ኣብ ዓፋር 3.8 ሚሊዮን ዓመት ዝዕድሚኡ ሽክና-ርእሲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Cleveland Museum of Natural History
ኣብ ክልል ዓፋር 3.8 ሚሊዮን ዓመት ዝዕድሚኡ ሽክና-ርእሲ ሰብ መሰል-ህበይ ብምርምር ኩዕታ ከምዝተረኸበ በዓል-መዚ ሓለዋን ምርምርን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ሽክና-ርእሲ ዝተረኸበሉ ቦታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ሚሌ ፍሉይ ስሙ ሚሮ-ዶራ ዝተባህል ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ፡ 'ቅድመ-ታሪኽ ወራንሶ ሚሌ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምርምር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ።
'ኔቸር' ኣብ ዝተብሃለ ዓለም-ለኻዊ መጽሄት ሳይንስ ድማ ዕላዊ ኾይኑ ኣሎ።
ኣወሃሃዲ እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኬዝ ዌስተርን ክሊቭላንድ -ሳይንሳዊ ሙዜም ተመራማሪ ዝኾነ ዶ/ር ዮሓንስ ሃይለስላሰ ከምዝበሎ፡ እቲ ሓድጊ-ኣካል 'ኣውስትራሎፒቴክስ ኣናመንሲስ' ኣብ ዝበሃል ሓረግ ወዲ-ሰብ ዝምደብ እዩ።
እቲ ቅሪት ኣካል ንመጀመርታ ግዜ፡ መበቆሉ ብዕሊ ዘይተፈለጠ ናይ ገጽን ርእስን ቅርጺ ዝረአየሉ ከምዝኾነ ዶ/ር ዮሃንስ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Cleveland Museum of Natural History
ዶ/ር ዮሃንስ፡ እዚ 'ኣውስትራሎፒቴክስ ኣናመንሲስ' ዝበሃል መደብ ሓረገ-ዘርኢ ወዲ ሰብ፡ ዛጊድ ካብ 4.2 ሚልዮን ክሳብ 3.9 ሚልዮን ዝዕድሚኡ ጥራሕ እዩ ዝፍለጥ።
ኤምኣርዲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሽክና-ርእሲ ወዲ-ሰብ ድማ ክሳብ 3.8 ሚልዮን ዓመት ዕድመ ከምዘርኢ ይፍለጥ።
ኣወሃሃዲ እቲ ፕሮከጀክት፡ ዛጊድ ካብ 3.9 ክሳብ 3.6 ሚልዮን ዓመት ዝኾነ ዓይነት ቅሪት ኣካል ተረኺቡ ከምዘይፈልጥን እዚ ፈላማይ ከምዝኾነን እዩ ዝዛረብ።
ኣብ መንጎ ሓረግ ወዲ ሰብ መደብ 'አውስትራሎፒቴከስ አናመንሲስ'ን ከም እኒ በዓል ሉሲ ዝምደብሉ ዓሌት 'ኣውስትራሎፒቴከስ ኣፋረንሲስ' ዝበሃል ሓረግ ወዲ-ሰብ፡ ኣብ ግምት ተደሪኹ ዝወሃብ ዝነበረ ርክብ እንታይ ከምዝመስል ብጭቡጥ ዘብረሀ ከምዝኾነ'ውን ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Matt Crow
ኣብ ክልል ዓፋርን ኣብ ካልኦት ከባብታት ሓጓፍ (ሪፍት ቫሊ) ክሳብ 6 ሚልዮን ዝዕድሚኦም ሓረግ ቅድመ-ሰብ ከምዝተረኸቡ ይዝረብ።
ዛጊድ ካብ ዝተረኸቡ 20 ቀዳሞት ዓሌታት ወዲ-ሰብ፡ እቶም 13 ቅሪት ኣካል ኣብ ኢትዮጵያ እዮም ተረኺቦም።
እዚ ቅሪት ኣካል ቅድመ-ሰብ ምርካብ፡ ንሓደሽቲ ምርምራት በሪ ዝኸፍቱ ከምዝኾነን ኢትዮጵያ መበቆል ዘርኢ ወደ-ሰብ ከምዝኾነት ዘርእን'ዩ ኢሉ፡ ዶ/ር ዮሃንስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







