ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ዝያዳ ይሓርቓ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ክሓርቓ ከምዝጸንሓ ዓመታዊ ዳህሳስ ጋሉፕ ኮም ይሕብር። ስለምንታይ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ?
ቅድሚ ክልተ ዓመት ታህሻ ረኒ ኣብ ክሽነኣ ደው ኢላ ከላ ካብ መዓሙቕ ሳንቡኣ ዝወጸ ዓሚቝ ኣውያት ኣሰንቢድዋ።
"ሕርቃን ወትሩ ንዓይ ብቐሊሉ ዝስዕረኒ ስምዒት'ዩ ነይሩ" ትብል። እዚ ግን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝስምዓ ኣይነበረን።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝነበረት በዚሕዋ። ኣብ ገዝኣ እናተዘዋወረት ንኹሉ ዘሕርቓ ዓው ኢላ ክትዝርዝር 20 ደቓይቕ ኣሕሊፋ ነይራ።
ድሕሪ እቲ ኣውያታ ግን ጽዑቕ ኣካላዊ ምፍትታሕ ተሰሚዕዋ።
እታ ሂፕኖቴራፒስትን ኣሰልጣኒት ህይወትን ዝኾነት ታህሻ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዙም ኣኪባ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ቁጥዐ ዝፈጥረለን ነገር ክዛረባን ድሕሪኡ ድማ ክጭድራን ክትገብር ጸኒሓ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ን10 ዓመት ዝጸንሐ መረዳእታ ጋላፕ ዎርልድ ፖል ዘካየዶ ትንታነ ከምዝሕብሮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ እናሓረቓ ይመጻ ኣለዋ።
እቲ ዳህሳስ፡ በብዓመቱ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ዳህሳስ ዝገበረ እዩ። ካልኦት ሕቶታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሕ መዓልቲታት እንታይ ዓይነት ስምዒታት ከም ዝተሰምዖም ድማ ይሓትት።
ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብፍላይ ኣሉታዊ ስምዒታት - ሕርቃን፡ ጓሂ፡ ጸቕጥን ጭንቀትን - ብተደጋጋሚ ከም ዝስምዐን ሓቢረን።
ትንታነ ቢቢሲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጓህን ጭንቀትን ከም ዝስምዐን ይሕብራ፡ ዋላ እኳ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ብቐጻሊ ኣናወሰኸ እንተጸንሐ።
ኣብ ሕርቃንን ጸቕጥን ግን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዘሎ ፍልልይ እናገፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2012 ክልቲኦም ጾታታት ቁጥዐን ጸቕጥን ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ከምዘሎ ሓቢሮም ነይሮም።
ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሽዱሽተ ሚእታዊት ፍልልይ ዝያዳ ይሓርቓን ዝያዳ ውጥረት'ውን የጋጥመን ኣሎ። እቲ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ፍሉይ ምፍልላይ ነይሩ።
እዚ ንቴራፒስት ሳራ ሃርሞን ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ መጀመርታ 2021 ንጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ዓማዊላ ኣብ ሓደ ሜዳ ደው ኢለን ክጭድራ ኣኪባ ነይራ።
"ኣነ ኣደ ክልተ ንኣሽቱ ቆልዑ እየ፡ ካብ ገዛይ ኮይነ ይሰርሕ ነይረ፡ በቃ እቲ ጽዑቕን ትሑት ደረጃ ዘለዎን ብስጭት ናብ ፍጹም ቁጥዐ ይዓቢ ነይሩ" ትብል።
ድሕሪ ዓመት መሊሳ ናብ ሜዳ ወጺኣ። "እቲ ህቡብ ኮይኑ ዝተዘርገሐ ኣውያት ንሱ እዩ" ትብል። ኣብ ሓደ ካብቶም ጉጅለታት ኣደታት ኦንላይን ዝኾነት ሓንቲ ጋዜጠኛ ምስረኸበቶ ሃንደበት ካብ መላእ ዓለም ጋዜጠኛታት ክድውሉ ጀሚሮም።
ሳራ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ዝነበረ ነገር ክወጽእ ከምዝገበረት ትኣምን፡ እዚ ድማ ጾር እቲ ለበዳ ብዘይመጠን ኣብ ልዕሊአን ጽልዋ ዘሕድሮ ዝነበረ ጽዑቕ ብስጭት እዩ።
ኣብ 2020 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዳርጋ 5000 ኣብ ምስ ተቓራኒ ጾታዊ ርክብ ዝርከቡ ወለዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣዴታት ኣብ እዋን ዕጽዋ ካብ ኣቦታት ንላዕሊ ናይ ገዛ ሓላፍነት ከምዝወስዳ ኣረጋጊጹ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦታት ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ቐኒሱ። ኣብታ ስድራቤት ዝለዓለ ኣታዊ ኣብ ዝረኽብሉ ዝነበሩ እዋን እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ።
ኣብ ገለ ሃገራት ኣፈላላይ ቁጽሪ ናይተን ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ ቁጥዐ ተሰሚዑኒ ዝብላ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ደረጃ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ኣብ ካምቦድያ ኣብ 2021 እቲ ፍልልይ 17 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ ኣብ ህንዲን ፓኪስታንን ድማ 12 ሚእታዊት ነይሩ።
ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ዶክተር ላክሽሚ ቪጃያኩማር፡ እዚ ውጽኢት ኣብተን ሃገራት ዝርከባ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተማህራ፡ ስራሕ ዝሰርሓን ብቑጠባ ናጻ እናኾና ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ እዋን ዝተፈጥረ ወጥሪ ምዃኑ ትኣምን።
"ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምስ ብጥንታዊ፡ ብኣቦነታዊ ዝዕብለል ስርዓታትን ባህልን ተኣሲረን ይርከባ" ትብል። "ኣብ መንጎ ኣብ ገዛ ዝርከብ ብኣቦነታዊ ዝዕብለል ስርዓትን ካብ ገዛ ወጻኢ ሓራ ዝወጸት ጓል ኣንስተይትን ዘሎ ዘይምስምማዕ ብዙሕ ቁጥዐ የስዕብ።"
ኩሉ ግዜ ዓርቢ ምሸት ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ቸናይ ኣብ ጽዑቕ ሰዓት ነዚ ፍልልይ ብተግባር ትዕዘቦ እያ።
"እቶም ደቂ ተባዕትዮ ክዛነዩ፡ ናብ እንዳ ሻሂ ክኸዱ፡ ሽጋራ ከትክኹ ትርኢ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብ መደበር ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ክጓየያ ትረኽበን። እንታይ ከብስላ ከምዘለወን ይሓስባ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብባቡር ናብ ገዝአን ኣብ ዝምለሳሉ እዋን ኣብ መንገዲ ኣሕምልቲ ክቖርጻ ይጅምራ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ላክሽሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ሕርቃነን ክገልጻ ከም ግቡእ ኣይውሰድን ነይሩ፡ እዚ ግን ይቕየር ከምዘሎ ትዛረብ። "ሕጂ ቁሩብ ዝያዳ ስምዒታተን ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ስለዘሎ እቲ ቁጥዐ ዝያዳ'ዩ ዝኸውን።"
እቲ ጽልዋ ለበዳ ኣብ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ እውን ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ። ቅድሚ 2020 ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓይሊ ስራሕ ቀስ ዝበለ ምዕባለታት ከምዝነበረ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳይንቲስት ዳታ ዝኾነት ጂኔት ኣዝኮና ትገልጽ። ኣብ 2020 ግን እቲ ዝርአ ዝነበረ ምዕባለ ደው ኢሉ። ኣብዚ ዓመት ኣብ 169 ሃገራት ቁጽሪ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ እቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ደረጃ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
"ብጾታ ዝተፈለየ ዕዳጋ ሰራሕተኛ እዩ ዘለና" ትብል ኣብ ኣሜሪካ እትነብር እታ ኣብ 2019 ብዛዕባ ቁጥዐ ‘ሬጅ ቢከምስ ሀር’ እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት ሶራያ ቸማሊ።
ንሳ፡ ኣብ ከም ክንክን ዝኣመሰሉ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዕብለል ኢንዱስትሪታት ብዙሕ ምስ ለበዳ ዝተኣሳሰር ጽዑቕ ድኻም ከምዘሎ ትርኢ።
"ናይ ሓሶት ስራሕ ኣዴታትን ድኹም ደሞዝ ዝኽፈሎን እዩ። እዘን ሰባት እዚአን ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ዝተዓፈነ ቁጥዐ ይስምዐን’ዩ። ምስቲ ከይተሓላለኻ ክሰርሓ ትጽቢት ዝግበር ድማ ብዙሕ ርክብ ኣለዎ። ከምኡ'ውን ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ወሰን የብሉን።"
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መውስቦ ፍልይ ጾታ ተመሳሳሊ ዳይናሚክስ ይርከብ" ትብል።
ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ጾር እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ተጻሒፉ እኳ እንተሎ፡ ውጽኢት ዳህሳስ ጋሉፕ ዎርልድ ፖል ግን ኣብኡ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ከም ዝሓረቓ ኣይሕብርን።
"ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሕርቃን ኣዝዩ ዓሚቕ ሕፍረት ይስምዐን" ትብል ሶራያ ቸማሊ፡ እቲ ሕርቃነን ድማ ጸቕጢ ወይ ጓሂ ከምዝኾነ ክሕብራ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።
ምናልባት ርኡይ ብዝኾነ መልክዕ፡ ኣሜሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ደረጃ ጸቕጥን ጓህን ከምዘለወን ይሕብራ።
ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ብራዚል፡ ኡራጋይ፡ ፔሩ፡ ቆጵሮስን ግሪኽን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ውጥረት ከምዘለወን ይዛረባ። ኣብ ብራዚል፡ ዳርጋ ካብ ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ እተን ሽዱሽተ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሕሉፍ መዓልቲታት ውጥረት ከም ዝተሰምዐን ክገልጻ እንከለዋ፡ ካብ ዓሰርተ ደቂ ተባዕትዮ ግን ትሕቲ ኣርባዕተ ጥራይ እዮም ውጥረት ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም።
ታህሻ ረኒ ግን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካን ካልእን ሕጂኣብ "ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይኾንን!" ዝብላሉ ደረጃ ከምዝበጽሓ ትሓስብ።
"ብሓቂ ንለውጢ ብዘመቻችእ መንገዲ። ንሕርቃነን ድማ ነዚ ለውጢ ይጥቀማሉ ኣለዋ" ትብል።
ጂኔት ኣዝኮና ብወገና፡ "ቁጥዐን ነድሪን የድልየካ" ብምባል ከምትሰማማዕ ትገልጽ። "ነገራት ንምልውዋጥን ከምኡ’ውን ሰባት ድማ ኣቓልቦ ንክህቡኻን ንክሰምዑኻን ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ስምዒታት የድልዩኻ እዮም።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







