ከኒና ምንጻል ጥንሲ፡ ሓድሽ ግንባር ንመሰል ምንጻል

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣቁሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ቅድሚ ምቍራጹ፡ ብዙሓት ነቲ ውሳነ ኣብ ደገ ኰይኖም ይጽበዩ ነይሮም። ካብዚኣቶም እታ ቐንዲ ክሪስታን ሃውኪንስ እያ።

ሚስ ሃውኪንስ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ነቶም እኩባት ብመጕልሒ ድምጺ ኣንቢባትሎም፡ "እቲ ቅዋም መሰል ምንጻል ጥንሲ ፈሪሱ" በለት።

እቲ ውሳነ፡ ንምንቅስቓስ ጸረ ምንጻል ጥንሲ፡ ናይ ወለዶታት ዓወት እዩ ነይሩ። ንሚስ ሃውኪንስ ግን ገና መበገሲ ጥራይ እዩ።

ጕጅለ ሚስ ሃውኪንስ Students for Life of America' (ተማሃሮ ንህይወት ኣሜሪካ) ዝበሃል ማሕበር ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ ማሕበራት ጸረ ምንጻል ጥንሲ እዩ።

ንሳ ንቢቢሲ፡ "ውድብና ድሕሪ ሮይ እዩ ከም ማሕበር ተመስሪቱ" ክትብል ገሊጻ። 'ድሕሪ ሮይ' ክትብል እንከላ ነቲ ኣብ ሰነ 1973 ኣብ ምሉእ ኣሜሪካ ንደቂ ኣንስትዮ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዘረጋገጸ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማለታ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ መሰል ምፍራሱ እተን ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ናይ ባዕለን ውሳነ ክውስና ዝፈቅድ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሚስ ሃውኪንስ ናይ መወዳእታ ሸቶ መገዲ ዝጸረገ ኰይኑ'ሎ።

ከምዚ ድማ ትብል፡ "ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ ኵለን ግዝኣታት ንምንጻል ጥንሲ ዘይርከብን ዘይሕሰብን ንምግባር ክግስግሳ ኢና ንደሊ፡" ትብል።

ሕጂ ሚስ ሃውኪንሰን ደገፍታን ኣብ ቅድሚኦም ሓድሽ ዕላማ ሒዞም ኣለው፤ እዚ ኸኣ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት እዩ።

መሰል ምንጻል ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ዘለዋ መዓልትታት፡ ጠለብ እቲ መድሃኒት ኣዝዩ እናነሃረ ይርከብ። እዚ ነቲ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ግንባር ከፊትሉ ኣሎ።

ሓዱሽ ግንባር ዝፈጠረ ክኒና ምንጻል ጥንሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA) ነቲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2000 እዩ ተቐቢልዎ። እዚ ክልተ ከኒና ዘለዎ ኣገባብ፡ 10 ሰሙን ኣብ ዘይሓለፎ ጥንሲ ምጥቃም ይካኣል። እቲ ቐዳማይ መድሃኒት ነቲ ጥንሲ ዘቋርጽ ኾይኑ እንቲ ኻልኣይ ድማ ንማሕጸን ጥርሑ ኽኸውን ይገበር። ኽልቲኡ ከኒና ካልኦት ሕማማት'ውን ንምሕካም የገልገል እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ብድፍኢት መድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ፡ እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልሙድ ዝኾነ ሜላ ምቁራጽ ጥንሲ እዩ።

ካብ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ኣማራጺ ዝሓሰረን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ተመራጺ ሜላ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ እዚ ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ 95 ሚእታዊ ውጽኢታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕረ ክትትል ዘድልየሉ ግዜ ካብ 1 ሚእታዊ ኣይዛይድን።

እንተዀነ እቶም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝቃለሱ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ እቲ "ከሚካላዊ ምንጻል ጥንሲ" ዝብልዎ ሜላ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነን ሓደገኛን ምዃኑ ይገልጹ።

"እዚ መድሃኒት እዚ ጕድኣት መኻንነትን ሞትን የስዕብ እዩ፡" ትብል ሚስ ሃውኪንስ። “ነፍሲ ወከፍ ምንጻል ጥንሲ ሓደ ህይወት ይቐትል፣ ኰይኑ ግን ኬሚካላዊ ምንጻል ጥንሲ ክልተ ህይወት እዩ ከጥፍእ፣ ንሳቶም ከኣ [እቶም ምርጫ ዘለዉ] ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቀረባ መዓልትታት ሓደሓደ ግዜ ምግሳስ ወይ ምስ ቀረባ ዘመዳ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምንጻል ጥንሲ እንተ ወሓደ ኣብ 10 ግዝኣታት ተኸልኪሉ እዩ።

ይዅን እምበር እገዳታት ስለ ዝተኣታተወን ክሊኒካታት ምንጻል ጥንሲ ስለ ዝተዓጸዋን ጠለብ እቲ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ዳርጋ ብዕጽፊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ 'ፕላን ሲ' ዝበሃል ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ጕጅለ፡ ኣብ ሓንቲ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ኣብ ወብ ሳይቱ 311,000 በጻሕቲ ነይርዎ።

መስራቲ እቲ ጕጅለ ዝኾነት ኤሚ መሪል፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብገምጋም ብ 50,000 በጻሕቲ ከምዝዛይድ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"እቲ ደረት ዝተሰብረ እዩ ዝመስል፡" ኢላ።

እቶም ምርጫ ዝድግፉ ተጣበቕቲ እቲ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ኣብተን እቲ መስርሕ ዝተኸልከለለን ግዝኣታት ንዝርከባ ደቀንስትዮ መድሕን ህይወት ከም ዝኸውን ይገልጹ።

