ኤልሳ ሎንኮን፡ ንድኽነት ብምስዓር ሓድሽ ቅዋም ቺለ ዝጽሓፈት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1970ታት፡ ኤልሳ ሎንኮን ካብ ድኻ ስድራቤት ዝተረኸበት ስለ ዝኾነት ኣብ እዋን ቁልዕነታ 8 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ተጓዒዛ እያ ናብ ቤት ትምህርቲ ትበጽሕ።
ኤልሳ ሎንኮን፡ ማፑቼ ካብ ዝበሃሉ ደቀ'ባት ቺለ እያ ትውለድ፤ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣሩካኒያ ኣብ እትርከብ ርሑቕ ገጠር ድማ ብድኽነት ዓብያ።
ዋላ ሓደ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝወስዳ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ነዊሕ ኪሎ ሜትራት ብእግራ ተጉዒዛ ክትመሃር ግድን ነይሩ።
ኣዲኣ ግጥሚ እትፈቱ ሰራሕተኛ ገዛ ነይራ፤ ኣቡኣ ድማ ኣብ 17 ዓመቱ ንርእሱ ምንባብ ዘምሃረ ጸራባይ [carpenter] ነይሩ።
ህይወት ግን ኣዝዩ ሕሱም ነይሩ፤ ሓሓሊፉ ወለዳ ንዓኣ ኮነ ንሽዱሽቲኦም ኣሕዋታ ዝብላዕ መግቢ ዘይረኽብሎም መዓልታት ነይሮም።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝገጥማ ተጓንፎታት ንርእሱ ቀሊል ኣይነበረን፤ ወዮ ካብ ደቀ'ባት ስለ እትውለድ ማእለያ ዘይብሉ ቐጻሊ ትንኮያ ይበጽሓ ነበረ።
ተስፋ ግን ኣይቆረጸትን።
"ካብ ተራ ስድራ ቤት'የ መጺአ። ኩሉ ስድራ ማፑቼ ሓርጎጽጎጽ ዝበዝሖ ህይወት'ዩ ሓሊፉ" ክትብል ኣብ ቀረባ ምስ ኤል ፓይስ ዝተባህለ ጋዜጣ ስፔን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ።
ማፑቼ፡ ኣብ ቺለ እቲ ዝዓበየ ብሄር ደቀ'ባት ኮይኑ፡ ሓደ ዓይነት ቋንቋ፣ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃይማኖትን ቁጠባዊ መሓውርን ዘለዎም ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ ይነብርሉ።
ይኹን'ምበር ብደረጃ ሃገር ዋላ ሓደ ዝተኸብረ መሰል የብሎምን።
እንተ ንሕና "ብታሪኽና፣ ዝኽርታትናን ሓበራዊ ባህልናን ተሓቢንና ክብርታትና ዓቂብና ጸኒሕና" ትብል።
ድሓር ግን ካብታ ሊፍዊሉን ዝተባህለት ገጠር ዓዲ ወጺኣ ክሳብ ፒኤችዲ ዝበጽሕ ትምህርቲ ተኸታቲላ፤ መብዛሕትኦም ኣዝማዳ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ'ዮም ዝነብሩ።
ኤልሳ መጀመርታ ኣብታ ዓዲ መምህር ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኮይና ተመሪቓ። ቐጺላ ብማሕበረሰብ ሳይንስ ሳልሳይ ዲግሪ ንምስራሕ ናብ ኔዘርላንድስ ዩኒቨርሲቲ ሊደን ኣምሪሓ።
ወሲኻ ኣብ ቺለ ዩኒቨርሲቲ ፖንቲፊካል ካቶሊክ ብስነ ጽሑፍ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] ተመሪቓ።
ቅድሚኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳንቲያጎ ፕሮፌሰር ኮይና ትሰርሕ ነይራ። ጎና ጎኒ እቲ ዕውት ኣካዳሚያዊ ጉዕዞኣ ግን ንመሰል ማሕበሰረብ ማፑቼ ምቅላስ ስርሐይ ኢላ ሒዛቶ።
በዚ መገዲ ፍልጥቲ ተሓላቒት ኮይና፤ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ድማ፡ ኤልሳ ካብቲ ንኣርቀቕትን ሓገግትን ቅዋም ደቀ'ባት እታ ሃገር ክውከልሉ ዝተሓዝአ 17 ሰዲያ ነታ ሓንቲ ክትዕወተላ ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ነይሩ። እቶም ደቀ'ባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዎም ተራ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን።
ቺለ'ውን እንተኾነ ንርእሳ ከም ሓንቲ ባህላዊ ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር ኣይትወስድን ነይራ።
ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ቅዋም ደቀ'ባት እታ ሃገር ፈጺሞም ኣይተጠቕሱን።
እዚ ቅዋም ካብ ግዜ ወተሃደራዊ ውልቀ መላኺ የማናውያን ኣጉስቶ ፒኖቼት [ካብ 1973 ክሳብ 1990 ኣብ ስልጣን ዝነበረ] ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ'ዩ።
ኣብዚ ወርሒ ድማ፡ ኤልሳ ፕሬዝደንት እቲ ልዕሊ 155 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ኣርቀቕቲ ቅዋም ኮይና ተሓርያ ኣላ።
እዚ ንፈለማ እዋን ወእክልና ደቀ'ባት እታ ሃገር ዝተራእዮ ጉጅለ እዩ።
ጓል 58 ዓመት ሎንኮን፡ ነቲ ጉጅለ ፕሬዝደንት ኮይና ክትመርሖ ምስ ተመረጸት፡ "ካብ ሰሜን ክሳብ ፓታጎኒያ፣ ካብ ባሕሪ ክሳብ ጎቦታት፣ ካብ ደሴታትን ካልእን ኮይኖም ነዚ ዝዕዘቡ ዘለው ቺለውያን የመስግን" ክትብል ንባንዴራ ማፑቼ ሒዛ ዘረባ ኣስሚዓ።
ወሲኻ፡ "ታሪኽ እዛ ሃገር ንምልዋጥ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዘርኣዩዎ ሓገዝ ከምኡ'ውን እምነቶምን ሕልሞምን ኣብ ልዕሊ ማፑቼ ኣውዲቖም ነዚ ሕልሚ ከተግህድ እያ ኢሎም ጓል ማፑቼ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ምምራጾም ክብሪ ኣለኒ" ኢላ።

ደቀ'ባት ማፑቼ መን'ዮም?
- ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ቺለ ኣብ መግዛእቲ ስፔን ቅድሚ ምውዳቓ ደቀ'ባት ማፑቼ ኣብ ደቡባዊ ቺለ ሰፊሕ መሬት ይውንኑ ነይሮም
- ብእምቢታ ዝፍለጡ ህዝብታት ስለ ዝነበሩ ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳዊ መግዛእቲ ተኸላኺሎም ጸኒሖም፤ ድሕሪኡ ግን ኣብ ንኣሽቱ ግዝኣታት ተኸፋፊሎም
- መብዛሕትኡ መሬቶም ድማ ንሓረስቶትን ኩባኒያታት ዕቀባ ኣግራብን ተሸይጡ
- ኣስታት 12 ሚኢታዊት ቺለውያን ንርእሶም ቀደ'ባት ኢና ዝብሉ ኮይኖም፤ መብዛሕትኦም ከኣ ማፑቼ'ዮም

እቲ ቅዋም ዘርቅቕ ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፡ ነቲ ብ2019 ሓያል ተቓውሞ ዘበገሰ ማሕበራዊ ማዕርነት ኣየረጋገጸን ተባሂሉ ዝንቀፍ ነባር ቅዋም እታ ሃገር ዝቕይር ክኸውን ተስፋ ተገይሩሉ'ሎ።
ህዝብታት ማፑቼን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ትሸዓተ ደቀ'ባት ቺለውያንን ካብ ሞንጎ ዝጠልቡዎም ሓደ ብዙሕነት እትቕበል ሃገር ምምስራት'ዩ።
እዚ ርእሰ ምሕደራን መሰላቶምን ዝቕበል ከምኡ'ውን ንባህሎምን ቋንቁኦምን ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን'ዮም ዝደልዩ።
ኤልሳ ሎንኮን ብናይ ስራሕ ቋንቋ ማፑቼ [ማፑዱንጋን ተባሂሉ ይጽዋዕ] ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ጽሒፋ'ያ።
ብኻልእ ወገን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ማፑቼ ዝርከቡ ደቀ'ባት ታሪኻዊ ናይ መሬት ሕቶ ስለ ዘለዎም ግዝኣታዊ ሓድነቶምን ዋንነቶምን ዘረጋግጽ ምጥራር ክረጋገጸሎም ይጠልቡ።
ይኹን'ምበር ኣብ ጉዳይ መሰል ዋንነት መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ውሳነ እንተመጺኡ ናብ ጎንጺ ዘምርሕ ኩነታት ከይፍጠር ይስጋእ።
"ምሳና ዝርርብ ዝክኣል ስለ ዝኾነ ክትፈርሑና የብልኩምን" ክትብል ሎንኮን ንጋዜጣ እታ ሃግረ ዝኾነ ላ ተርሴራ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብቲ ቃለ መጠይቕ "ኣብ ልዕሊ ማፑቼ ዝበጽሕ ኣድልዎ ኣሎ፤ እዚ ዕድል ንርእስና ኣድልዎ ናጻ እነውጽኣሉን ኩለ መዳያዊ ማዕርነትና እነረጋግጸሉን'ዩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማሕበረሰብ ማፑቼ ሕጂ'ውን ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ዘስምዑዎ ተቓውሞ ኣሎ።
ነዚ ጸገማት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ረቒቕ ሓድሽ ቅዋም ብ2022 ክዛዘም ትጽቢት ይግበር፤ ድሕሪኡ ድምጺ ክወሃበሉ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







