ኮሮናቫይረስ፡ ስግኣት ኣብ ሱዳን ዘለው ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱዳን፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 1,111 ከምዝበጽሓ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ እዩ። ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ፡ 181 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረኺባ። ቊጽሪ ዝሞቱ ድማ ናብ 59 በጺሑ'ሎ።
ነዚ ለበዳ ንምቊጽጻር ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ከተማ ካርቱም ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ዕጽዋ ኣዊጁ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ንብዙሓት ትሑት ናብራ ዘለዎም ሰደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሕ ቁጠባዊ ሃስያ ኣስዒብሎም ከምዘሎ ይግለጽ።
ብዙሓት ስደተኛታት ንመዓልታዊ ድራር ዕለቶም ወፊሮም ስለዘእትው፡ እቲ ስደተኛ ንጥምየት ከይቃላዕ እዩ ዝስጋእ።
ብፍላይ ድማ፡ እዚ ለበዳ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ መዓልታዊ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላውን ከቢድ ማህሰይቲ ከየውርድ ስለ ዝስጋእን፡ እቲ ኣዋጃት ዕጽዋን እቶ እቶን ዚያዳ ከይጸንዕ ስክፍታታት ኣሎ።
ቁጽሪ ግዳያት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሱዳን'ውን ሰዓት እቶ እቶ ብምእዋጃ፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝውንንወን ትካላት ንግዲ ተዓጽዮን ብምህላወን፡ ንሓደጋ ጥምየትን ለበዳን ተቃሊዖም ከምዘለው ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ይዛረቡ።
ነዚ ኩነታት ዕጽዋን ዘሎ ኩነታትን ብኸመይ ይቕበልዎ ምህላዎምን ትዕዝብቶም ናይ ዘካፈሉና ክልተ ሰባት ዛንታ እነሆ።

ኤርትራዊ ዮናስ እዮብ
ሱዳን ቀደም ዓዲ ድኻታት ዝብሃል ዝነበረ ሎሚ ናብራ እናበርተዐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ሱዳን ካብ ዝኣቱ ልዕሊ ሓደ ዓመት ይገብር።
ቅድሚ ሚያዚያ 18, 2020 ኣብ ካርቱም ኩነታት ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይመስልን ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ክቕየር ስለ ዝጀመረ፡ እቲ ቊጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ፡ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ኣዋጅ ዕጽዋ ተኣዊጁ።
ብሮቡዕ ኣብ መዓልቲ 100 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም ዝብል ዜና ምስ ሰማዕና፡ ቁሩብ ኣብዚ እዋን እዚ ንስከፍ ኣለና። ኩል ግዜ ኣምላኽ መዋጽኦ ይፍጠረልና እየ ዝብል።
ኣብዚ ሰዓት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክተንቀሳቐስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እቲ ሕብረሰተብና ብቤተሰብ ተሓጊዙ፣ ብውልቁ ሰሪሑ ግን ብጉጅለ ተኣኪቡ ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ካብታ ኩሉ ነገር ጠጠው ዝበለላ ዕለት ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ መዓልታዊ ዝረኽባ እቶት ስለ ዝተዓጽዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ይጽገም እዩ ዘሎ።
መብዛሕትኡ ሚኒዋለ፣ ነዳቓይ፣ ሕብሪ ምልካይ ገዛውቲ፣ ጽርየት ኣብ ዓበይቲ ድኳናትን ሆስፒታላትን እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፤ ግን ኩሉ ደው ኢሉ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ዓዲ ከኣ ድጎማ ዝበሃል ኣሰራርሓ የለን።
በዚ ምኽንያት ብፍላይ ገዛ ኪራይ ንምኽፋልን መዓልታዊ መግቢ ንምርካብ ኢና ንጽገም ዘለና፤ በዚ ከኣ ናይ ብሓቂ ዘሰክፍ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ።
እቲ ዕጽዋ መዓስ እዩ ክኽፈት ክትግምቶ ኣይትኽእልን። እቲ ቊጽሪ ሕጂ እናወሰኸ ይኸይድ ካብ ሃለወ ካብቲ ዘለዎ መሊሱ ድዩ ክጸብብ ኢልካ ኢካ ትስከፍ።
ከምዚ ተኾይኑ ናይ ብሓቂ ብዙሓት ሰባት ክጽገሙ እዮም። ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ጥምየት እዩ ከርክቦም።
እቲ ዝዓበየ ሽግር ክኣ . . .
