መዓልቲ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥመን ጸገማት

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሰባት ከይፈርዱኒ ወይ ከይብሉኒ ብስግኣት ጥንሲ ኣብ ዝንጽላሉ እዋን ንብሕታውነት ይቃልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC

ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ'ዶ ክኸውን ኣለዎ? ክሳብ ሕጂ ዓለም ዘካትዕ ዘሎ ሕቶ'ዩ።

ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ቴክሳስ፡ ካብዚ ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሽዱሽተ ሰሙናት ዝሓለፎ ጥንሲ ምንጻል ሕጋዊ ኣይኸውንን ዝብል ሕጊ ኣጽዲቓ ኣላ።

ብኻልእ ወገን ሜክሲኮ ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኮዊላ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ገይራ እያ።

ፕሬዝደንትን ኣባል ቦርድን ኢፓስ ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ማእኸሉ ዝገበረ ጉጅለ መሰላት ምርባሕ ኣኑ ኩማር "ምንጻል ጥንሲ ወትሩ ሓደገኛ'ዩ" ትብል።

እንተኾነ ሕጂ ብዙሓት ነገራት ኣብ ትኽክለኛ መገዲ'ዮም ዘለው ብምባል "ካብ 1994 ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሃገራት ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ገይረን'የን" ኢላ።

ኣብዚ ዙርያ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ክትዕ ምንጻል ጥንሲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፍኦ ጉዳያት ብሚስጢር'የን ዝሕዝኦ።

ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ'ዩ። ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ኣብ ዝንጽላሉ ግዜ ዘጋጠመን ንቢቢሲ ኣካፊለን ኣለዋ።

እዘን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ታሪኸን ዘካፈላ ደቂ ኣንስትዮ ንስለ ድሕነተን ሽመን ክቕየር ተገይሩ'ዩ።

Short presentational grey line

'ሽዓ . . . ኣቦ ወደይ ክኸውን ከም ዘይደልዮ ፈሊጠ' ሳንድራ ባንግኮክ

ሳንድራ፡ ናይ ሸሞንተ ሰሙናት [ክልተ ወርሕን ክልተ ቕነን] ድቂ ምስ ሓዘት'ያ ሰብነታ ይቀያየር ምህላው ፈሊጣ።

ተመርሚራ፤ ድቂ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።

"ሽዑ'የ፡ እቲ ዝጠነስኩሉ ሰብ ኣቦ ወደይ ክኸውን ከም ዘይደልዮ ፈሊጠ። ናይ 'ጾታዊ ርክብ መሓዛይ' እዩ ነይሩ፤ ኣነ'ውን ንቕድመይ ብዙሕ ክኸዶ ዝደሊ ርሕቐት ነይሩ" ትብል።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ታይላንዳ 'ታምታንግ' ዝተባህለ ብዛዕባ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ ዝርከበሉ ኣገባብ ሓበሬታ ዝህብ ጉጅለ ከም ዘሎ ፈሊጣ።

ሓግዙኒ ኢላቶም።

"እቲ ክሊኒክ ረኺበዮ፤ ግን ቅድሚ እታ ጥንሲ ዝንጽለላ መዓልቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ጭንቂ ተሰሚዑኒ"።

ክሳብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ታይላንድ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ካብ ቀረባ ዘመድ ዘጋጠመ እንተኾይኑ ከምኡ'ውን ጥዕና እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ እንተሃልዩ ጥራይ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣይኮነን።

ሳንድራ፡ ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ እናሃለወ እያ ብ2019 ወሲና።

"ጾታዊ ዓመጽ'ዩ በጺሑኒ'ዶ ክብሎም ዋላስ ከዕብዮ ኣይኽእልን ኢለ መሽከንከን ክብል ብዝብል ሓሳባት ተወጢረ ነይረ። ኣብ ርእሰይ ብዙሕ ሓሳባት ይመላለስ ነይሩ" ትብል።

ሓደ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥማ ዝነበረ "ጸቕጢ ኣእምሮ" ዝገልጽ መሕትት መሊኣ።

ጓል 27 ዓመት ምዃናን እኹል እቶት ከም እትረክብን እንተተፈሊጡ ነዚ ውሳንኣ ከበርዕኖ ይኸውን'ዶ ብዝብል ትሻቐል።

"በይነይ ስለ ዝነበርኩ፡ ኩሉ ሰብ ዝፈርደኒ ዘሎ ይመስለኒ ነይሩ። ኣብ ባህልና ምስ ምንጻል ጥንሲ ተተሓሒዙ ብዙሓት እምነታት ስለ ዘለው ንመሓዙተይ'ውን ኣይነገርኹወንን። ካልእ ይትረፍ ጓል ኣንስተይቲ ጥንሲ እንተነጺላ ዝተረፈ ዕድሚኣ መንፈስ ዝኾነ ቖልዓ ሓዚላ'ያ ትነብር ዝብል ብቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ መደብ ኣሎ" ትብል።

