ብዝተራቐቐ ምትላል ዝተጓሃሃረ ስኑዕ ዕላል ጾታዊ ርክብ

ምልክት ኤክስ

ምንጪ ስእሊ, IEROMIN

እቲ ዓሚል ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኰይኑ፡ እታ ብኢንተርነት ዘዛርባ ዘሎ ፅብቕቲ መንእሰይ ድማ ‘ጂንጀርሃኒ’ እያ ትብሃል። ኣብ ፕሮፋይላ ዘሎ ስእሊ ኣብ ዓራታ ዝደቀሰት ሞዴል የርኢ።

እቲ ዓሚል፡ ጂንጀርሃኒ ኣብ ቀረባኡ ዘላ እዩ ዝመስሎ’ምበር፡ ካብቲ ንሱ ዝርከበሉ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ናይጀርያ ዝነብር ወዲተባዕታይ ምዃኑስ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስተን ሰሓብቲ መንእሰያት ዝመስላኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንኸዕልሉ ኣማኢት ዶላራት ይኸፍሉ፤ እተን "ፅቡቓት ደቂኣንስትዮ" ግን ዘይንሰን ክዀና ከምዝኽእላ ቢቢሲ ክግንዘብ ክኢሉ’ሎ።

ንኣዋርሕ ዝተኻየደ መስርሕ ምእካን መርትዖታት፡ ብድሕሪ እዞም ናይ ሓሶት ፕሮፋይላት ብደረጃ ዓለም ዝፍጸም ስርሒት ከምዘሎ ዘቃልዐ ኰይኑ፡ ካብ ሆላንድ ክሳብ ኣሜሪካ፣ ካብ ሱሪናም [ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እትርከብ ንእሸተይ ሃገር] ክሳብ ናይጀርያ ዝዝርጋሕ እዩ።

ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ናይጀርያዊ ኣቢዮዱን (ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን) ሓደ ካብቶም ብሆላንዳዊ ትካል “ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ ቢቪ” ኣብ ዝውነኑ መርበባት ምኩሻም (dating)፡ ናይ ሓሶት ፕሮፋይል ዘካይዱ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እዩ።

ኣቢዮዱን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈቶም ብርክት ዝበሉ ኣካውንታት እናቐያየረ እዩ ስርሑ ዝሰርሕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ድማ ምልክዕቲ ጻዕዳ ጓል ኣንስተይቲ ተመሲሉ እዩ ዝቐርብ።

ንሱ፡ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ፡ ‘ጂንጀርሃኒ’ [Gingerhoney] ዝብል ስም ዝሓዘት ጓል 21 ዓመት ሞዴል ብምምሳል ዝቐረበ ኰይኑ፡ እታ መንእሰይ፡ ሮዛ ሕብሪ ዘለዎ ኮቦርታ ትሕቲ ሽምጣ ተሸፊና ትርአ።

ንሳ ንነብሳ ካብ መዓር ዝበለጸት ነገር ምዃና ትገልጻ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ ‘ጅንጅብል’ ኢሎም ክጽውዕዋ ተተባብዕ። ነዚ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ "ምስ ጸጕረይ ዝመሳሰል ሕብሪ ስለዝዀነ” ትብል።

ንዝፍፀም ምድንጋራት ዘርኢ ስእሊ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኮምፒተር ኣቢዮዱን ዝተፈላለዩ ጽዩፋት ምስልታት ጅንጅብል ዝሓዘ ‘ፎልደር’ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ስእልታት ዝሓዘሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት ዓማዊል ስምዒት ዘለዓዕሉ ስእልታት ክለኣኸሎም ከይሓቱ ብምሕሳብ’ዩ።

እቶም ምስልታት፡ ነቲ ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ሓዊስካ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተወስዱ እኩብ ስእልታት እዮም።

ንፕሮፋይል ጂንጀርሃኒ ዝቈጻጸር ግን ኣቢዮዱን ጥራይ ኣይኰነን። ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ዓሰርተታት ተቘጻጸርቲ ስለዘለዉ በብእብረ እናተቐያየሩ ነታ ፕሮፋይል ን24 ሰዓታት የመሓድርዋ።

