ደቀን ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ገዲፈን ዝኸዳ ሓራሳት

ሚሸል ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, Tim Mansel

መግለጺ ስእሊ, ሚሸል ምስ ጓላ

ምዝዛም ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ውጽኢት መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ ልዑል ተራ ተጻዊቱ እዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓጋይ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምቕልባስ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ዝተጠቕመሉ ሓደ ስነ-መጐት፡ ሕግታት ውሑስ መዕቆቢ ኣክንዲ ምቍራጽ ጥንሲ ኣማራጺ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ነይሩ።

እዞም ውሑስ መዕቆቢታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ኣለዉ፤ ዝተጸገማ ኣደታት ድሕሪ ምውላደን ነዊሕ ከይጸንሓ መንነተን ከይገለጻን ከይተኸሰሳን ዕሸላተን ኣብዘን ዝተመደባ ቦታታት ገዲፈን ክኸዳ ይኽእላ እየን።

እዚ ዛንታ በቲ ሕጊ ውሑስ መዕቆቢ ዝተጸልዉ ሰለስተ ሰባት እዩ።

እታ ኣደ

ኣብ ሓደ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቆላታት ኣሪዞና፡ ጸልማትን ዝናብ ዘለዎን ክረምቲ እዩ ነይሩ። ሚሸል፡ ሓቀኛ ስማ ከይግለጽ ስለዝሓተተት ስማ ተቐይሩ እዩ - ንሳ ኣብ ዝተነጸለ ጽርግያ መኪና እናዘወረት ከላ፡ ደው ክትብል ተገዲዳ።

"ኣዝዩ ቃንዛ ነይሩኒ - ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ክምለስ ኣይከኣልኩን" ክትብል ትዝክር። ካብ ከተማ 20 ማይልስ ርሒቓ ኣብ ጥቓ ሓደ ውሕጅ፡ ሚሸል ኣብ ውሽጢ መኪና ሓሪሳ።

"ዘፍርሕ እዩ ነይሩ፣ ክጽሊ ጥራይ ይዝከረኒ። ንማማ ይጽውዓ ነይረ... ማማ ደልየያ ነይረ።"

ሚሸል ክትወልድ ከላ፡ ዓባይ ጓላ ኣብ ድሕሪት ኮፍ መበሊ እታ መኪና ደቂሳ ነይራ። ኣብቲ ጸልማት፡ ሞባይላ ባትሪ ስለዝወድአ፡ ን15 ደቓይቕ ኮፍ ኢላ፡ ነታ ሓዳስ ውላዳ ብኮቦርታ ጠቕሊላ ኣብ ጉልበታ ኣቐሚጣታ።

ድሕሪኡ ሞተር መኪናኣ ኣልዒላ ብቕልጡፍ ክትዝውር ጀሚራ።

ሚሸል ከም ዝጠነሰት ዝነገረቶ ሰብ ኣይነበረን። ኣዝያ ፈሪሓ ነይራ። ኣቦ ዓባይ ጓላ ክትግምቶ ዘይከኣል ሰብ እዩ። ካብኡ ተፈልያ እያ። ምስቲ ኣቦ ሓድሽ ህጻና ድማ ኣይትራኸብን። ናብ ጸበባ ከምዝኣተወት ኰይኑ ተሰሚዕዋ።

ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝረኸበቶ ሆስፒታል ደው ኢላ። ብዛዕባ ሕጊ ውሑስ መዕቆቢ ኣሪዞና - እታ ዕሸል ክሳብ ዘይተጐድአት፡ ስማ ከይገለጸት ብዘይ ክሲ ንውላዳ "ክተረክብ" ከምእትኽእል - ትፈልጥ ነይራ። ስለዚ እታ ህጻን ኣብ ሕቝፋ ሒዛ ናብ መቐበሊ ኣጋይሽ ተጓየየት።

"ምስ ክፍሊ ጻዕሪ ሕማም ሕርሲን ሕርስን ክራኸብ ሓቲተ። መጺኦም ኣዛሪቦምኒ፡ ኣነ ድማ 'ነታ ህጻን ክህቦም እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ዝኸውን ዝመስለኒ' ኢለ ነጊረዮም። ካብ ኣቦ ዓባይ ጓለይ ውሕስቲ ክትከውን ጥራይ እየ ዝደሊ።"

