ሱዳን፡ ኣብ ሓደጋ ምዕጻው እትርከብ ንልዕሊ 2000 ኤርትራውያን ስደተኛታት እተምህር ቤት ትምህርቲ

ተምሃሮ

ኣብ ሱዳን፡ እትርከብ ንልዕሊ 2000 ተምሃሮ ኣገልግሎት ትምህርቲ እትህብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም ካብ ምዕጻው ንምድሓን ናይ ገንዘብ ወፈያታት ይካየድ ኣሎ።

እታ ብደገፍን ሓቦን ኤርትራውያን ወለዲ፡ መምሃራን ለገስቲን ንዓመታት ክትንቀሳቐስ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ተዋጢራ ትርከብ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ነቲ ኣንጸላልይዋ ዘሎ ሓደጋ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ነዛ ብርሃን ኣሽሓት ስደተኛታት ቆልዑ ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ንምድሓን ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዓቕሙ ከበርክት ኣካየድታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕትት ጸዊዖም ኣለዉ።

ድሕረባይታ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም

እዛ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ መሰታ ስደት ኤርትራውያን'ያ ክበሃል ይካኣል'ዩ።

ሰውራ ኤርትራ ተጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ሓርነታዊ ኲናት እናሓየለ ምስ መጸ፡ ግብረመልሲ ተኸታቲሎም ዝመጹ ስርዓታት ሃይለስላሰን፡ ደርግን ኣብ ውግኣት ምግጣም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓድታት ከንድዱን ሰላማውያን ክቐትሉን ምስ ጀመሩ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣባይቶምን መነባብሮኦምን ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ክስደዱ ጀሚሮም።

በብቑሩብ ድማ መዓስከራት ስደተኛታትን ቀንዲ ከተማታትን ሱዳን ህጻናት ብዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ከዕለቕልቑ ጀሚሮም። ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣሽሓት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክሳተፉ ዝወፈሩ ተጋደልቲ'ውን ኣካል ናይቲ ስደተኛ ህዝቢ ኮይኖም'ዮም።

እንተወሓደ ክሳብ ናጽነት ዝረጋገጽ ኣብ ሃገረ ሱዳን መነባብሮኦም መስሪቶም፡ ሓደር ክገብሩን ቆልዑ ክወልዱን ድማ ግድነት ኮይኑ።

ኣቦመንበር ቦርድ ናይታ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ፡ ኣቶ ሃነጸ ካሕሳይ ሓጎስ፡ ኣብ 1975 ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ 1985 ጀሚሩ ድማ ምስታ ቤት ትምህርቲ ምትእስሳር ከምዝነበሮ ይዛረብ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ብብዝሒ ካብ ጸላኢ [ሃዲሙ] ዝስደድ ዝነበረ ህጻን ብዘይ ትምህርቲ ይኸይድ ስለዝነበረ፡ ንዕኡ ኣብ ጸብጻብ ብምእታዉ፡ ኣብ 1978 ብማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ተመስሪቱ" ይብል።

ኣቶ ሃነጸ ካሕሳይ ሓጎስ
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ሃነጸ ካሕሳይ ሓጎስ

በቲ ምምቕቓል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸልዩ "ናብዚን ናብትን" ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ 1988 ኣብ ትሕቲ ሰውራዊ ባይቶ ዝተባህለ ወገን ተጠርኒፉ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 1980ታት እውን፡ ብማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ዝካየድ ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካርቱም ተኸፊቱ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1992 እታ ቤት ትምህርቲ ስውኣት ትብሃል ዝነበረት ቤት ትምህርቲን (ተሓኤ)፡ ናይ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራን (ህግሓኤ) ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ብሓደ ተጠርኒፈን ክመሓደራ ጀሚረን።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ኣብ 1995፡ ኤርትራን ሱዳንን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስበተኻ፡ ኩነታት እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ። ኩሉ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ተዓጽዩን ግዒዙን ዝነበረሉ ኩነታት'ዩ።

