ጐዳጕዲ ወርሒ ብስመን ዝተሰምዩለን ደቂ ኣንስትዮ በዓል መን'የን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- Author, Eva Ontiveros
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
ወርሒ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጐዳጕዲ (ሃጓፋት) ኣሎዋ። ገለ ካብ’ቶም ሓጓፋት ፍሉያት ኣስማት ደቂ-ሰብ ሒዞም ከም ዝርከቡዶ ትፈልጡ?
ሓጓፍ ክንብል ከሎና ከም’ቶም ኣብ ኣፍ እሳተጐመራ ዝፍጠሩ ወይ ከኣ ዝሃመሙ ጐደጕዲ ማለት’ዩ።
ማዕረ 1,577 ሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ህቡባት ሰባት - ከም ስነ-ፍልጠተኛታት፡ መሃንዲሳት፡ ዳህሰስቲ ዘኣመሰሉ - ተዋሂቡዎም ኣሎ፣ ይዅን’ምበር፡ ካብ’ቶም ኣስማት ንክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝውድሱ 31 ጥራይ’ዮም።
እተን ዝተረቝሓ ደቂ ኣንስትዮ በዓል መን ኮን ይዀና፣ ንምንታይ'ከ ቍጽረን ኣዝዩ ውሒዱ?
በዓል መን’የን ኣስማተን ዝተረቝሓ?
መብዝሕትኦም እቶም ሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ናይ’ቶም ኣብ ዓውድታት ሳይንስ፡ ፍልስፍና ዘበርከቱ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ሰብ-ሞያ ክዀውን ከለዉ፡ ገለ-ገለ ኣስማት ኣማልኽቲ፡ ፍጡራት ስነ-ተረት’ውን ኣሎዎም።
እቶም ሓጓፋት -ወርሒ ኣስማት ናይ ፕለይቶ (ፈላስፋ)፡ ጋሊለዮ ጋሊለይ (ስነ-ፈልከኛ / ኮኾባት ዘጽንዕ)፡ ከምኡ’ውን ኣይዛክ ኒውተን (ማተማቲከኛ) ዘኣመሰሉ ሰባት ስለ ዝተዋህቦም ኣስማቶም ንሓዋሩ ህያው ኰይኑ ከም ዝተርፍ ተገይሩ ኣሎ ማለት’ዩ።
ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ድማ ንክብሪ ጆን ለኖን (ኣባል ናይ ‘ቢትልስ’ ዝበሃል ዝነበረ ባንድ) ተባሂሉ ሓደ ካብ’ቶም ሓጓፋት -ወርሒ ብስሙ ተጠሚቑ ይርከብ።
ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቕሰ ካብ’ቶም ክሳብ ሕጂ ኣስማት ዝተዋህቦም ሓጓፋት 2% ጥራይ’ዮም ስም ደቂ-ኣንስትዮ ዘለዎም። ንሳቶም እንተዀኑ ብቐሊሉ ዘይርከቡን ዘይርኣዩን ሃጓፋት’ዮም - ማለት ኣብቲ ዝረሓቀን ሕቡእን ሸነኽ ወርሒ’ዮም ዝርከቡ።
ነቶም ኣስማት ዝመርጹ በዓል’ዮም?
ካብ 1919 ጀሚሩ ኣስማት ናይ ምዕዳል ሓላፍነት ዘሎዎ ትካል “ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን” ይበሃል።
“ገለ ካብ’ቶም ኣስማት ናይ መበል 17 ክፍለ ዘመን’ዮም- ብመሰረት ጋሊለዮ ጋሊለይ ብናቱ ተለስኮፕ ብዝገበሮ ተፍትሽ-ወርሒ” ትብል ሜጋን ዳኒሁ፡ ሓላፊት እቲ ትካል።
“ብ 1651፡ ጂዮቫኒ ሪችዮሊ፡ ንመጀመርታ እዋን ንሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ከጠምቕ ዝጀመረ ኢጣልያዊ ስነ-ኮኾበኛ ነበረ” ትብል ዶክ. ጣያባ ዛፋር፡ ፓኪስታንያዊት ስነ-ኮኸበኛ።
“ሪችዮሊ ንሓደ ሃጓፍ-ወርሒ ብስሙ ኣጠሚቑ ንበል። ን 147 ሓጓፋት ኣስማት ሰብ ክህብ ከሎ ካብ’ኣታተን ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ነበራ።ሓንቲ ‘ሂፓትያ’ ኢያ፣ እታ ሓንቲ ግን ‘ናይ ኣለክሳንድርያ ቅድስቲ ካተሪና’ ኢያ ትብል ፕሮፈሶር ዳኒሁ።
ኣብ’ቶም ዝሰዓቡ ዘመናት ብርክት ዝበሉ ሸነኻት ወርሒ ብድህሰሳ ስለ ዝተረኽቡ ኣስማቶም ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ኣስማት እናተዋህቦም ቀጸሉ።
“ምናልባሽ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ዘመናት ደቂ-ኣንስትዮ ዕድላት ትምህርቲ ይንፈገን ስለ ዝነበረ ከይከውን” ትብል ዶክተር ዛፋር።
ንምንታይ’ዩ እቲ ቍጽሪ ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ለጠቕ ኢሉ?
መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሶቬት-ሕብረት ንወርሒ-ቀዲሙ-መን-በጽሐ ብዘርኢ ቅድድም ኣብ 1950-1970 ኣብ ጥርዚ በጺሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
“ገጻት ወርሒ ንምስያም ሕንፍሽፍሽ ስለ ዝኣተወ ብ 1973 ‘ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን’ ነቲ ጕዳይ ስርዓት ንምትሓዝ ሓደ ኮሚቴ ፈጠረ” ትብል ስነ-ፈልከኛ ሪታ ሹልዝ።
ብመጀመርታ ገጻት ወርሒ ስም ንክወሃቦም ሳይንሳዊ ኣድላዪነት ክህሉ ኣሎዎ ኣብ ዚብል ስምምዕ ተበጽሐ። “እቶም ድሮ ስም ዝተዋህቦም ገጻት-ወርሒ ከም ዘሎዎም ክጸንሑ፡ እቶም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ዝተለለዩ ገጻት ግን ብስነ-ፍልጠተኛታት ወይ ከኣ ዋልታውያን-ዳህሰስቲ ክኸውን ከም ዘሎዎ ተኣወጀ - ብህይወቶም ዘሎዉ ዘይኰኑስ ካብ ዝሓለፉ” ኢላ ዶክተር ሹልዝ መብርሂ ሃበትሉ።
ካልእ ዝተኸሰተ ጕዳይ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንምንታይ ጾታዊ ፍልልያት ብከፊል ንከይእለ ዝገበረ። “ብመጀመርታ እቲ ትካል ገጻት-ወርሒ ብደቂ ተባዕትዮ ንክስመ ወሰነ፣ ገጻት ፕላኔት ቨኑስ ኸኣ ብኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ክስመ” በለት ዶክ. ሹልዝ።
እቲ ዉሳኔ ከልግስ ተገብረ፡ እቲ ፍፍልይ ድማ ከም ዝነበሮ ተረፈ። “ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሸውዓት ጐደጕዲ-ወርሒጥራይ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝስመዩ ተገብረ። እቲ ትካል ክምስረት ከሎ (1919) 2% ካብ ገጻት-ወርሒ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ተሰምየ፣ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሃዝ ኣይተለወጠን” ትብል ዶክ. ዛፋር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከምኡ እንተዀነ’ሞ እንታይ ፍልልይ የምጽእ?
ሓጓፋት -ወርሒ ብሒደት ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ እንተ ተሰምየ’ሞ ገለ ለውጢ የምጽእ ድዩ?
