ኤርትራ፡ ናብ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ተመሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ብፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ፡ ኣብ ደረጃ ሃገራት ዘይተሰርዐት'ኳ እንተኾነት ኣብ ቅድመ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 (ኣፍኮን) ክትሳተፍ ምዃና ግን ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ዓመታዊ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ፊፋ ኣብቲ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ሓቢሩ ነይሩ።
እታ ብኣግማል ቀይሕባሕሪ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ለካቲት 2020 ኣትሒዙ ክልተ ኣህጉራዊ ጸወታታት ጥራይ ዘካየደት ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ ናይ ቅድመ መጻረዪ ውድድር ምስ ኤስዋቲኒ ክትገጥም ዕጫ በጺሑዋ'ሎ።
ኤርትራ ካብ ተመሳሳሊ መድረኽ መጻረዪ ውድድር ኣፍኮን ኣብ 2023 ከተንሳሕብ እንከላ፡ ብድሕሪኡ ኣብ 2025 ኣብ ዕጫ ውድድራት እውን ተገሊላ ጸኒሓ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2026፡ ምስታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሞሮኮ ኣብ ዝተመደበላ ጸወታ፡ ሓደ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ከምዘይትሳተፍ ከምዘፍለጠት ይዝከር።
ዕጫ ቅድመ መጻረዪ ውድድራት ኣፍኮን 2027፡ ቅድሚ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ እዚ ሕጂ ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ዘሎ ውድድር 2025 ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ራባት እዩ ዕጫ ወጺኡ። ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣአንጋዲት ሞሮኮ ምስ ናይጀርያ፡ ሰኔጋል ድማ ምስ ግብጺ ሎሚ ክገጥማ ምዃነን ይፍለጥ።
በቲ ወጺኡ ዘሎ ዕጫ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሳኦ-ቶሜ-ፕቲንቺፐ፣ ሲሸልስ ንለሴቶ፣ ጅቡቲ ምስ ደቡብ ሱዳን፣ ጫድ ኣንጻር ብሩንዲ፣ ሶማልያ ምስ ማውሪሸስ ክራከባ ምዃነን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ብኽልተ እግሪ ዝካየድ ጸወታታት ቅድመ መጻረዪ ኣብ መጋቢት ዝካየድ ኮይኑ፡ እተን ሽዱሽተ ተዓወትቲ ምስተን ኣብታ ኣህጉር ዝለዓለ ደረጃ ዘለወን 42 ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ቀንዲ ምድብ መጻረዪ ጸወታታት ክጽንበራ እየን።
መጻረዪ ጸወታታት ኣፍኮን 2027 ይዅን እቲ ውድድራት ንባዕሉ ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ኣብ ዘአንግድኦ ውድድራት ዝካየድ ኰይኑ፡ ዝርዝራቱ ብኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብሕጂ ክግለጽ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።
ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ፣ ኣብ 1962 ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ንዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዓብላልነት ዝተሰለፉ ተዘከርቲ ተጻወትቲን ጋንታታትን ዘፍረየ ይዅን እምበር፡ ዘይከምቲ ታሪኹ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝዀነ ዝጥቀስ ኣህጉራዊ ውጽኢት ኣየመዝገበን።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ሊግ ውድድራት ድኹም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዙሓት ዓቕሚን ክእለትን ዘለዎም ተጻወትቲ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ካብታ ሃገር ስለ ዝወጽኡ፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ዝምዝገብ ውጽኢት ካብ ዘይርአ ነዊሕ ጸኒሑ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







