ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ኣንሳሒባ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ናይ ምድብ ጸወታ ክተካይድ 6 መዓልታት ጥራይ ተሪፍዋ እንከሎ፡ ካብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ኣንሳሒባ።

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ ከምኡ’ውን ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ምንስሓቡ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራ፡ ብ16 ሕዳር ናብታ ኣብ ደረጃ ዓለም መበል 13 ተርታ እትርከብ ሞሮኮ ክትገይሽ ተሓሲባ ነይራ።

ሕጂ ኣብ ምድብ E ናይ ኣፍሪቃ መጻረዪ ግጥማት ምስተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ጋንታታት ማለት ሞሮኮ፡ ዛምብያ፡ ኮንጎ፡ ታንዛንያን ኒጀርን ክወዳደራ እየን።

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ፡ ኤርትራ ምስሓባ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣረጋጊጹ። "ኩሉ ጸወታታት ኤርትራ ተሰሪዙ፡ ዝተረፈ መደብ ጸወታ ምድብ E ግን ኣይተቐየረን" ክብል፡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ተዓወትቲ ምድብ E ናብቲ ኣብ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝካየድ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም 2026 ክሓልፋ እየን።

ኤርትራ ናይ መወዳእታ ኣህጉራዊት ግጥም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣንጻር ሱዳን ምሕዝነታዊ ግጥም ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳተፈቶ ውድድር ኣብ መስከረም 2019 ከም ኣካል መስርሕ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ውድድር ኢዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኤርትራ ካብ ምሕላፍ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ብምስሓብ፡ ንመጋጥምታ ቦትስዋና ናብ ምድብ ምድብ ክትሓልፍ ዕድል ሂባታ’ያ።

ሃልዋት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ

ምስ ሽወደናዊት ክለብ ትረለቦርግ ዝጻወት መሓመድ ስዒድ፡ ካብቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ኤርትራ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ሽወደናዊት ክለብ ትረለቦርግ ዝጻወት መሓመድ ስዒድ፡ ካብቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ኤርትራ እዩ

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እዚ ዝብሃል ውጽኢት ክተመዝግብ ኣይተራእየትን።

ተጻወትቲ'ውን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝገሽሉ እናሃደሙ፡ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ እታ ሃገር ዘለዎም ተቓውሞታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምሕደራን፡ ንተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ'ውን ዘይነሕሲ ግዱድ ሃገራዊ ኣግልግሎትን ባይታ'ዩ ዘቢጡ ዝርከብ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ'ውን ኣብ ዝሓለፈ መጻረዩ ዋንጫ ዓለምን ዋንጫ ኣፍሪቃን ክተንሳሕብ ጸኒሓ'ያ።

ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ግጥማት ከተካይድ ብዘይምኽኣላ፣ ካብ ደረጃ መሳልል ፊፋ ተገሊላ ትርከብ።