“ኣዐርዩ’ምበር!” ትብል ዶክ ማሪዛ ሶቶ ቫስከዝ። እዛ ጓል ቺለ ስነ-ኮኾበኛ ኣብ 25 ዕድሜኣ ብጻዕራ ሓደ ፈለማይ ፕላኔት ዳህሲሳ ዝረኸበት፡ ኣብ 31 ዕድሜኣ ድማ መበል ራብዓይ ፕላኔት ዳህዚሳ ዝረኸበት ሰብ’ያ።
“ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ብዝያዳ ክሳተፋ ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ተረኣይነት ዓቢ ረቛሒ’ዩ - ማለት ኣስማተን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ክርአ” ኢላ ትምጕት።
“መናእሰይ ኣዋልድ ክኣትውኦ ዝደልያ ትምህርቲ ንክመርጻ ግብራዊ ኣርኣያ ዝዀንአን ደቂ-ኣንስትዮ የድልየአን’የን” ትብል ዶክ. ሶቶ ቫስከዝ።
“ከምዚዶ ከምቲ ክትኰኒ ኣይትኽእልን ኢኺ ምኽንያቱ ኣብቲ ዓውደ ትምህርቲ ደቂ-ኣንስትዮ የለዋን ... ስለዚ ንዓኺ ዝኸውን ትምህርቲ ኣይኰነን ... ከም መናእሰይ መጠን ብዙሕ መኳለፊ ወይ ዓንቃፊ ነገራት የጋጥመን’ዩ፣ ኣስማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጻሕፍቲ ሳይንስ ዘይምርካብ፡ ከምኡ’ውን ብኣካል ደቂ-ኣንስትዮ ዘይምርኣይ ሳዕቤናት ኣሎዎ” ኢላ ዶክ. ሶቶ ቫስከዝ ወሰኸትሉ።
ዶክ. ቪኪ ቹ፡ ካብ ናይ ታይዋን ሃገራዊ ማሕበር ስነ-ጠፈር፡ ዝያዳ ገጻት-ወርሒ ብኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ክጽዋዕ ትመርጽ። ንሳ’ውን ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ብወግዒ ክተኣታቶ ምስ ዝኽእል ዝያዳ መናእሰይ (ኣዋልድ) ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ክምዝገባ ምረአና ኢላ ትኣምን። “እወ፡ ምናዳ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲታትን ሳይንስ ንክመርጻ ምሓገዘን” ኢላ ትምጕት።
“ተገንዝቦን ተፈላጥነትን ዉጽኢት ኣሎዎም” ትብል ዶክ. ጣያባ ዛፋር። “ማሕበረ-ሰብ ሳይንስ ኣድላይነት ደቂ-ኣንስትዮ ክግንዘቦ ይግባኣ፣ እዚ ኸኣ ኣርኣያ ንምዃን። ሕብረተሰብና ዜካትት፡ ዜተባብዕ፡ ዝተዓጻጸፍ ሃዋህዉ ስራሕ ክሓቍፍ ይግብእ” ትብል።
ኣብ ቀረባ ጊዜ ናሳ፡ ትካል ጠፈር ሕ.መ.ኣ.፡ ን 2024 ንወርሒ ክትምለስ ምዃና ገሊጻ’ላ። ንጓል ኣንስተይቲ ናብ ጠፈር ክትልእኽ ምዃና ኸኣ ድሮ ሓቢራ ኣላ። መጠረስታ እዋን ሰባት ኣብ ወርሒ ዝዓለብሉ እዋን ብ 1972 ኢዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እምበኣርከስ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ገጽ ወርሒ ብስመን ንዝተሰምዩ ጐዳጕዲ ብምጽብጻብ ንጸንምብል ...
