ኤርትራ፡ ክለብ ደንደን ደቀንስትዮ ኣብ ዞባዊ መጻረዮ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ'ያ

ደንደን ቻምፕዮን ክለባት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ 2024 ክትከውን ክኢላ'ያ

ምንጪ ስእሊ, ENFF

ብመኮነን ጐስጓስን ሓበሬታን ምኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ እትምወል ክለብ ደንደን ደቀንስትዮ ኣብቲ ካብ 4 ክሳብ 16 መስከረም ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዞባዊ መጸረዪ ኵዕሶ እግሪ ቻምፕዮንስ ሊግ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክትጻወት'ያ።

ኤርትራ ብደረጃ ደቀንስትዮ ይዅን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸወታ ክትሳተፍ እዚ ንመጀመርታ'ዩ።

ዳይረክተር ሴካፋ ኣውካ ጌቾ፡ ጋንታ ደንደን ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ "ቀጠልያ መብራህቲ" ከምዝተወለዓላ ብምሕባር "ካብ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ንመጀመርታ ግዜ እትሳተፍ ጋንታ ምህላዋ ሓጐስ ይስምዓና" ኢሉ።

ኣብዚ ዞባዊ መጻረዪ ውድድር ትሽዓተ ጋንታታት ደቀንስትዮ'የን ክሳተፋ።

ተሳተፍቲ ክለባት፡ክለብ ንግድ ባንክ ካብ ኢትዮጵያ፡ፖሊስ ቡለት ካብ ኬንያ፡ ካምፓላ ኲንስ ካብ ዩጋንዳ፡ ቶፕ ገርልስ ኣካዳሚ ካብ ብሩንዲ፡ ራዮን ስፖርት ካብ ርዋንዳ፡ የይ ጆይንት ስታርስ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ጀይከይቲ ኲንስ ካብ ታንዛንያ፡ ጀይከይዩ ካብ ዛንዚባር ከምኡ ከኣ ደንደን ካብ ኤርትራ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክለብ ንግድ ባንኪ ኢትዮጵያ ነዚ ውድድር ተዓዊታትሉ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ ናብዚ ውድድር ክብራ ንምዕቃብ'ያ ክተኣቱ።

ክለብ ደንደን ከኣ 1 መስከረም ናብ ናይሮቢ ክትኣቱ ምዃና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትማሊ 26 ነሓሰ ኣብ ዝወደቐ ዕጫ ከኣ ደንደን ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ኬንያዊት ጋንታ ኬንያ ፖሊስን ዩጋንዳዊት ጋንታ ካምፓላ ኵንስ ተመዲባ ኣላ።

ኣብ ምድብ ክልተ ክለብ ንግድ ባንክ ናይ ኢትዮጵያ፡ ቶፕ ገርልስ ኣካዳሚ ካብ ብሩንዲ ከምኡ ከኣ ራዮን ስፖርት ካብ ርዋንዳ ተመዲበን ኣለዋ።

ኣብ መድብ ሰለስተ ከኣ ጀይከይዩ ካብ ዛንዚባር፡ የይ ጆይንት ስታርስ ካብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ ከኣ ጀይከይቲ ኲንስ ካብ ታንዛንያ ተደላዲለን ኣለዋ።

ኣፍሪቃ ኣብ ሸውዓት ዞባታት ተኸፋፊላ፡ በብዞባኡ'ዩ እቲ መጻረዮ ውድድር ክካየድ።

ኣብተን ሸውዓተ ዞባታት ቀዳሞት ዝወጻ ጋንታታት ከኣ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ክለባት ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክሓልፋ እየን።

ኣብ ሓደ ምድብ ሰለስተ ጋንታታት'የን ክህልዋ፣ ካብ ሰለስቲኡ ምድብ ቀዳሞት ኰይነን ውድድረን ዝወድኣ ብቐጥታ፡ ካብተን ካልኣይቲ ኰይነን ዝዛዘማ ከኣ እታ ዝበለጸ ነጥብን ጸብለልታ ሸቶን ዘለዋ ሓንቲ ጋንታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክሓልፋ'የን።

