ካልኣይ ጥንሲ ንሓንጎል ደቀንስትዮ ንምንታይ 'ብፍሉይ' ይቕይሮ?

ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ምስ እግሪ ተኽሊ እናተጻወተት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እተን ካልኣይ ውላደን ዝወልዳ ኣደታት ኣቓልቦአን ዝያዳ ከተኵራ ክሕግዘን ብዝኽእል ፍሉይ መንገድታት ከም ዝልወጥ ኣብ ሓንጎል ዝግበር መርመራ (ስካን) ኣርእዩ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ካልኣይ ጥንሲ ንሓንጎል ሓንቲ ኣደ ብፍሉይ ብምቕያር ኣብ ኣቓልቦኣ ከተተኵር ክሕግዛ ብዝኽእል መንገድታት ከም ዝልወጥ ሓድሽ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣቐዲሞም'ውን ሓንጎል ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መጀመርታ ጥንሲ ንኣደነት ኣብ ትዳልወሉ እዋን'ውን ከም ዝቕየር በጺሖሞ እዮም።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ጥንሲ ዝኽሰት ፍሉይ ለውጥታት ንደቀንስትዮ ኣብ ዕላማአን ብኣትኵሮ ቈላሕታ ክጥርያን ዕዮታት ከሰላስላን ክሕግዘን ይኽእል እዩ።

እዚ ርኽበታት'ዚ፡ ገሊአን ደቀንስትዮ ስለምንታይ ምስ ሕርሲ ዝተሓሓዝ ጥዕናዊ ጸገማት ስነኣእምሮ ከም ዘማዕብላ ንምርዳእ'ውን ክሕግዝ እዩ።

ሓንቲ እግሪ ተኽሊ ህጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኣ በጥ ኢላ፡እዝና ኣብ ከብዲ ኣዲኣ ኣጸጊዓ ህርመት ልቢ እናተጸናጸነት
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመራመርቲ፡ ሓንቲ ኣደ ንብዙሓት ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ንምክንኻን ዘድልያ -ክሕግዛ ዝኽእል ናይ ሓንጎል ለውጥታት ረኺቦም።

ኣብ 2023 ኣብ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ገምጋም ወሊድ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ 2 ክሳብ 3 ውላድ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዩኤምሲ ኣብ ዝርከብ ላባራቶሪ ሓንጎል ኣብ እዋናት ጥንሲ፡ ተመራመርቲ ሓንቲ በኳር ነፍሰጾር እቲ ንገዛእ ርእሳ ናይ ምርዳእን ስምዒታት ውላዳ ናይ ምግንዛብን ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሓንጎላ ከም ዝቀያየር፡ እዚ ድማ ክትከናኸኖም ከም ዝሕግዛ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ 110 ኣንስቲ ክሳተፋ ከለዋ፡ ካብዘን ኣደታት ገለ በኳራት፡ ገለ ድማ ንኻልኣይ ውላደን ዝጠነሳ እየን።

እቲ ቅድምን ድሕርን ጥንሲ ኣብ ሓንጎል ዝተወስደ ትዕዝብቲ፡ ነቶም ተመራመርቲ ኣብተን ደቀንስትዮ ብልክዕ እንታይ ከም ዝተቐየረ ክዕዘቡ ኣኽኢልዎም።

ኣብ ሓንጎል እተን ንኻልኣይ ውላደን ነፍሰጾራት ዝንበራ ደቀንስትዮ፡ ኣቃልቦአን ኣብ ምቍጽጻርን ንስምዒታተን ዝህባኦ ግብረመልስን ዝያዳ ለውጥታት ተራእዩ።

ነቲ ምጽናዕቲ ዘሰናድአት ተመራማሪት ሚሎኡ ስትራቶፍ ፡"እዚ መስርሕ ምቅይያር፡ ብዙሓት ቈልዑ ክትከናኸን እንከለኻ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል።

እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ እተን ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሓንጎለን ዝርአ ለውጥታት ዋላ ሓንቲ መደምደምታ'ኳ እንተ ዘይገበረ፡ እቶም ተመራመርቲ ግን ቀንዲ ለውጥታት ሓንጎል ኣብ መወዳእታ እዋናት ጥንሲ ከም ዘጋጥም ይሕብሩ።

ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝህልዎ ጽልዋኸ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መጽናዕቲ ኣብ መንጎ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጥንሲ ዝርአ ለውጥታት ሓንጎልን ምምዕባል ምስ ጥንስን ተተሓሒዙ ክኽሰት ምስ ዝኸእል ስነኣእምሮኣዊ ጸገማትን ምትእስሳር ከም ዘለዎ እውን ተመልኪቱ።

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዳርጋ 10 ሚእታዊት ነፍሰጾራት ኣብ ዝነበራሉ፡ 13 ሚእታዊት ድማ ድሕሪ ምሕራሰን ኣብ ዘሎ ፈለማ ኣዋርሕ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት የጋጥመን።

እዚ ኣብ ዩኤምሲ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ደጋዊ ቀጸላ ሓንጎል ጓለንስተይቲ ማለት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ሓንጎል ዝርአ ለውጥታት ምስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝኽሰት ቅዛነት (peripartum depression) ወይ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ቅዛነት (postpartum depression) ዝተተሓሓዘ እዩ።

በዚ ድማ መብዛሕትአን በኳራት ኣደታት እዚ ለውጥታት'ዚ ምስ ድሕሪ ሕርሲ ዝኽሰት ኵነታት ስነኣእምራዊ ጥዕናአን ምሒር ክተኣሳሰር እንከሎ፡ ኣብተን ንኻልኣይ እዋን ዝወለዳ ኣደታት ግን ዝያዳ ምስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝኽሰት ኣእምሮኣዊ ጥዕናአን ኣጸቢቑ ዝተተሓሓዘ እዩ ነይሩ።

በዚ ድማ እቶም ተመራመርቲ ሓንጎል ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ፈለማ ጥንሲ ጥራይ ዘኰነስ ኣብ ካልኣይ እውን ከም ዝቕየር ንመጀመርታ እዋን ኣርእዩና ይብሉ።

ዋና ኣካያዲት እቲ ኣእምሮ ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝምርምር ላባራቶሪ ኢልሲላይን ሆከዚማ፡ ሓንጎል ንኣደነት ብኸመይ ከም ዝላመድ ክንርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጥንሲ ሓንጎል ብተመሳሳልን ፍሉይን መንገዲ እዩ ዝቀያየር። ነፍሲ ወከፍ ጥንሲ ድማ ኣብ ሓንጎል ጓል ኣንስተይቲ ፍሉይ ምልክት እዩ ዝገድፍ፡" ትብል።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ'ዚ ዝያዳ ምርምር ዘድሊ እኳ እንተዀነ፡ እቶም መጽናዓታዊ ጽሑፍ ዘቕረቡ ከም ዝገለጽዎ ግን፡ እቲ ውጽኢት ነቲ ድሕሪ ሕርሲ ዝኽሰት ቅዛነት ወይ ጭንቀት ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝምዕብል ዝያዳ ሰእሊ ብምሃብ ንኣደታት ክሕግዝ ይኽእል እዩ።