ሚሸል ነታ ህጻን ናብተን ኣለይቲ ሕሙማት ኣረኪባታ። ሕጂ ካልኦት ስድራቤት ነታ ህጻን ወሲዶም ከም ውላዶም ከምዘዕብይዋ ትፈልጥ እያ።

ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሓትሉ ግዜ ሰለስተ ደቓይቕ ኣይመልእን።

ኣብ ቦስተን ዝርከብ ውሑስ መዕቆቢ

ምንጪ ስእሊ, THE BOSTON GLOBE VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቦስተን ዝርከብ ውሑስ መዕቆቢ

ሳንዱቕ ህጻናት እንታይ እዮም?

  • ሚሸል ውላዳ ንሓካይም እያ ሂባ። ግን ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ሳንዱቕ ገይርካ ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣብ መጥፋእቲ ሓዊ እውን ምግዳፍ ይከኣል’ዩ
  • ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣውሮጳ፡ ኣብ ጐድኒ ሆስፒታላትን ኣብያተ ክርስትያናትን "ፋውንድሊን ዊልስ" ዝበሃል ንተመሳሳሊ ዕላማ የገልግል ነይሩ
  • ኣብ ካልእ ቦታታት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕሉ መውለዲ ህጻናት ኣለዉ። እንተዀነ ንዝተጠንጠኑ ዕሸላት ኵለመዳያዊ ሕጊ ዘውጽአት ሃገር ኣሜሪካ ጥራይ እያ
  • ኣብ ኣሜሪካ መዕቆቢ ዝተኣታተወ ቅትለት ዕሸላት ደው ንኽብል እዩ
  • ንመጀመርያ ግዜ ነዞም ሕግታት ኣብ 1999 ዘተኣታተወት ቴክሳስ ኰይና ድሕሪኡ ኵለን ካልኦት ግዝኣታት ስዒበናኣ
  • ሓደጋ ቅትለት ዕሸላት ኣብ መዓልቲ ልደት ዝለዓለ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማእከላት ምቍጽጻር ሕማማት ኣሜሪካ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሕግታት ምስ ተኣታተወ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝተቐትሉ ዕሸላት ብኣስታት 67% ከምዝነከየ ኣረጋጊጹ እዩ
  • ካልኦት ረቛሒታት እውን ስለዘለዉ ግን ምኽንያታዊ ምትእስሳሩ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ

እታ ነርስ

ንሄዘር በርነር ውዕዉዕቲ ተጣባቒት ውሑስ መዕቆቢታት ክትከውን ዝደረኻ ሞት ሓደ ሓድሽ ህጻን እዩ። ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ከም ኣላይት ህጻናት (ነርስ) ኰይና እትሰርሓሉ ዝነበረት ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ፎኒክስ ኣብ ፈረቓ ስራሕ ነይራ።

"ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ቈልዓ መጺኣ ብዛዕባ ቃንዛ ከብዲ ኣማረረት። ኣገደስቲ ምልክታት ምስ ተመርመረት ናብ ሽቓቕ ከይዳ። ንውላዳ ባዕላ ወሊዳ ኣብ ሳንዱቕ ጓሓፍ ኣእትያቶ። ድሕሪ 20 ደቓይቕ ኣቢሉ ድማ ሓንቲ ኣላዪት ገዛ ረኺባቶ። ህይወት ዘድሕን ጻዕርታት ፈቲንና ግን ኣይተዓወትናን።"

ዋላ'ኳ መርትዖ እንተሃለወ፡ እታ መንእሰይ፡ እቲ ህጻን ናታ ምዃኑ ነጺጋቶ። ብሓደ ኣባል ስድራቤት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝኾነት ተጠርጢሩ።

"ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ" ትብል ሄዘር። ሕጂ ዳይረክተር ፕሮግራም ውሑስ መዕቈቢ ኣሪዞናን ከምኡ’ውን ፈጻሚት ዳይረክተር ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ (NSHA) እያ። ካብ 1999 ኣትሒዙ 4,687 ዕሸላት ብሃገር ደረጃ ከም "ዝተገደፉ" ትኣምን።