ስእሊ በይና ኣብ መሬት ከፍ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ እዋን ናብቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ክፍሊ ክትጽዋዕ እንከላ እቲ ጭንቅታት ፍኹስ ኢሉዋ።

"ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ተወዲኡ፤ ቁሩብ ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባር ናብ ስራሕ ከይደ። ንነብሰይ ጸገም የብሉን ኢለ ከጸናንዓ ይፍትን ነይረ። ግን ድማ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወሃቡ ርኢይቶታት ይርበሽ" ኢላ።

እንተኾነ ሓደ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰብነተን ዝምልከት ድላይ ክውስና ሙሉእ መሰል ክረኽባ'የን ዝብል ተስፋ ኣለኒ ዝበለት ሳንድራ፡ "ዋላ'ውን እቲ ሕግታት እንተፎኸሰ ሕጂ'ውን ቖሪኑ ዝሕዘና ብዙሕ ምጥቑቛም ኣሎ" ትብል።

'ብዛዕባ ዝሓለፍናዮ ምንጻል ጥንሲ ክንዛረብ እንከላ ሕብረተሰብና ክጥንክር'ዩ' ኢሪን

ኢሪን፡ ጓል 28 ዓመት ኮይና ንፈለማ እዋን ጥንሲ ክትንጽል እንከላ፡ ኣብ ቀረባ ዝገበረቶ ድማ ጓል 35 ዓመት ምስ ኮነት'ዩ።

'ብዙሕ' ጥንሲ ምንጻል ኣነ ጥራይ ዝገብሮ ዘይተለመደ ነገር ይመስለኒ ነይሩ። ይኹን'ምበር ተሓላቒት ምንጻል ጥንሲ ኮይነ ምስራሕ ምስ ጀመርኩ ብዙሕ ጥንሲ ምንጻል ልሙድ ምዃኑ ተማሂረ" ትብል።

ኣብ ኣመሪካ'ያ ትነብር። ክሳብ ሕጂ ግን እዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓንካሉ ወይ ዝሓፍራሉ ከም ዝኾነ ትዛረብ።

"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምውጋዕ መሕፈሪ'ዩ- ዋላ'ውን ኣብቲ ሰጓማይ ወይ ናጻ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ዝብሃሉ ጉጅለታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ። እዚ ኣብ ቐረባ ክልወጥ ተስፋ ይገብር" ኢላ።

ኢሪን፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከብ 'Shout Your Abortion' ዝተባህለ ትካል እያ ትሰርሕ።

እዚ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈቶ ተሞክሮ ዓው ኢላ ክትዛረብ ከም ዝሓገዛ ትዛረብ።

"ኣብዚ ምስራሕ ምስ ጀመርኩ ንዓይ ዓብዪ መቐይሮ ነይሩ፤ 'ምንጻል ጥንሲ' ዝብል ቃል'ውን እየ ካብ ኣፈይ ከውጽኦ ዘይኽእል ነይረ። ሕጂ ብግልጽነት ፍኹስ ኢሉኒ'የ ዘውግዕ" ኢላ።

ስእሊ ተምላስ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ምንጻል ጥንሲ ዘይቕበል ማሕበረሰብ'ያ ዓብያ።

"ጥንሲ ክንጽል እንከለኹ ሓፊረን ተሸማቒቐን ስለ ዝነበርኩ ንስድራይ ኮነ ንመሓዙተይ ኣይተዛረብኹን። ብፍላይ መጀመርታ ምስ ነጸልኩ ድሕሪኡ ሓገዝ ክሓትት ኣይክኣልኩን"።

ኢሪን፡ ወርሓዊ ጽግያት ጠጠው ምስ ኣበለ ድቂ ከም ዝሓዘት ንምፍላጥ ኣይተጸገመትን። ንምንጻል ንምውሳን'ውን ከምኡ።

"ኣደ ክኸውን ኣይደልን፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ቖልዓ ከዕቢ ኣይደልን" ትብል።

ወሲኻ፡ "ምንጻል ጥንሲ ዳርጋ ንኹሉ ኣጸጋሚ ከምኡ'ውን ቁስላዊ ውሳነ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ጎስጓሳት መሰላት ምርባሕ ብዙሕ ጉድኣት ኣስዒቡ'ዩ" ብምባል ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ብሕታውነትን ከም ዝስዕር ተረድእ።