ቫለንቲና ተረሽኮቫ (ትውልዲ ዓመት 1937)፡ “ኣብ መሬትና ሰብኡት ይዅኑ ኣንስቲ ኣብ ኮንዶኾን ወይከኣ ንሓደጋ ዜቃልዕ ጕዳይ ካብ ምእታው ድሕር ኣይንብልን ኢና። ንምንታይ ኣብ ጠፈር ተመሳሳሊ ስጕምቲ ዘይንወስድ?” ትብል ሩስያዊት ጠፈርተኛ ቫለንቲና ተረሽኮቫ። እዛ ፍሉይ ሳይንሳዊ ኣስተዋጽኦ ዝገበረት ሰብ እታ እንኮ ኣብ ገጽ-ወርሒ ብስማ ሓደ ጕድጓድ ዝተጸወዐ ኣሎዋ።
ብ 1963 ንመጀመርታ ጊዜ ተረሽኮቫ ንጠፈር በይና ብምጕዓዛ ዓቢ ታሪኽ ሰሪሓ’ያ። ክሳብ ሕጂ እታ እንኮ፡ እሞ ኸኣ ንበይና፡ ዝተጓዓዘት ጠፈርተኛ’ያ። ሽዑ ጓል 26 ዓመት’ያ ነይራ።
“ንጠፈር ድሕሪ ምጕዓዘይ እዛ ዓለምና ክሳብ ክንደይ ንእሽቶይን ተነካኢትን ምዃና ክግንዘብ ክኢለ” ትብል ተረሽኮቫ።
ተረሽኮቫ ኣብ ጠፈር፡ ኣብ’ታ ቮስቶክ-6 እትጽዋዕ መንኰርኰር-ህዋ፡ ንሰለስተ መዓልታት ብምጽናሕ ን48 ጊዜ ኣብ ዑደት መሬት ክትዘውር ከኣለት። ተረሽኮቫ ደጊማ ንጠፈር ንኽትበጽሕ ዕድል ኣይረኸበትን።
“ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግዴአን የበርክታ’የን። ናተይ ኣስተዋጽኦ - ንጠፈር ብምብራረርይ - ንባዕሉ ድርኺት’ዩ” በለት።
እቲ ብስማ ዝተሰምየ ገጸ-ወርሒ፡ ኣብ ርሕቕ ዝበለ፡ ኣብ ምዕራባዊ ወሰን ‘ማረ-ሞስኮቪንሰ’ ይርከብ።
ሃይፓትያ (415 ቅ.ክ. )፡ ሃይፓትያ ማተማቲከኛ፡ ስነ-ኮኾበኛ: ከምኡ’ውን ፈላስፋ’ያ ነይራ። ትውልዲ ቦትኣ እስክንድርያ ኰይኑ ዝተወልደትሉ እዋን 350 – 370 ቅ.ክ. ይግመት። ኣብቲ እዋን ግብጺ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮማውያን’ያ ነይራ።
ኣብ ግዜኣ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝወሃብ ትምህርቲ’ኳ ኣይንበር ሃፓትያ ግን እታ ቀዳመይቲ ህይወታ ንሳይንስ ዝወፈየት ሰብ ነበረት።
ኣቦኣ ተመራማሪ ስነ-ጠፈርን ሓላፊ ቤተ-ንባብ እስክንድርያ ስለ ዝነበረ ጓሉ ብቑዕ ትምህርቲ ከምእትረክብ ገበረ።
ዋላ’ኳ ሃይፓትያ ዘበርከተቶ ስራሓት እንተጠፍአ ብዘመና ብዙሓት ምሁራን ንስርሓ እናጠቐሱ ዝጸሓፍዎም ጽሑፋት ኣሎዉ።
ሃይፓትያ ምስቲ ኣቡን እስክንድርያ ስለዘይተሳነየት ብዕስለ-ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ተጠቒዓ ሞተት። ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት ሃይፓትያ ብተጣበቕቲ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ተፈላጥነት ረኺባ ንምንቅስቓሰን መነቓቕሒ ዀነት።
ኣንቶንያ መሪ (1866-1952)፡ ኣንቶንያ መሪ ኣሜሪካዊት ስነ-ጠፈርተኛ ነበረት። ንሳ ምስ ጕጅልኣ “ኮምፕዩተራት ሃርቫርድ” ብዚብል ስም ይጽውዓ ነበራ።
መሪ፡ ብመጽናዕት ‘ስፐክትሩማዊ ጽምዲ’ (spectral binaries)፡ እታ ቀዳመይቲ ምርምር ዜካየደት ሰብ’ያ። ብተወሳኺ፡ ንሳ ንናይ ከዋኽብቲ ኤለክትሮማግነታዊ ጸርጊ መዐቀኒ ዝኸውን ኣገባብ ዝመሃዘት፡ እሞ ኸኣ እቲ ምህዞኣ ክስብ ሎሚ ኣብ ‘ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን’ ይጥቀምሉ ኣሎዉ።