ኣቶ ሃነጸን ብጾቱን ግን ናብ ሰብመዚ ጸጥታ ሱዳን ከይዶም፡ እቶም ተምሃሮ ብቋንቋ ኣዲኦም ክምሃሩ ምእንቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሱዳን ዝሕወሱ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ብናይ ህዝቢ ሽማገለታት ከም ክትመሓደር ሓቲቶም፡ ሰሚሩሎም ድማ።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት መሊሱ ምስ ተመሓየሸ ኸኣ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ነታ ቤት ትምህርቲ ናብቲ ዝነበረቶ ንምምላስ ከምዝጸዓረን፡ ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ብህዝቢ ክትመሓደር ስለዝተወሰነ ብኡ ትቕጽል ከምዘላ ኣቶ ሃነጸ ይገልጽ።

ሱዳን

እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት'ያ ትህብ ዘላ?

ኣብዚ እዋን'ዚ ተምሃሮኣ ክሳብ 5ይ ብቛንቋ ኣደ፡ ካብ 6ይ ክፍሊ ንላዕሊ ድማ፡ ኣብ ካሪክለም (ስርዓተ-ትምህርቲ) ሱዳን ብምምርኳስ ብቋንቋ እንግዘዝ ይምሃሩ።

ካብ 2002 ጀሚሩ'ውን፡ ካልኣይ ደረጃ ብምኽፋት ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።

እዚ ካልኣይ ደረጃ ክምስረት እንከሎ፡ ካብ ኤርትራ ብስደት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮም፡ መስራቲን ዳይረክተርን ናይታ ቤት ትምህርቲ ዝነበረን፡ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝምህርን ዶ/ር ሰለሙን ነወተ ይሕብር።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም 8ይ ክፍሊ ተማሂሮም ናብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ፋሕ ዝብሉ ዝነበሩ ተምሃሮ፡ እኹል ደገፍ ብዘይምርካቦም ናብ ዩኒቨርሲቲ ክሓልፉ ዝነበሮም ጸቢብ ዕድል ንምግፋሕ ተላዓዒሎም ካልኣይ ደረጃ ከምዝኸፈቱ'ዩ ዝዛረብ።

"እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ብጻዕሪ ስለዝሰርሕ እቲ ሰብ፡ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ስለዝኾነ ሕማቕ ስም ከይወሃቦ፡ ፍቓድ ተዋሂብዎ ናይ ሱዳን ካሪክለም ጌርና ንምህር ስለዘለና፡ ለይትን መዓልትን እናምሃርና ዝካኣለና ጌርና፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓመት ልዕሊ 80 ሚእታዊት" ናብ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝሓልፉ ብምግባር፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሱዳን ናይ ምስጋና ወረቐት ከም ዝረኸቡ ዶ/ር ሰለሙን ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰለስቲአን ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ርእሰከተማ ካርቱም ተደኲነን ይርከባ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 60 ክሳብ 80 ዝኾኑ ተምሃሮና ናብ ላዕለዋይ ደረጃ [ዩኒቨርሲቲ] ይሓልፉ" ብምባል ንብዙሓት መንእሰያት መሳልል ዕብየት ከምዝኾነት ኣቦመንበር ቦርድ ኣቶ ሃነጸ ይገልጽ።

እታ ኣብቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቡሉ ጅሬፍ ዝተባህለ ከባቢ እትርከብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ክሳብ 1300 ተምሃሮ ትቕበል።

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

ኣብ ዴም እትርከብ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ እተምህር ቤት ትምህርቲ ድማ ልዕሊ 1000 ተምሃሮ ትቕበል። ካብ 10ይ ክሳብ 12 ክፍሊ እተምህር ካልኣይ ደረጃ ልዕሊ 300 ኣብ ዓመት ትቕበል።