ይኹን'ምበር፡ "መብዛሕትና ዘለና ተሞኩሮ ምንጻል ጥንሲ ክንዛረብ እንከለና ሕብረተሰብና እናጠንከረ፡ እቲ ዝስዕብ ምሽምቓቓት ድማ እናሃሰሰ'ዩ ዝኸይድ። ብኸምዚ ኢና ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ እንኽእል" ኢላ።

'ሕፍረት ካብ ሕብረተሰብ ተነጽሎ ክስምዓኒ ገይሩ' - ኢንዱ

"ጓል 31 ዓመት ነይረ፤ ቴሌፎነይ ጠፊኣ ሓድሽ ክዕድግ ምስ ወጻእኹ ዝርብሽ ስምዒት ተሰሚዑኒ። ሽዑ እቲ መጻምደይ መርመራ ጥንሲ ግበሪ ኢሉኒ" ትብል ኢንዱ።

ጥንስቲ ምዃና ፈሊጣ፤ ክትንጽሎ ምዃና'ውን ርዱእ ነይሩ።

"ብሞያ ኪነ ጥበብ ገና ስራሕ ዝጀመርኩሉ ግዜ'ዩ፤ መጻምደይ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ነይሩ"።

ናብ ክኢላ ማህጸን ብምኻድ ከኒና ተጠቒማ 'ብቐሊሉ' ክተወግዶ ከም ዝኽኣለት ትዛረብ።

እቲ ዝኸብድ ድሕሪኡ ዝጽዓዐነካ ስምዒታትን ስክፍታታትን'ዩ።

"ብምኽንያት እቲ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ምሽቑራር፡ ናተይ ከቢድ ሚስጢር ነይሩ። እዚ ከኣ ስምዒት ማሕበራዊ ተነጽሎ ክሓድረኒ ገይሩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመኒ መድመይቲ'ውን ኣፍሪሑኒ። ብዙሕ በኽየ" ትብል።

ኣብ ህንዲ ምንጻል ጥንሲ ካብ እትሓንከሎም ጉዳያት ሓደ'ዩ።

ኢንዱ ዋላ'ውን ምስ መጻምዳ ተሰማሚዖም ዝወሰኑዎ እንተኾነ "ብኣካላውን ስነ ልቦናውን መዳይ ንብሕተይ ይገጥሞ ምንባረይ ግን ኣሕሪቑኒ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ጭንቀት መዐገሲ መድሃኒት ክወስድ ጀሚረ" ኢላ።

እዚ ነቲ ምስ መጻምዳ ዝነበራ ፍቕራዊ ርክባት ከም ዝጸለዎ ትዛረብ። ንነዊሕ እዋን እውን ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትሰግእ ነይራ።

"ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ብግልጽነት ዝዛረበሉ ዕድል እንተዝረክብ ነይረ ህይወተይ ካልእ ምመሰለ ነይሩ ኢለ ይግምት" ትብል።

ንኢንዱ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዝነበረ ግዜያት ከቢድ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንኢንዱ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዝነበረ ግዜያት ከቢድ ነይሩ

'ምንጻል ጥንሲ ከም ሓጥያት'ዩ ዝቑጸር' - ጆሲሊን

ጆሲሊን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሐ ካልኣይ ውላድ ተገላጊላ።

"መጀመርታ፡ ኣብ ከባቢ ኣጥባተይ ምርሃጽ፣ ናይ መግቢ ሸውሃት ምስኣንን ድኻምን ዝበሉ ምልክታት ተራእዮምኒ" ትብል።

በዚ ከም ዝጠነሰት ስለ ዝፈለጠት ክትንጽሎ ወሲና።

"ኣብዚ ኩነታት ጥዕና ውላደይ ቀዳምነት ዝሃብኩዎ ጉዳይ'ዩ። ፈሪሐ ነይረ፤ ግን ድማ በዓል ቤተይ ኣተባቢዑኒ ክሓልፎ ክኢለ"።

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ክትዓቢ እንከላ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ክውጋዕ ሰሚዓ ኣይትፈልጥን።

"ኣብዚ ዓዲ ከም ሓጢኣት ስለ ዝቑጸር ከም ዓብዪ ሚስጢር'ዩ ዝትሓዝ። ሰባት እንተሰሚዖም ግን፡ እታ ጥንሲ ዝነጸለት ጓል ኣንስተይቲ ሰብ ንከይረኽባ ትሕባእ" ኢላ።