ሄዘር በርነር፡ ንጥፍቲ ተጣባቒት ውሑስ መዕቆቢታት

ምንጪ ስእሊ, Tim Mansel

መግለጺ ስእሊ, ሄዘር በርነር፡ ንጥፍቲ ተጣባቒት ውሑስ መዕቆቢታት

ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ናይ ሓገዝ መስመር ተሌፎን ኣለዎ፣ ኣብ ወርሒ ካብ 60 ክሳብ 100 ተሌፎን ይቕበል። ኣብ ሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክመያየጥ እንከሎ፡ እቲ ብ300 ሚእታዊ ዝዛየድ ግዜ ተሌፎን ተደዊሉ ነይሩ። ጸረ ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ጕጅለታት፡ ሕግታት ውሑስ መዕቆቢታት ኣድላይነት ምቍራጽ ጥንሲ ከምዘወግድ ንነዊሕ እዋን ክምጕቱ ጸኒሖም እዮም፣ እዚ ኣረኣእያ ድማ ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ ተቓሊሑ እዩ።

ናብ ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ዝድውሉ ሰባት፡ ንሓደ ህጻን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ ናይ ምግዳፍ ምኽሪ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ።

እቲ ትካል፡ ወለዲ ነቶም ቈልዑ ንኸየዕብዮ ዝዓግቶም እንታይ ኢሉ ከምዝሓትት ሄዘር ትገልጽ። "መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምኽንያት እቲ ህጻን ዘይኮነስ ኵነታቶም'ዩ። ገዛ የብሎምን ድዮም? ክንክን ህጻናት የድልዮም ድዩ? ቃል ብቓሉ ንሓንቲ ኣደ ናይ ኤሌክትሪክ ሕሳብ ከፊለላ እየ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝቕጽል ነገር ክትጻወሮ ከምእትኽእል ክስምዓ ገይርዋ።"

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ደወልቲ ደቀን ምዕባይ ይቕጽላ። ካልኦት ድማ ብስሩዕ ካልኦት ወለዲ ከም ደቆም ከዕብይዎም ይመርጻ፣ ምናልባት'ውን ነቲ ውላደን እትወስድ ስድራቤት ይመርጻን ምስታ ስድራ’ውን ይራኸባ። ገሊኣተን ግን ዕሸላተን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ "የረክባ" እየን።

እቲ ህጻን

ፖርተር ኦልሰን ምስቶም ዘዕበይዎ ስድራኡን ዘምልኾ ከልቡን ይነብር። ፖርተር ናብ ካምፕ ምኻድ፡ ኣትክልቲ ምክንኻንን መግቢ ምብሳልን ዝፈቱ ወዲ 11 ዓመት ብርቱዕ ቈልዓ እዩ።

ኣብ 2011 ስድራቤት ኦልሰን ካብቲ ዝተመዝገብሉ ትካል ተደዊሉሎም። "ቈልዓ ከምዝተረኸበልና ነጊሮሙና" ይብል ማይክል ኦልሰን። ሽዑ ንበዓልቲ ቤቱ ኒኮል ሰለስተ ቃላት ጥራይ ጽሒፉ "ቤስት ዴይ ኤቨር" – ማለት’ውን ክሳብ ሎሚ እታ ዝበለጸት መዓልቲ።

ኒኮል ኣብ ክፍሊ ትምህር ነይራ። "ንርእሰ መምህረይ ደዊለ፡ 'ብዛዕባ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክፈልጥ ኣለኒ' ኢለያ። ንሳድማ፡ ‘ስለምንታይ፧ ጥንስቲ ዲኺ?’ ኢላትኒ። ኣነ ድማ፡ 'ኣይፋልን ግን ቈልዓ ረኺበ ኣለኹ - ሎሚ!' ኢለያ።"

ፖርተር ኦልሰን ምስቶም ዘዕበይዎ ስድርኡን

ምንጪ ስእሊ, Tim Mansel

መግለጺ ስእሊ, ፖርተር ኦልሰን ምስቶም ዘዕበይዎ ስድራኡን

ኣደ ፖርተር ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ሳንዱቕ ህጻናት እያ ገዲፋቶ ከይዳ። ኣብ ኣሪዞና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ወሲዶም ዘዕብዩ ስድራቤት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ይርከቡ እዮም። ከምኡ’ውን ከም ስድራቤት ኦልሶን፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ህጻኖም ዝፈልጥዎ ነገር ፍጹም ዘይክህሉ ይኽእል።

