ብምትሕብባር ውልቀሰባት ኣብዚ ዝበፅሐ ጎስጓስ ውፅኢታዊ ክኾን እንተድኣኾይኑ እንቲ ዝሓሸ መገዲ ዲፕሎማሲ እዩ ይብሉ። ምምላስ ሓወልቲ ኣኽሱም ጠቒሶም ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝግበር ልዝብ ዝሓሸ መገዲ ምዃኑ ይገልፁ።

ልጅ ዳንኤል ጆቴ ቫቲካን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝበፅሐ ግፍዒ ሱታፌ ነይርዋ ኣብ ዝብል ምጥርጣር ኣለዎም። "ንሕና ከምእንርደኦ ንሰራዊት ጥልያን ባሪኹ ዝሰደዶ ሓደ ኣብ ሚላኖ ዝነበረ ቐሺ እዩ። ኣብ መፅሓፍ ዘውዴ ረታ ርእሱ ዝኸኣለ ታረኻዊ መብርሂ ኣለዎ። ንገለ ገለ ታሪኽ ካብ ብስምዒት ምርኣይ ርሒቕና፤ ኣመዛዚንና እንተደኣቐሪብና ጣልያናውያን ኮኑ እንግሊዛውያን ነገራት ዘይምልስሉ ምኽንያት የለን" ይብሉ።

ሰራዊት ጥልያን ንኢትዮጵያ እንትወርር

ምንጪ ስእሊ, Three Lions

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ጥልያን ንኢትዮጵያ እንትወርር

"ናይ ኢትዮጵያ አምላኽ ክሕግዘና እዩ!"

ኣይተ ኪዳኔ ኣለማየሁ ግን ምስቲ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ዝሃብዎ ሓሳብ ኣይሰማምዑን። ጣልያናውያን ከይተረፉ ዝደገፍዎ ጎስጓስ እዩ ይብሉሞ፤ ሱታፌ ቫቲካን ብዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ እውን ሕንቅሕንቅሊተይ ከምዝኾኖም ይገልፁ።

‹‹መብዛሕተኦም ጳጳሳት ወርቆም ከይተረፈ ከምዝሃቡ፤ ሓደ ካርዲናል ድማ እዚ ቅዱስ ኩናት እዩ እናበሉ ዝተዛረብዎ መረዳእታ ኣለና። ሰራዊት ጥልያን ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ መግለፂ ዮሃና ካብ መንጎ ዘውፅኡ ናይ መጀመርያ ሰባት ሓደ ፖፕ ሃያስ (ካብ ቫቲካን) እዮም" ብምባል ይሙግቱ። ፃዕሮም እውን ቀፃሊ ምዃኑ የብርሁ።

"ናይ ፍትሒ ኣምላኽ፤ ኣምላኽ ኢትዮጵያ ክሕግዘና እዩ!" ድማይብሉ።