ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣቋሪጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ን50 ዓመታት ዝጸንሐ ውሳነ ሮይ ቪ ዋይድ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክስእና እየን።
እቲ ብይን፡ ግዝኣታት’ታ ሃገር ነቲ ኣገባብ ንኽእግዳ መንገዲ ዝኸፍት እዩ።
ፍርቀን፡ ሓደስቲ ገደባት ወይ እገዳታት ከተኣታትያ ትጽቢት ይግበር።
13 ድማ፡ ድሮ ንጥንሲ ምንጻል ብቐጥታ ካብ ሕጊወጻኢ ንምግባር ‘ትሪገር’ ዝበሃሉ ሕግታት ኣጽዲቐን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ዘሕዝን ጌጋ" ክብል ብምግላጽ፡ ግዝኣታት ነቲ ኣገባብ ዘፍቅድ ሕጊ ከውጽኣ ኣተሓሳሲቡ።
ነዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዒቡ፡ ንኣስታት 36 ሚልዮን ኣብ ዕድመ ወሊድ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክቋረጽ ዝገብር ዘሎ ምዃኑ፡ አገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ዝህብ ሓደ ትካል ጥዕና ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።
ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ቤትፍርዲ ተኣኪቦም ነይሮም፡ ፖሊስ ድማ ኣብ ክልተ ፈልዮም፡ ኣብ መንጎኦም ጠጠው ኢሎም ተራእዮም።
ሓንቲ ተቓላሲት ኣንጻር-ምንጻል-ጥንሲ፡ ነቲ ውሳነ ብምንኣድ "ተሓጒሰ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
"እዚ ሕጊ እታ ሃገር ምግባር ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ንህይወት ዝድግፍ ክኸውን ንምግባር፡ ብተግባር ምንጻል ጥንሲ ዘይሕሰብ ምግባር'ዩ" ትብል።
ኣብ ስግር እቲ ምፍልላይ፡ ደገፍቲ ምርጫ ምንጻል ጥንሲ ድማ፡ ነቲ ውሳነ "ዘይሕጋዊ"፡ ከምኡ’ውን "ፋሽሽትነት" ክብሉ ነቒፎሞ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሳማንታ ግራንቪል፡ኣብ ግዝኣት ኣርካንሳስ ካብ ዝርከብ ናይ ምንጻል ጥንሲ ክሊኒክ ‘ሊትል ሮክ’ ኰይና ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ብይን ኣብ ዝተለጠፈሉ እዋን፡ ማዕጾታት ክፍሊ ሕሙማት ተዓጽዮም፡ ቅድሚ ክትወጽእ ምሕታታ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ድምጺ ብኽያት ክስማዕ ከምዝከኣለ ገሊጻ።
ግዝኣት ኣርካንሳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ትሪገር ሕጊ [ማለት እውን እቲ ውሳነ’ቲ ቤት ፍርዲ ብቐጥታ ተግባራዊ ዝኾነሉ ኣገባብ] እግዛእ እያ።
እቲ ኣብ 1973 ዝጸደቐ፡ ሕጊ ‘ሮይ ቪ ዋይድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጉዳይ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሸውዓተ ንክልተ ድምጺ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጥንሳ ናይምቁራጽ መሰል ብሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝተሓለወ ውሳነ ሂቡ ነይሩ።
እቲ ውሳነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሰን ናይ ምንጻል ጥንሲ ፍጹም መሰል ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ግን ውሱን ገደብ ይገበር፡ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ድማ ፍጹም ክልከላ ክግበርፈቒዱ ነይሩ።
ካብ ኡንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ግን፡ ኣንጻር-ምንጻል ጥንሲ ዝኾኑ ውሳኔታት በብቑሩብ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ግዝኣታት፡ እቲ ሕጊ እናተሸርሸረ እዮዩ መጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ኣኼባ፡ ድሕሪ 15 ሰሙናት ሚሲሲፒ ንእገዳ ምንጻል ጥንሲ ዝፈታተን ጉዳይ ዶብስን ትካል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ጃክሰንን፡ ክምርምር እዩ ጸኒሑ።
እቲ ዓቃባውያን ዝበዝሑዎ ቤት ፍርዲ፡ ንመንግስቲ ዝድግፍ ውሳነ ብምሃብ፡ ነቲ ቅዋማዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ብኣድማዒ መንገዲ ኣቋሪጽዎ።
ሓሙሽተ ዳያኑ ብጽኑዕ ደጊፎምዎ፡ ሳሙኤል ኣሊቶ፡ ክላረንስ ቶማስ፡ ኒል ጎርሱች፡ ብሬት ካቫኖን ኤሚ ኮኒ ባሬትን።
ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ፡ ንእገዳ ሚሲሲፒ ክድግፍ እንከሎ፡ ‘ካብዚ ንላዕሊ ክስጉም ኣይደልን’ ክብል ፍሉይ ርእይቶ ጽሒፉ።
እቶም ምስ ዝበዝሑ ዘይተሰማምዑ ሰለስተ ዳያኑ - ስቲቨን ብሬየር፡ ሶንያ ሶቶማዮርን ኤሌና ካጋንን - " - ነዚ ቤት ፍርዲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ነተን ሎሚ መሰረታዊ ቅዋማዊ ሓለዋ ዝሰኣና ብዙሓት ሚልዮናት ኣመሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘሕዝን" ክብሉ ጽሒፎም።
እዚ ናይ ሎሚ ዓርቢ ውሳነ፡ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ቅድመ-ኩነት ብጅምላ ምግልባጥ - ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ስጉምቲ - ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ዝኸፋፍሉ ፖለቲካዊ ውግኣት ከጣይሽ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብተን ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ርእይቶታት ብቐረባ ዝተመቓቐለለን ግዝኣታት - ከም ፔንስልቨንያ፡ ሚቺጋንን ዊስኮንሲንን - ሕጋውነት ናይቲ ኣገባብ ብመረጻ ምርጫ ክውሰን ይኽእል እዩ።
ኣብ ካልኦት ድማ፡ እቲ ውሳነ፡ ውልቀሰባት ብምንጻል ጥንሲ ካብ ግዝኣት ወጻኢ ክኸዱ ድዮም ወይስ ብኣገልግሎት ፖስታ ኣቢሎም መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ክእዝዙ ይኽእሉ ድዮም ዝብሉ ጉዳያት ሓዊስካ፡ ሓድሽ ዙርያ ሕጋዊ ክትዓት ከንቅል ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምኹናን፡ ኣብተን ዝተኣገደለን ግዝኣታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ናብተን ዘይተኣገደለን ክገሻ ሓቢሩ።
ካሊፎርንያ፣ ኒው ሜክሲኮን ሚቺጋንን ሓዊሱ ዲሞክራስያውያን ኣመሓደርቲ ሓያሎ ግዝኣታት ድሮ መሰላት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ውሽጢ ቅዋሞም ንምስፋር መደብ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







