መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከመምዝሰገረ ዝገልጽ ኤርትራዊ መንእሰይ ሰለሞን፡ ናይ ስደተኛ መለለይ ወረቐት ክረክብን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ንኽኣቱን ሓሲቡ ናብ ትግራይ እንዳባጉና'ኳ እንተኸደ 'ንሸራሮ ከይድኩም ብኡ ኣቢልኩም ምጽኡና' ተባሂሉ ናብ ሸራሮ ከምዝኸደ ይገልጽ።
ኣብ ሸራሮ ምስከዱ ድማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ግዝያዊ መዕቆብን መግብን ከምዝረኸቡ ይገልጽ። ይኹን እምበር ቀይሕ መስቀል ሓገዙ ደው ከምዘብል ስለዝነገሮም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዛጊድ ንጉዳይ ስደተኛታት ካብ ዝከታተል ትካል 'ኣራ' መጺኡ ዘዘራረቦም ኣካል ከምዘየለ ዝገልጽ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ መዓስከራት ዘመሓድሩን ሕብረተሰብ እቲ ከባብን ጥራይ ሓገዝ ከምዝገበሩሎም'ዩ ዝዛረብ።
ካብቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘዕቖቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ክሳብ 6 ቆልዑት ዝሓዛ ኣዴታት፣ ሽማግለታት፣ ወተሃደራትን ስንኩላንን ከምዝርከብዎም ይግለጽ።
ኣብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ቤት ትምህርቲ፡ ኣስታት 280 ስደተኛታት ከምዘለዉ ሰለሞን ይዛረብ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዋና ኣማሓዳሪ እተን ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተደኮናሉ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ብወገኑ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ ሸነኽ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ይኣትዉ ከምዘለዉ ይገልጽ።
ስደተኛታት ተቐቢሉ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ማእኸላይ መንግስቲ ይቐበሎም ስለዘየሎ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ስደተኛታት ምስ ቀይሕ መስቀልን ህዝቢ ሸራሮን ኣተሓባቢሩ ንግዚኡ ሸራሮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከዕቑቡ ከምዝገበረ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ትግራይ 'ምስ'ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ጥዕናዊ ኩነታት እቶም ስደተኛታትን ኢሉ'ውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ጸገም ዘእቱ ስለዝኾነ' ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነት ንዝተውሃቦ ናይ ፌደራል ትካል (ኣራ) ክቕበሎም'ኳ እንተሓተተ ዛጊት ግን ዝተውሃበ ምላሽ ከምዘየለ ገሊጹ።
ኣብ እንዳ ኣራ ዝሰርሕ ሓደ ምንጪ ቢቢሲ ብወገኑ፡ ኣብ ጉዳይ ኣቀባብላ ስደተኛታት ሓድሽ መምርሒ ከምዘሎን እቶም ኣብ ሸራሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቑቦም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ብዓይኑ ከይዱ ከምዘይረኣየ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ብዛዕብኦም ንኣራ ሓበሬታ ከምዝተውሃበን፡ እቶም ናይ ኣራ ድማ ንዝምልከቶ መንግስቲ ፌደራል ኣሕሊፎም ምላሽ ይጽበዩ ከምዘለዉን ሓቢሩ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብያተ ጽሕፈት ስለዝዕጸዋ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ከምዝተነገሮምን መጠን ረስኒ እቶም ስደተኛታት ተለኪዑ ዛጊድ ዋላ ሓንቲ ዘሰክፍ ከምዘየለ ዝገልጽ መንእሰይ ሰሎሞን፡ በቲ ኣብ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድማ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ክወጽኡ ከምዘይኽእሉን ሓደ ሓደ ዘድልዮም ነገራት ድማ በቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ኣካል ይቐርበሎም ከምዘሎን ኣረዲኡ።
ድልየት እቶም ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ምዝገባ ከይዲ ገይሩ፡ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ክረኽቡን ናብተን መዓስከር ስደተኛታት ክውዝዑን ምዃኑ ሰለሞን ገሊጹ።
'ኣራ ስደተኛታት ምቕባል ደው ካብ ዘብል' ካብ መንግስቲ ትግራይ ተደጋጋሚ ሕቶ ከምዝቐረበሉ ዝገልጸ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን፡ ኣራ ግን ናይ 'ድሕነት' ስግኣት ንዘለዎ ስደተኛ ጥራይ ኢና እንቕበል ዝብል ምላሽ ከምዝተውሃቦን ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Yirga Gebremedhin
ይኹን እምበር፡ 'እቲ ኩሉ ዶብ ሃገሩ ሰጊሩ ዝመጽአ ስደተኛ ነናይ ባዕሉ ምኽንያት ሒዙ ከምዝመጽእን ምኽንያቱ ብዘየገድስ ናይ ስደተኛ ወረቐት ተዋሂብዎ ክነብር ከምዝግባእ' ኣብሪሁ።
ስደተኛታት ናይ ምቕባልን ናይ ዘይምቕባልን ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል እንከሎ፡ ንምንታይ መንግስቲ ትግራይ ኢዱ የእቱ ከምዘሎ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ተኽላይ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነ ተረዲኡ ንዝምልከቶ ትካል መነግስቲ ፌደራል ክቕበልዎም ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ ኢሉ።
ይኹን እምበር ምላሽ ስለዘየሎ፡ እቶም ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘመሓድሮ መርየት ክሳብ ዘለዉ "በቲ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ሕሉፍ በዓል መበል 45 ዓመት ህወሓት ብዛዕባ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መደረ መሰረ"ት ህይወት እቶም ስደተኛታት ናይ ምሕላውን ምሕብሓብን ሓላፍነት" ከምዘለዎ ጠቒሱ።
ትጽቢት ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣራ ነቶም ስደተኛታት ተቐቢሉ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ሂቡ ከተኣናግዶም ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣቶ ተኽላይ፡ ዘይቕበሎም እንተኾይኑ ግን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ናይ ምንባር ፍቓድ ሂቡ ኣብ ድላዮም ክነብሩ ከምዝገብር ኣቶ ተኽላይ ኣፍሊጡ።
ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኤርትራውያን ትግራይ ዓዶም ከምዝኾነትን ከም ማንም ዜጋ ተንቀሳቒሶም ክነብሩን ክሰርሑን ከምዝኽእሉ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ቢቢሲ እዚ መብጽዓ ትግባሪኡ እንታይ ከምዝመስል ንምፍላጥ ንኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን፡ ንሱ ኣብዘመሓድሮ ዞባ ክንደይ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ነቲ ዕድል ተዋሂብዎም ዝብል ሕቶ ኣቕሪብሉ።
"ከም ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝተወደበ መረዳእታ'ኳ እንተዘይሓዝኩ ከም ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እንተወሲድና ግና፡ ዛጊድ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ይነብሩ ከምዘለዉን ገሊኦም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ይነጥፉ'ለው" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኤርትራ ናይ ዘይምቕባል ኩነታት ይረኣይ ከምዘሎ ምጥቃሱ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