"እዚ ብሓቂ ኣይተገደስኩሉን - ብሓባር ክንዓቢን ቀስ ብቐስ ክንፈልጦን ኢና ኢለ ጥራይ እየ ሓሲበ" ትብል ኒኮል። ይዅን እምበር፡ እቶም መጻምድቲ፡ ንባዕሉ ንፖርተር ዝያዳ ሓበሬታ እንተሃልይዎ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሰሚዕዎም።

"ስለዚ ሓደ መዓልቲ ኣደይ መርመራ ዲኤንኤ ክትገብረለይ ወሲዳትኒ። ኣነ ዝዀንኩ እንተዀንኩ፡ ንሳ ነዚ ከተብዕሎ እያ" ይብል ፖርተር ነቲ ዛንታ እናቐጸለ። "እቲ መርመራ ጌርና፡ እቲ ሓኪም ድማ 'እንቋዕ ሓጐሰካ! ኵሉ ከተብዕል ኢኻ!' ኢሉኒ። ኣነ ኣውሮጳዊ፡ ደቀባት ኣሜሪካዊ፡ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃዊን ምብራቕ ኤስያዊን እየ።"

ፖርተር ብዛዕባ ናይ ብሓቂ ወለዱ ዝያዳ ንኽፈልጥ ዝኽእለሉ ኣገባብ የለን። ስለዚ ድማ እዮም ገለ ብስድራቤት ዝዓበዩ ደለይቲ ፍትሒ ንሕግታት ውሑስ መዕቆቢ ዘይቅበሉ። ኣንስታዊ ምሁራት’ውን ብመጀመርታ ምጥንጣን ሕጻን ከገድድ ዝኽእል ማሕበረ-ቁጠባዊ በደላት ምፍታሕ ብዘይምኽኣለን ነቒፈንኦ እየን።

ሓንቲ ሰበይቲ ንውላዳ ንዘልኣለም ክትህብ ዝነበራ ውሳነ ካልኣይ ግዜ እንተሓሰበትሉኸ እንታይ ይኸውን?

"ገለ ግዝኣታት ብርግጽ እታ ኣደ ነቲ ቘልዓ ክትመልሶ እትፍትነሉ ዝተቐመጠ እዋን ኣለወን" ትብል ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማሪኮፓ ኬት ሎውደንስላገል።

"ኣብዚ ኣሪዞና ግን ሓሳበን ንዝቕይራ ኣደታት ኣማራጺ የብልናን። እቲ ቈልዓ ምግዳፈን ንባዕሉ ከም ምሕዳግ እዩ ዝቝጸር። ሓደ ኣቦ፡ ኣቦ እቲ ቈልዓ እየ ኢሉ እንተኣሚኑ ኣቦነቱ ክፍለጥ ኣብ ምዝገባ ኣቦታት ከፍልጥ 30 መዓልታት ኣለዎ።"

ንሚሸል እንታይ ኣጋጠማ?

"ገጻ ካብ ርእሰይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን" ትብል ሕጂ ብዛዕባ እታ ንኣለይቲ ዘረከበታ ህጻን።

ሚሸል ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ደዊላ። ሄዘር በርነር ነዛ ዝተጨነቐት መንእሰይ ኣደ ክትጣበቕ ጀሚራ።

"ኣዝያ ዕድለኛ እያ" ትብል ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ። እቶም ነታ ህጻን ዝከናኸኑ መጻምድቲ ክመልሱላ ተሰማሚዖም። ሚሸል ድሕሪ 33 መዓልቲ ውላዳ ተመሊሳትላ።

ውላዳ ዳግማይ ምርኣያ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ስምዒት እዩ ነይሩ ትብል ሚሸል። እቶም መጻምድቲ እንተዝኣብዩ ሚሸል ኣብ ቤት ፍርዲ ክትቃለስ ምተገደደት።

ሚሸል፡ ምናልባት ጽቡቕ ስለ ዝረኸበት ምስ ቢቢሲ ብምዝርራባ ተሓጒሳ እያ። እተን ውላደን ዳግማይ ክርእያ ዘይክኣላ ኣሽሓት ኣደታትከ እንታይ ይዀና?

ምናልባት እዚ ንዓኣታተን እቲ ዝበለጸ ወይ እንኮ ኣማራጺ ነይሩ። ኣይንፈልጥን ኢና፡ ምኽንያቱ ዛንታታተን ብግልጺ ዘካፈላ ዳርጋ የለዋን።