ካብ ኵለን ቀዳመይቲ ኰይና ዝሓለፈት ጋንታ ከኣ ኣብቲ ኣብ መወዳአታ ናይዚ ዓመት ዝካየድ ቻምፕዮን ሊግ ጋንታታት ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ'ያ።

እቲ ጸወታ ኣብ ኬንያ ንያዮ ስታድዮምን ኣብ ኡሊኒዚ ኮምፕሌክስን'ዩ ክካየድ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብዚ ዞባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ካብዚ ጸወታ በዂረን ምህላወን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣብቲ ዓሚ ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየደ ቻምፕዮንስ ሊግ ጋንታታት ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ቲፒ ማዘምበ ዝተብሃለት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቻምፕዮን ምዃና ይዝከር።

እቲ ጋንታ ነታ ኣብ 2023 ቻምፕዮን ኰይና ዝነበረት ሞሮካዊት ጋንታ ኤስ ፋር ረቲዓ'ያ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ክኢላ።

ቲፒ ማዘምበ ዓሚ ቻምፕዮን ድሕሪ ምዃና 600 ሽሕ ዶላር ክትሽለም በቒዓ'ያ።

ኤርትራ ብደረጃ ክለብ ደቀንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር ክትሳተፍ እዚ ናይ መጀመርታኣ'ዩ ክኸውን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝዀነ ኣህጉራዊ ጸወታታት ተገሊላ'ያ ጸኒሓ።

ብሰንኪ'ዚ ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ሎሚ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ኣመልኪቱ።

ፊፋ ከም ዝዘርግሖ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኤርትራ ኣብ 2007 መበል 121 ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ መበል 207 ድማ ኣብ 2019 ዝተመዝገበ እዩ።

ብመሰረት እቲ ብ10 ሓምለ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣርጀንቲና፡ ስጳኛን ፈረንሳን ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት እየን።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ እታ ኣብ ዓለም 12 ዝተሰርዐት ሞሮኮ ኣብ ቅድሚት፣ ኣብ ፊፋ መበል 18 ተሰሪዓ ዘላ ሰኔጋል ካልአይቲ፡ ብደረጃ ዓለም መበል 34 ተሰሪዓ ዘላ ግብጺ ድማ ሳልሰይቲ ኰይነን ደረጃታት ሒዘን።

ሃገራት ሲሸልስ፡ ሶማልያ፡ ሳኦ ቶመ ፕሮንቺፐ፡ ጅቡቲ ድማ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ደረጃ የብላን።

ደረጃታት ፊፋ፡ ሃገራት ብዘካየድኦ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ወግዓዊ ውድድራት ብዝሒን ዝተመዝገበ ውጽኢትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝስራዕ ኰይኑ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም ዝዘርገሖ፡ ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ወይ ከኣ ኣርባዕተ ዓመት ዝዀነ ወግዓዊ ጸወታ ዘይብለን ሃገራት ኣብቲ ዝርዝር ኣይሰፍራን እየን።

በዚ መለክዒታት ድማ እታ እንኮ ኣብቲ ዝርዝር ዘይሰፈረት ሃገር ኤርትራ ጥራይ'ያ።

ስለዚ ክለብ ደንደን ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር መስታፋ፡ ብውሑዱ ብደረጃ ክለብ - ምልሶት ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።

ክለብ ደንደን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዝተፈላለየ ጸወታታት ደቀንስትዮ ብዓብላልነት ክትዕወት ስለዝኽኣለት'ያ ነታ ሃገር ወኪላ ኣብ ዞባዊ መጻረዮ ቻምፕዮንስ ሊግ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክትሕረ ክኢላ።

ደንደን፡ ቻምፕዮን ክለባት ኤርትራ 2024 ኰይና ውድድራ ምዝዛማ ይፍለጥ።