እዚ ኣገባብ ብበዓል ሞያ ሕክምና ክውገን ከም ዘለዎ ትኣምን።

"ውሳነይ ስለ ዘይተቐበሎ [ዶክተር] ብዙሕ ማዕዳ ለጊሱለይ፤ ኣነ ግን ተማሒጺነዮ" ዝበለት ጆሲሊን ኩሉ ብሚስጢር ንክትሓዘላ ኣብ ገዝኣ ክውገን ትውስን።

ስእሊ ነፍሰ ጾር ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ስለ ዘይፈልጥ ብጣዕሚ ፈሪሐ። እቶም ነርሳት ሓጊዞምኒ ኩሉ ምስ ተዛዘመ ዕረፍቲ ተሰሚዑኒ" ኢላ።

ጆሲሊን ጓል 31 ዓመት እናሃለወት'ያ ጥንሲ ነጺላ።

"ካልእ ጥንሲ ከየጓንፍ መከላኸሊ ይወስድ ኣለኹ፤ እቲ ዝሓለፍኹዎ ዳግም ንከየጋጥም ዓርሰ እምነት ኮይኑኒ ኣሎ" ትብል።

መግለጺ ቪድዮ, “መገዛእ ሰብነትና መንግስቲ እንታይ ገደሶ” ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ

'ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ክኾና'የ ዝብል ሕልሚ ኣለኒ' - ማሪያ

ማሪያ* ጥንሲ ክትንጽል ኣብ ቅድሚት ዶክተር ከፍ ምስ በለ ሓደ ነገር ንርእሳ ከንኪኑዋ።

'ምንጻል ጥንሲ ቕትለት ነፍሲ ክዘርእ ዝጀመረ ፍጡር'ዩ' ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዛ ስለ ዝዓበየት፡ ማሪያ ጓል 35 ዓመት ምስ ኮነት ጥንሲ ክትንጽል ግድን ኮይኑ።

"ሽዑ እቲ ዶክተር ኩሉ ነገር ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ሕማማት ዝወሃብ ሕክምና'ዩ ኢላ ስለ ዘረድአትኒ ብዙሕ ነገራት ተቐይሩ። ኣይገሰጸትን፣ ሓላፍነት ዘይስምዓ ሰብ ኣይበለትንን። ግን ድማ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ምሽምቓቕ ተረዲአ" ትብል።

ማሪያ፡ ንስድራቤታ'ኳ እንተዘይተዛረበት መጻምዳ ግን ኣብ ጎና ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማሪያ፡ ንስድራቤታ'ኳ እንተዘይተዛረበት መጻምዳ ግን ኣብ ጎና ነይሩ

ኣብ ሜክሲኮ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ እንተኾነ'ውን ውሑስ መገዲ ክትረክብ ግን ኣጸጋሚ'ዩ ትብል።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ሕክምና ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ንሳ ግን ብዙሕ ሰብ ክፈልጥ ስለ ዘይደለየት ናብ መንግስታዊ ትካላት ከይዳ።

"ስድራይ ብዛዕባ እዚ ኣይፈልጡን፤ እንታይ ከም ዝብሉ'ውን ኣይፈልጥን . . . ግን ድማ ንኣደይ ሓዊሱ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ርግጸኛ'የ" ኢላ።

ንኡሽቶ ሓፍታ፡ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ምስ ጠነሰት ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምስ ስድራቤት ክውጋዕ ከም ዝጀመረ ትዝክር።

"ሽዑ ኣዝዮም ሓሪቖም ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኣልዒለዮ ኣይፈልጥን"።

ንርእሳ፡ ጥንሲ ክትንጽል ክትውስን እንከላ ተጨኒቓ ስለ ዝነበረት ንበዓል ቤታ ሒዛ'ያ ናብ ሕክምና ከይዳ።

"30 ደቒቕ ወይ ትሒቱ'ዩ ዝወስድ። ንዘልኣለም ዓብዪ ጸገም መሲሉ ዝስምዓኒ ዝነበረ ነገር ኣብ ዝሓጸረ ሰዓት ተቐሪፉ ክርእዮ እንከሎ ንዓይ ንክኣምኖ ከቢድ ነይሩ" ትብል።

ሕጂ ጓል 38 ዓመት'ያ። ቖልዓ ይደሊ ድየ ኣይደልን ብዛዕባ ዝብል ግን ርግጸኛ ኣይኮነትን።

"ኣብዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ዓለም ኣቦን ኣደን ምዃን እንታይ'ዩ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ ኣነን በዓል ቤተይን ይትረፈና ኢልና ወሲንና። ሓደ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወትና ብዛዕባ ዘጋጥመና ነገር ብናጻነት ንክንመርጽ ዕድል ክንረክብ፣ ኣብ መላእ ዓለም ጋህዲ ክኸውን ተስፋ ይገብር" ኢላ።