ከኒና ምንጻል ጥንሲ፡ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ኣብ ዝኾነሉ ግዝኣት ንዝርከብ ሰብ ጥራይ እዩ ክእዘዝ ዘለዎ። እንተዀነ እቶም ምርጫ ዝድግፉ ጕጅለታት ኣብተን እገዳ ዝገበራ ግዝኣታት ዝሰርሕሉ ኣካይዳ ኣማዕቢሎም እዮም።

ገሊኣቶም ተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ናብ ዶባት እተን ንምንጻል ጥንሲ ዝኣገዳ ግዝኣታት ይልእኩ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብተን ንምንጻል ጥንሲ ዝእግዳ ግዝኣታት ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከኒና ንምልኣኽ መደብ የዳልዉ ኣለዉ። ሓንቲ ካብዘን ጕጅለታት እዚኣተን "ንምንጻል ጥንሲ ከሕግዝ እየ" ዝብል ማልያታት ሸይጣ እያ።

"ዝዀነ ይዅን እገዳ ይሃልወና ብዘየገድስ እቲ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ከኒና ብጶስጣ ኣብ ኵለን 50 ግዝኣታት ጋህዲ ኰይኑ ክቕጽል እዩ ኢልና ኢና እንኣምን፡” ትብል ሚስ ሜሪል።

መብዛሕትኦም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝቃለሱ ተጣበቕቲ እቶም ንምንጻል ጥንሲ ዘዳልዉ እምበር እተን ኣደታት ባዕለን ክቕጽዓ ኣይደልዩን እዮም።

ኣባል 'ናሽናል ራይት ቱ ላይፍስ' ዝኾነ ካሮል ቶቢያስ "ደድሕሪ እቶም ንምንጻል ጥንሲ ዘዳልዉ ሰባት ኢና እንኸይድ" በለ። "ነቲ ከኒና መን ከምዘቕርቦ ክፈልጥ ይደሊ እየ፡" ይብል።

ጸረ ምንጻል ጥንሲ ወፍሪ ዘካይዱ ጉጅለታት ብክኒና ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ኬሚካል ምንጻል ጥንሲ ከምዝኾነ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንተዀነ ሓንቲ ሰብ ካብ ግዝኣታ ወይ ካብ ሃገራ ወጻኢ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ እንተ ረኺባ ክቐጻዕ ዘለዎ መን እዩ?

ደሞክራስያዊ መርሓ ዘኽተላ ግዝኣታት ድሮ ክሕግዛ ጀሚረን ኣለዋ። ካሊፎርንያ፡ ኒው ዮርክ ከምኡ'ውን ኮኔክቲከት ኣብ ቀያዲ ግዝኣታት ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ንኽፍጽማ ንዝሓገዙ ሓኻይም ዑቑባ ብምሃብ ካብ መቕጻዕቲ ይከላኸሉሎም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ቐንዲ መዳለውቲ ምንጻል ጥንሲ ዝኾነ ኤድ ኣክሰስ ከኣ ኣብ ኣውሮጳ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ፡ ብሕጊ ኣሜሪካ ዝግዛእ ኣይኮነን።

ኰይኑ ግና ተጣበቕቲ ምርጫ እቶም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት እገዳታቶም ብሰፊሑ ከም ዘጸጽሙ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ዳይረክተር ምርምር ናራል ፕሮ-ቾይስ ኣመሪካ ዲና ሞንቴማራኖ፡ "ንዝዀነ ይዅን ንምንጻል ጥንሲ ዝከናኸን ሰብ 'ዝሕግዝን ዝጥሕስን' ብገበን ብዛዕባ ምቕጻዕ ይዛረቡ ኣለዉ" ትብል። "እቲ ካብ ግዝኣት ወጻኢ ምንጻል ጥንሲ ንኽፍጽሙ ኢሉ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወስዶም መራሕ ማኪና ኡበር ድዩ? እቲ ንምህዳም ዝሕግዞም ዓርኮም ድዩ?"

“ነዛ ሕቶ እዚኣ ዕሽሽ ይብልዋ ኣለዉ፡" ኢላ።

ብግዝኣታት ዝፍጸም እገዳታት ከኒና ምንጻል ጥንሲ እውን፡ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ዓርቢ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንጸሓፊ ጥዕናኡ "ብከኒና ንዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ ክከላኸል" ዝእዝዝ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣውጺኡ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ሜሪክ ጋርላንድ ግዝኣታት ነቲ ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA) ዘጽደቘ መድሃኒት ክእግዳ ከምዘይክእላ ገሊጹ ነይሩ።

ክሪስታን ሃውኪንስ ምንጻል ጥንሲ 'ዘይሕሰብ' ክኸውን እያ ትደሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚስ ሃውኪንስ፡ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ሓደገኛ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካን (FDA) ባይደንን ነቲ ከኒና ዘርኣይዎ ሓገዝ "ምሉእ ብምሉእ ግብዝና ዝመልኦ" ክትብል ገሊጻቶ።

ጀንባዮፕሮ ዝተበሃለ ነቲ ክኒና ዝሸይጥ ኩባንያ፡ ነቲ ሚሲሲፒ ኣብ ልዕሊ እቲ መድሃኒት ዘለዋ ቀይድታት ድሮ ተቓዊሙ እዩ። ምኽንያቱ ፈደራላዊ ሕጊ ናይታ ግዝኣት፡ ሕጊ እገዳ ይቕይሮ እዩ ዝብል እዩ።

"እዚ መፈጸምታ ኣይኰነን " ትብል ሚስ ሜሪል። ወሲኻ እውን “ተስፋ እንተሃልዩኒ እዚ ኵነታት እዚ ዝቀያየር እዩ" ኢላ።

ምርጫ ዝድግፉ ወፍርታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images