ድሕሪ ሞታ (86 ዕድሚኣ) ፡ እቲ ትካል ንሓደ ሃጓፍ-ወርሒ፡ ብስማ ከም ዝጽዋዕ ገበረ።
ካልፓና ቻውላ (1962–2003)፡ ቻውላ “ካብ ሕልሚ ናብ ጋህዲ ዘመሓላልፍ መንገዲ ኣሎ። ንምርካቡ ዜኽእል ዓቕመ-ምርኣይ፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ዜኽእል ትብዓት፡ ንምስዓቡ ዜኽእል ጽንዓት እምነየልካ” ዝበለት ህንዳዊት ጠፈርተኛ ኢያ።
ቻውላ ካብ ብንእሽቶኣ ብበረራ ፍሉይ ተመስጦ ዝነበረት ሰብ ነበረት። ቻውላ ኣብ ሃገረ ህንዲ ዓብያን ተማሂራን፡ ብተወሳኺ ኸኣ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ትምህርታ ብምቕጻል መዓርግ-ዶክቶር ዝተቐበለት፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ናሳ (ሃገራዊ ኪነ-በረራ ሕ.መ.ኣ.) ዝተጸንበረት ስነ-ፍልጠተኛ’ያ።
ካልፓና ቻውላ ብ 1997 ኣብ ‘ስፐይስ ሻትል’ ከም ጠፈርተኛን መሃንዲስን ኰይና ዘገልገለት ክኢላ’ያ።
ቻውላ፡ ብ 2003 ምዃኑ’ዩ፡ ምስ ሸውዓተ መጓዕዝታ ኣብ’ታ ናብ መሬትና ትምለስ ዝነበረት ‘ስፐይስ ሻትል ኮሉምብያ’ ስለ ዝነበረት እታ መንኵርኰር ምስ ተባርዐት ኣብ ጠፈር ከላ ህይወታ ሓለፈ። ንመዘከርትኣ ሓደ ካብ’ቶም ጐዳጕዲ-ወርሒ ብስማ ተሰምየ።
ኣኒ ጂን ኢዝሊ (1933-2011)፡ ብዕለት 1 የካቲት 2021 ኣኒ ጂን ኢዝሊ ሓደ ገጽ-ወርሒ ብስማ ተሰምየ።
ኢዝሊ እታ ቀዳመይቲ ጸላም ኣሜሪካዊት ኣብ ናሳ ከም ናይ ኮምፕዩተር ሳይንሰኛ ኰይና ዘገልገለት ክኢላ ነበረት። ብተወሳኺ መተማቲከኛ ስለ ዝነበረት ከም ናይ ሮኬት ሳይንሰኛ ኣገልጊላ’ያ።
ኢዝሊ ብንእሽቶኣ ኸላ ሕብረተሰብ ሕ.መ.ኣ. ብኣግልሎ ተፈላልዩ ስለ ዝነበረ ብቑዕ ትምህርቲ ንምርካብ ቀሊል ኣብ ዘይነበረሉ፡ ኣብ ቃልሲ መሰል ጸለምቲ እዋን’ያ ዓብያ። ንይሕቲ ንኽትከውን ኣበርቲዓ ንኽትሰርሕን ኣዲኣ ተተባብዓ ነበረት።
ኣብ ናሳ ን 34 ዓመት ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ ስርሓ ድማ ንጥፍቲ ብምንባራ ብርክት ዝበሉ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰሩ ፍሉያትን ዓበይትን ስርሓት ኣበርኪታ’ያ።
ኢዝሊ ኣብ ምሉእ ህይወታ ንካብ ንኡሳን (ዉጹዓት) ጕጅለታት ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ተምሃሮ ሳይንስ/ህንደሳ/ማተማቲካ ንኽመሃራ፡ ኣብ ዉሽጢ ናሳ ዝነበረ ሌላን-ጕሌላን ንኽጠፍእ ኣበርቲዓ ጽዒራ’ያ።
እቲ ንክብራ ዝተሰምየ ህማም-ወርሒ ካብ 10 ኪ.ሜ. ዝውሕድ ሰንጣቒ-ቍመት ኣሎዎ። ቦትኡ ድማ ኣብቲ ዘይርአ ሸነኽ ወርሒ ይርከብ።
ብዛዕባ ኢዝሊ ኣብ ገጻት ወብሳይታት-ናሳ እዚ ተጽሒፉ ንረክብ፡ “እቲ ንናሳ ብፍልጠታ ዘበርከተቶ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነ ዝቝጸር፡ እቲ ጸዕራን ኣዎንታኢ ኣቕጫጫኣ ዉጽኢታዊ ምንባሩ ክዝከር ይግባእ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