"ለብዘበን ሕጂ፡ ብጥርኑፍ፡ ናይ ሰለስቲአን 2075 ተምሃሮ ትምህርቶም ዛዚሞም" ይብል ኣቶ ሃነጸ።

ኣጋጢምዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ቅልውላዉ

ንልዕሊ 2000 ተምሃሮ ኣገልግሎት ትምህርቲ እትህብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም
መግለጺ ስእሊ, ንልዕሊ 2000 ተምሃሮ ኣገልግሎት ትምህርቲ እትህብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም

እታ ቤት ትምህርቲ ኣፍልጦ ናይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዘለዋ'ኳ እንተኾነት፡ እቲ ትካል ኣብ ዓመት ናይ 350 ተምሃሮ ባጀት ጥራይ ከምዝሽፍን ኣካየድታ ገሊጾም።

ብድምር 74 ሰራሕተኛታት ከምዘለዎምን፡ ካብኦም እቶም 66 መምሃራን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 8 ድማ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ'ዮም።

"ብመሰረቱ፡ ሓፈሻዊ ክትሪኦ እንከለኻ ዳርጋ ብወለንታ'ዮም ዝሰርሑ ክትብሎም ትኽእል። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ደሞዝ ብሕግን ብኻልእን ክተሓሓዙና ስለዝኽእሉ፡ ካብ ኤርትራውያን ወጻኢ ካልኦት መምሃራን ኣይንቖጸርን ኢና።

"መምሃራንና ኩሎም እዞም በረኻ በረኻ ሃዲሞም ዝመጹ፡ ናይ ኣስመራ ምሩቓት'ዮም። እሳቶም ሕጂ ካብቲ ንገንዘብ ደልዮም፡ ኣሕዋቶም ይሃንጹ ስለዘለዉ፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም'ዮም" ዝምህሩ ዘለዉ ይብል።

"ብዓይኒ ደሞዝ እንተኾይኑ፡ በቲ ንሕና እንኸፍሎ ገንዘብ፡ ዋላ ሓደ መምህር'ውን ክምህረልካ ኣይክልን'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ክኸዱ እንከለዉ'ውን፡ ካልእ መሰላት ከምዘይሓቱ ብምግላጽ፡ "ተወጺዖም'ዮም ዝምህሩ ዘለዉ" ኢሉ።

እቶም ሽማግለታት ንባዕሎም'ውን ሓያል ተወፋይነት እናገበሩ ነቲ ቤት ትምህርቲ ይመርሕዋ ምህላዎም እቲ ኣቦመንበር ቦርድ ይዛረብ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምስኩሉ እቲ ተወፋይነት ኣካየድታን መምሃራናን፡ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝኾነ ፋይናንሳዊ ቅልውላዉ ኣጋጢምዋ ኣሎ። መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ክትቅጽል እንተኾይና፡ መምሃራና ክኽፈሉ፡ ንክራይ ገዛን ኣድላዪ ኣገልግሎታትን መኽፈሊ ዝኸውን ገንዘብ ክህልዋን ኣለዎ።

ዶ/ር ሰለሙን ነወተ፡ እታ ቤት ትምህርቲ "ካብ ኩሉ ብዝተወጻኡ ሽማገለታት፡ ሃይማኖት ኣይፈላሊ፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣይፈላሊ" እትመሓደር ኣብነታዊትን ኣገዳሲትን ምዃና ብምጥቃስ፡ ካብ ምዕጻው ምድሓና ነቶም ቆልዑ ወሳኒ'ዩ ይብል።

"ኣበርክቶ እዛ ቤት ትምህርቲ እዚዩ ዓብዩ፡ ኣብ ተምሃራይ እተጥፍኦ ገንዘብ ጠፊኡ ኣይብሃልን'ዩ፡ ምኽንያቱ ጽባሕ ንጉሆ መራሒ'ዩ፡ ዓቕሚ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ደቃን ኣብቶም ዝምሃሩ ህጻናት'ዩ ዝምርኮስ።"