ሰብ፡ ኣእዳወይ ይሕጸብ ኣለኹ፣ ካብ ሰብ ይርሕቕ ኣለኹ፣ ስለዚ ይጥንቀቕ እየ ዘለኹ ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ግን ከኣ ኣብ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ሕብረሰተብ እቲ ዝዓበየ ጸገም ማሕበራዊ ምፍንታት ዝብሃል እዩ።
እቲ ሕማም ኣኽፊኡ ኣይምጻእ እምበር ክንከላኸሎ ኢና ኢልካ ዝሕሰብ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ገዛ ክሳብ ኣርባዕተ ሰብ ተኣኪብካ ኢኻ ትነብር።
ኣብ እንዳ ባኒ፡ መዐደሊ ጋዝ እንተኸድካ'ውን ኩሉ ሰብ ተኣኪቡ ኢኻ ትረኽቦ።
እቲ ናትና ሕብረሰተብ ቁሩብ ይሓይሽ እምበር፡ ሱዳናውያን ማሕበራዊ ፍጻሜታት ደው ኣየበሉን ዘለው፤ ብዙሕ ግዜ እዮም ዝአከቡ። ኣባና ድማ ኮፍ ኢልካ ቡን ምስታይን ተኣኪብካ ምዕላልን ኣይተረፈን።
ገሊኡ እዚ ሕማም እኮ የለን ይብለካ። ንምንታይ ኢኻ የለን ትብል ክትብሎ ከለኻ ስቕ ኢሎም ንፖለቲካ እዮም ከምኡ ዝብሉና ዘለው ኢሉ ከነኣእሶ ትሰምዕ።
እሞ ጥልያን፣ ኣሜሪካ፣ ዓዲ ኢንግሊዝን ካልኦትን ንፖለቲከኦም ክብሉ ድዮም ከምኡ ዝገብሩዎ ዘለው ኢልካ ክትሓቶ ከለኻ ድማ ምኽንያታዊ ኮይኑ ከረድአካ ዝኽእል ኣይትረክብን። በዚ ኣዝየ እየ ዝሻቐል።
ንነብስኻ ክትከላኸለሎም እትኽእል ከም ማስክ፣ ኣልኮል መጽረዪ ኢድ ዝበሉ ነገራት ምርካብ ንርእሱ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ'ውን ነዚ ፈሊጡ ኩሉ እንተዘይተጠንቂቑ ክድሕን ከም ዘይኽእል ሓቢሩ'ዩ።
ሰብ ንርእሱ እዩ ክከላኸል ዘለዎ። እቲ እንምክሐሉ ዝነበርና ምዕራባዊ ዓለም ምስ ኩሉ ዓቕምታቱ ህዝቢ ከም ቖጽሊ ክረግፍ ንርእዮ ስለዘለና፡ ዕሽሽ ኣይንበል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያዊ ይሕገዶ ኣባይ
ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብታ ሃገር ኣዋጅ እቶ እቶ ካብ ዝእወጅ ንነጀው፡ እቲ ኢትዮጵያውን ኤርትራውን ሕጊ ኣኽቢሩ፣ ስርዓቱ ሓልዩ ብዝከኣል እተን ክገብረን ዝኽእል ጥንቃቐታት እናገበረ ኣብ ገዝኡ ኾፍ ኢሉ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣዋጅ፡ እቲ ዓዲ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይበልና እውን ሱዳናውያን ቁሩብ ሸለልተኝነት ዘለዎም ሕብረሰተብ ስለ ዝኾኑ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክዓርግ ንዕዘቦ ኣለና።
ኣብዚ እዋን ብሕጽር ዝበለ፡ እቶም ሰብ ዓዲ ዘይጠዓሞም ንሕና ክጥዕመና እዩ ኢልካ ምትንባይ ኣጉል እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ነዳድን ባንን ሰልፍታት ነይሮም። ኣብዚ ሰዓት ቁሩብ ዝፍትሑ ዘለው ይመስሉ፤ እምበር ኣብ እዋን እቶ እቶ እታ ሕብስቲ ምርካብ ከቢድ እዩ ዘሎ።