ከም ኣቢዮዱን ዝኣመሰሉ ኣካየድቲ ናይ ኦንላይን ዕላል [‘ቻት’] ኣዝዩ ምዕቡል መሳርሒ ካርታ ብምጥቃም ጂንጀርሃኒ ካብ ዓማዊላ ኣብ ውሽጢ 50 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምዘላ ከምስሉ ይፍትኑ። በዚ ድማ እዮም ምስቶም ዓማዊል ዝራኸቡ።

እቲ ዓሚል ነቲ ብኦንላይን ዘካይዶ ዕላል ብኽፍሊት እዩ ዝፍጽሞ። ብኣካል ክራኸባ’ውን ተስፋ ኣለዎ።

እቶም መርበባት ክትጽምበሮም ነጻ ኰይኖም፡ ዓማዊል ናብተን "ደቂ ኣንስትዮ" መልእኽቲ ንምልኣኽ ወይ ካብአን ንምቕባል ግን ካብ 6 ዶላር ክሳብ 300 ዶላር ዝዋጋኡ ፓኬጃት ክምዝገቡ ኣለዎም።

እቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ዓማዊል ምስተን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ዝመስላኦም ደቂ ኣንስትዮ ብኣካል ክራኸቡ ክደልዩ እንከለዉ፡ ዓበይቲ ዓማዊል ግን መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ስምዒት ብዘለዓዕል ዕላል፡ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ዝፈጥሩ ስእልታትን ቪድዮታትን ዕጉባት ከምዝዀኑ ኣቢዮዱን ይዛረብ።

ኣቢዮዱንን ካልኦት ነቲ ናይ ኦንላይን ዕላል ዘካይዱ መሳርሕቱን (chat moderators) ነቶም ዓማዊሎም ብዝተኻእለ መጠን ኣብተን ወብሳይታት ክፀንሑ ምግባር እዩ ዕላማኦም።

በዓል ኣቢዮዱን ነፍሲወከፍ ብፅሑፍ ዝለኣኽ መልእኽቲ እንተወሓደ 150 ፊደላት ክበፅሕ፡ ከምኡ’ውን እቲ ዕላል ምእንቲ ካልእ እዋን ክቕፅል "ዘይተመልአ ወይ ዘይተዓፀወ” ክኸውን ከም ዘለዎ እዩ መምርሒ ዝወሃቦም።

‘ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ ቢቪ’ ኣብ ሱሪናም ብዝርከብ ኦራኖ ሮዝ ዝተባሃለ ሱሪናማዊ ሰብኣይ ዝተመስረተ፡ ‘ሎጂካል ሞደሬሽን ሶሉሽንስ (LMS)’ ብዝብል ንዝፍለጥ ኩባንያ ብፅሒት ስራሕ ብምሃብ ንጥፈታቱ የካይድ።

‘ኤል ኤም ኤስ’ ድማ ናይጀርያውያን ናይ ኦንላይን ዕላል ኣካየድቲ ብምቝጻርን ብምስልጣንን ይሰርሕ።

ቢቢሲ ኣብ ዋትስኣፕ፡ ቴሌግራምን ስካይፒን ኣካውንትታት ኤልኤምኤስ መርትዖታት ረኺቡ’ሎ። እቲ ኩባንያ፡ ኣማኢት ኣካየድቲ ኦንላይ ዕላል ከምዝቘጸረን ከምዘሰልጠነን፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ናይጀርያ ግዝኣታት ሌጎስን ኣቡጃን ከምዝነበሩ’ውን ኣቃሊዑ።

እቶም ዕድላት ስራሕ ኣብ ኢንስታግራም፡ ትዊተርን ቴሌግራምን ዝዝርግሑ ኰይኖም ንስራሕ ኣልቦን ዝተማህሩን መንእሰያት ናይጀርያ ዒላማ ይገብሩ።

ነቲ ሓቀኛ ዝሰርሕዎ ስራሕ ብዘይምጥቃስ ድማ "ስርሓት ኦንላይን"፡ "ዲጂታላዊ ማርኬቲን"፡ "ቻት ሞደሬተር"፡ ብዝብል እዮም ነቶም መደባት ስራሕ ዘላልይዎም።

