ኣብ ቺለ ዝተወለዐ ተቓውሞ፡ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ

ኣብ ቺለ ዝተወለዐ ተቓውሞ፡ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ቺለ፡ ኣንጻር ዘይማዕርነት ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ዝካየድ ዘሎ ኾይኑ፤ እዚ ተቓውሞታት ናብ ጎነጽ ስለዘምረሐ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ተባሪዐን።

ካብተን ሓደጋ ዝወረደን ክልተ ኣብያተ ክርስትያን፡ እታ ሓንቲ ዳርጋ ምሉእ ንመሉእ እያ ዓንያ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ሰልፈኛታት ንዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብተባራዕቲ ነገራት ደብዲቦምዎ። ናይ ሸቐጥ መደብራት እውን ተዘሚቶም እዮም።

እዚ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ዝገበረ ኮይኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት'ውን ንምጅማር እዚ ተቓውሞታት ክጽምብሉ እዮም ናብ ኣደባባያት ወጺኦም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ጸገሞም ምስ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ናይ'ታ ሃገር እዩ። ኣብ መጻኢ ቀዳመ ሰናብቲ፡ 'ሓድሽ ሕገመንግስቲ ዶ ይሃሉ?' ብዝብል ውሳነ (ሪፈረንደም) ህዝቢ ክካየድ እዩ።

እዞም ሰልፈኛታት፡ ህዝቢ ንሓድሽ ሕገ መንግስቲ ከድምጽ እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ቺለ፡ ብ 1973 ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝቖመ እዩ።

ኣብ ቺለ ዝተወለዐ ተቓውሞ፡ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖሊስ፡ ኣብ'ቲ ትማሊ ዝነበረ ዓመጽ፡ 18 ኣባላቱ ከም ዝቖሰሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ቪክቶር ፔሬዝ ድማ ነቶም ገበን ዝፈጸሙ ከም ዝቐጽዖም ተዛሪቡ'ሎ።

“እዞም ጎነጽ ዘልዕሉ ዘለው ሰባት፡ ንሕና ቺላውያን ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ጸገምና ክንፈትሕ ዘይደልዩ እዮም” ኢሉ።

ኣብ ሳንቲያጎ፡ ገጾም ዝኸወሉ ሰባት፡ ንክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣቃጺሎም እዮም። ፖሊስ፡ ነዞም ናዕበኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ ተጠቒሙ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ዓመጽ ቺለ፡ ዳርጋ መዓልታዊ’ዩ ዝካየድ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ሳንቲያጎ ዋጋ ትኬት መጓዓዝያ ወሲኹ ብዝብል ዝጀመረ ናዕቢ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቺለ ንዘሎ ዘይማዕርነት፣ ልዑል ዋጋ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ትሑት ሓገዝ ትምህርትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብምልዓል ጠለባትን ሕቶታትን ናይ'ቲ ተቓውሞ ዓብዩ'ሎ።

ክሳብ ሕጂ፡ ምስ'ዚ ናዕብታት ብዝተኣሳሰር፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ቆሲሎም እዮም።