ግን መብዛሕትኡ ሕብረተሰብና ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ቀጥታዊ ስራሕ ሰሪሑ ይናበር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኩነታት ናብ ምምሕያሽ ገጹ እንተዘይተመሊሱ እቶም ሓደጋታት ከበድቲ እናኾኑ ክኸዱ'ዮም።
ማስክ ብዙሕ ኣይርከብን፤ እታ ኣልኮል ኢድ'ውን እንተኾነት መጀመርታ ብኸምዚ ናይ ቀበሌ ዓይት ኣወዳድባ ተገይሩ ዝተወሰነ ብልቃጥ ኣልኮል ተዋሂቡ ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ሕብረተሰብ ዓብዪ መከላኸሊ ገይሩ ዝወስዶ ዘሎ ኣብ ገዝኡ ተወሺጡ ኾፍ ምባል እዩ።
ከተማ ተዓጽዩ ስለ ዘሎ'ውን ወጺእካ ሓደ ነገር ንከተምጽእ ኣይከኣልን። ኣብዚ ዓዲ ሱዳናውያን ዝዝርግሑዎም ዝተፈላለዩ ቪድዮታት ንርኢ ኣለና፤ ህዝቢ ናብ ከቢድ ቑጠባ ሃሰያ እዩ ዝወርድ ዘሎ። እተን ዝሓዘን እንተወዲኡ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይፍለጥን።
ናህሪ ዕዳጋ ከይተረፈ ተራእዩ እዩ፤ ንግዚያዊ መግቢ እንጥቀመሎም ንሂሮም እዮም ዘለው። ክሳብ ሕጂ ንጥምየት ዝተቓልዐ ሰብ ኣይፈልጥናዮን ኣብ ገዝኡ ግን ክህሉ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ዓዲ ዘለና ኢትዮጵያውያን ነንሕድሕድና ንምትሕግጋዝ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ኣብዚ እዋን ልግሶም ንዘርኣዩን ናብቶም ብናብራ ዝተሃሰዩ ከበጻጽሑ ንዝፈተኑ ሰባት ነመስግኖም ኣለና። ብኤምባሲ ይኹን ብመንግስቲ ግን ዝተገበረ ሓገዝ ግን የለን።
እቲ ልሙድ ዕላል . . .
ኣነ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ገዳሪፍ ተወሊደ እየ ዓብየ። ብ2002 ድማ ናብ ካርቱም መጺአ ኣብዚ ከተማ ምንባር ጀሚረ። ባሕሪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ድማ ይነብር። አቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ'ውን እየ።
መንግስቲ ሱዳን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ ዕጽዋታት ብምህላው፡ ኣብዚ እዋን በዚ ሕማም ምኽንያት ኣይ ንዓዲ ኣይ ንዓውዲ ክንተርፍ ኢና ዝብል ልሙድ ዕላል መናእሰይን ዓበይትን ኮይኑ ኣሎ።
ቊጽሪ ዝልከፉ ዘለው ሰባት ይውስኽ እዩ ዘሎ። ብስሩ ምስ እንሓምም ደቂ ሃገር ስለ ዘይኾንና ክንሕከም ዲና ዝብል ስግኣታት'ውን ኣሎ። በዚ ምኽንያት ሰብ ሰጊኡ ከይሕባእን ዝሓመመ ከይሓብእን ይሰግእ።
ልዕሊ ኩሉ፡ ዝወሃቡ ዘለው መምርሒታት ምክልኻል እዚ ሕማም ብልቢ ክንትግብሮም ይግባእ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