ሓንቲ ካብተን ላዕለዎት መልመልቲ ኩባንያ ‘ኤልኤምኤስ’ ዝዀነት ኣብ ጀርመን እትነብር ኣደዳሞላ ዩሱፍ፡ ነቲ መወዓውዒታት ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታታ ክትዝርግሖ እንከላ፡ ህይወታ ኣዝዩ ኣብ ዘብለጭልጭን ምቹእን ኵነታት ኰይና ብጽቡቕ ተሕልፎ ከምዘላ ክተርኢ ትፍትን።

"እቲ ስራሕ ኣብ ጀርመንን ናይጀርያን ፍጹም ሕጋውን ፍቓድ ዘለዎን'ዩ" ክትብል ነቶም ክቝጸሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ቀዳማይ መዓልቶም ኣብ ዝገበርዎ ዕላል ዋትስኣፕ ትገልፀሎም።

ኣደዳሞላ ዩሱፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣካየድቲ ቻት ክትመልመል ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ጥራይ ኣብ ሓደ ናይ ምልመላ መስርሕ፡ ኣማኢት ሰባት ተመዝጊቦም።

ቢቢሲ ርእይቶኣ ክትህብ ንዘቕረበላ ሕቶ መልሲ ኣይሃበትን።

"እዞም ምዕራባውያን ሰባት ብቐንዱ ዕላል ክገብሩ እዮም ዝደልዩ" ክብል ሓደ ኣሰልጣኒ ንሓደስቲ ምልምላት ዝተዛረቦም ኮይኑ፡ እቶም ሰልጠንቲ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣድካሚ ፈተናታት ቋንቋ እንግሊዝ ክሓልፉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ናይጀርያ ዳይረክተር ኤልኤምኤስ ዝዀነ ኒኮላስ ኣካንደ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሓምለ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ኣካየድቲ ዕላል ክሰርሑ ክምዝግብ እንከሎ እቲ ስራሕ ሕጋዊ ምዃኑ ሓቢርዎም ነይሩ።

ቢቢሲ ርእይቶ ክህብ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ኣብ ናይጀርያ ዳይረክተር ኤልኤምኤስ ኒኮላስ ኣካንደ

ምንጪ ስእሊ, NICHOLAS AKANDE/INSTAGRAM

ነቶም ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን ብዛዕባ ባህሊ፡ ቅዲ ጽሕፈትን ዓማዊሎም ኣብ ዝርከቡሎም ቦታታት ዘሎ ኣዘራራቢ ዛዕባን ብዝምልከት ትምህርቲ ይወሃቦም’ዩ። ከምኡ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ስራሕ ሓቀኛ መሲሉ ንኽሰምዖም ብዝብል’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና ከኣ፡ ናብቲ መርበብ ሓበሬታታት መእተዊ ዝወሃቦም ኰይኑ ኣብኡ ድማ ከም ኣድራሻ ገዛ፡ ቍጽሪ ተሌፎንን ዕድመን ዝኣመሰለ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዓማዊል ክርእዩ ይኽእሉ።

ቢቢሲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኢንተርነት ዝሃብዎ ርእይቶታት ርእዩ'ሎ። ኣብዘን መርበባት ሓበሬታ ካብ 300 ክሳብ 700 ዶላር ወጻኢ ብምግባር ምስተን ዘዕልላኦም ዝነበራ "ደቂ ኣንስትዮ" ክራኸቡ ብተስፋ ይጽበዩ ምንባሮም ይገልጹ።

"ን20 ደቂ ኣንስትዮ መልእኽቲ ሰዲደ ይኸውን እየ፤ ብውልቂ ክራኸብ ሓሳብ ከቕርብ ከለኹ ግን ኵሉ ግዜ ይናዋሕ ነይሩ" ይብል ኣብቲ ‘ብሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ’ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ 64.99 ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረ ዝሕብር ሓደ ሰብኣይ።

ካልእ ሰብኣይ ድማ "እተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብሓቂ ምዃነን ብምግማት ልዕሊ 400 ዶላር ፓኬጅ ከምዝዓደገ” ይዛረብ።

ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ፡ ገለ ካብ ፕሮፋይላቱ ልብ ወለዳዊ ምዃኑን "ብኣካል ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ከምዘየሎን" ኣብ ውዕልን ቅጥዕታቱን ብንጹር ከምዝሓበረ ይገልጽ።