ዶ/ር ሰለሙን ነወተ

እቲ ወለዲ ዝኸፍልዎ ስማዊ ክፍሊት፡ ትልኽ እናበለት ክትቅጽል'ኳ እንተሓገዘ፡ ምስቲ ጠለባት ዘይዳረግ ምዃኑን፡ እቶም ወለዲ ንባዕሎም ወግዓዊ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ዘይብሎምን፡ ኣታዊ ዘይብሎምን ምዃኖም፡ ንደቆ ከፊሎም ከምህርዎም ዘይክእሉ'ዮም።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘገደዶ ዕጽዋ ድማ፡ ተወሳኺ ብድሆ ፈጢሩ'ሎ- ካብ ተምሃሮ ዝርከብ ዝነበረ ድሩት ኣታዊ ምሉእ ብምሉእ ደዉ ኢሉ ጥራይ ከይኣክል፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ክኽፈት እንተኾይኑ ንመምሪሒታት ጥዕና ብዘኽበረ ኣገባብ ክኸውን እንተኾይኑ፡ ተወሳኺ ገንዘብ ዝሓትት'ዩ።

እቶም ን5 ኣዋርሕ ዝኣክል ዝርካቡ ክፍሊት ዘይተኸፍሉ መምሃራን ክምለሱን፡ ኣድላዪ ቅጥዕታት ኣማሊኣ ክትክፈት እንተኾይና "ህጹጽ ደገፍ" የድልያ ከምዘሎ'ዩ ኣቶ ሃነጸ ይምሕጸን።

እቲ ቤት ትምህርቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ መጸዋዕታ፡ ቀዳማይ ነቲ ህጹጽ ደገፍ ረኺባ ክትክፈት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንሓዋሩ ቀጻልነት ዘለዎ ውሕስነት ምርግጋጽ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለማት ገንዘብ ኣብ ምርካብ ዘጎሳጉሱ ውልቀሳባት መዚዞም ከምዘለዉን፡ ኣብ ኣውሮጳ ድሮ ናይ 'ጎፋንድሚ (GoFundMe) ተመስሪቱ ሰባት የበርክትሉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

"እቲ መልእኽትና፡ ናብ ኩሉ ዓለም ዘለኻ፡ በዚ ቤት ትምህርቲ'ዚ ዝሓለፍካን፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ ዝፈልጡን፡ ኩሉ ገባር ሰናይ ኤርትራውን ደገፉ ከበርክት ኢና መጸዋዕታ ጌርና ዘለና" ይብል ኣቶ ሃነጸ።

ዶ/ር ሰለሙን ብወገኑ፡ እዞም ቆልዑ "ደቅና'ዮም፡ ንኹሉ'ዩ ዝምልከት፡ ነቶም በታ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፉ ተምሃሮን ወለዲን ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንማንም ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ይምልከቶ'ዩ።

"ልዕሊ 2000 ተምሃሮ፡ እሞ ኣብ ስደት ኣብ ሱዳን ኴንካ ምምሃር ማለት ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ናይ ማእከላይ ባሕሪን ካልእን ሓደጋታት ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ። ስለዚ ኣብ ከምኡ ዓይነት ተመሳሳሊ ሽግር ከይወድቁን፡ ትምህርቲ ኣልቦ ኮይኖም ኣብ ጎደና ከይውዕሉን፡ ዘርምዘርሞ ከይኮኑ ኢደይ ኢድካ ንበል" ክብል ተማሕጺኑ።

"እዚ ወሳኒ'ዩ፡ ዕድል እዞም ቆልዑ ኣብ ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝኾነ፡ ኩሉ እቲ ናይ ሃይማኖት ይኹን ፖለቲካ ኣፈላላይ ገዲፍኩም፡ ዝካኣለኩም ክትገብሩ ጻውዒት ንገብር።"