ይዅን እምበር፡ ናይጀርያውያን ኣካየድቲ ዕላላት ኦንላይ፡ ኣብቲ ናይ ካርታ መሳርሒ ስለምንታይ ምስ ዓማዊል ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከምዘለዉ ንምምሳል ፈቲኖም ንዝብል መብርሂ ኣይሃበሉን።

እዚ መሳርሒ እዚ፡ ነቲ ምትላል ዝያዳ ተኣማንነት ዝፈጥርን ፈጺሙ ንዘይከውን ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ናይ ሓሶት ተስፋታት ዝህብን እዩ።

ንጥፈታት ናይዞም ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን፡ ምስቲ ኣብ ናይጀርያ ጽዩፍ ወይ ኣባጽሕ (adults) ዝዀኑ ትሕዝቶታት ብኢንተርነት ምልጣፍ ዝኽልክል ሕጊ ዝጻባእ ምዃኑ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ 2015 ዝወጸ ሕጊ ገበናት ሳይበር ነዞም ዝስዕቡ ይኽልክል፡

  • ንሓቅታት ዝጻባእ መልእኽቲታት ምልኣኽ
  • ኣዝዩ ዘሕፍር፡ ጽዩፍ ስእልታት፡ ዘይስነምግባራዊ፡ ብዕሉግ ወይ ዘስግእ መልእኽቲ ምልኣኽ
  • ኣደናጊርካ ወሃቢ ኣገልግሎት ብምምሳል ፋይናንሳዊ ካርድ ምጥቃም

ኩባንያ ኤልኤምኤስ ኣብ ምትላልን ንኣባጽሕ ጥራሕ ዝምልከት ትሕዝቶታት ኣብ ምዝርጋሕን ተሳቲፉ እንተዀይኑ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝተዋህቦ ፍቓድ ክስረዝ ከምዝኽእል ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።

ወናኒ 'ቲ ኣብ ሱሪናም ዝርከብ ትካል ኤልኤምኤስ፡ ኦራኖ ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይፍጽም ከምዘየለን ኣብ ናይጀርያ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ገበናት ሳይበር ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ብምሕባር፡ መደበሩ ኣብ ሱሪናም ብምዃኑ ድማ ንዕኡ ምኽሳስ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ተዛሪቡ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይጀርያውያን ስራሕ ኣልቦ ምዃኖምን ንኣዋርሕ ዝኣክል ብመምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ኣድማን ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ብምቝራጽ ስራሕ ይደልዩ ከምዘለዉ የመልክቱ።

ኤልኤምኤስ ክሳብ 150 ሽሕ ናይራ (355 ዶላር) ዝበጽሕ ወርሓዊ ደሞዝ ከምዘቕርብ ብምግላጽ’ዩ ምልመላታት ዘካይድ። እዚ ገንዘብ ድማ ሓደስቲ መምህራን ካብ ዝወሃቦም መሃያ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።

ነዚ ናይ 'ቻት ሞደሬሽን' ስራሕ ዘወዓውዕ ትዊተር፡ ነቲ ኣብኡ ዝሳተፍ ንሓደ በጽሒ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣይጠቐሶን እዩ።

ዕድል ስራሕ ዘላልይ መልእኽቲ ቴሌግራም

ኣቢዮዱን እቲ ንሱ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ፡ "ንእሽቶ ክፋል ዓለምለኻዊ ስርሒትን ምስ ምትላል ኢንተርነት ክነጻጸር እንከሎ ትሕት ዝበለ ገበንን" ከምዝዀነ ይሓስብ።

"ካብቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ኣፍቀርቶም ወይ መሓዙቶም መዓልታዊ ዝገብርዎ ዕላል ዝፍለ ኣይኰነን" ይብል።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ፡ "ክንራኸብ’ዶ?" ዝብል ሕቶ የቕርብ ኣሎ።

"ይቕሬታ ​​ሕጂ ከልበይ ሒዘ እግሪ ጕዕዞ ክገብር ኣለኒ" ዝብል መልሲ ትህብ ጂንጀርሃኒ።

እዚ ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሎም እዋን ንምትዕሽሻው ክጥቀሙሉ ካብ ዝንገሮም ዓይነታት መመኽነይታ እቲ ሓደ እዩ።