ታሪኽ ዝሰርሐት ሞሮኮ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ክትገጥም’ያ

ኩዕሶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣንጻር እታ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2022 ታሪኽ ዝሰረሐት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ቀዳማይ እግሪ ምጽራይ ንዋንጫ ዓለም 2026 ንምክያድ 13 ሕዳር ክትገጥም’ያ።

ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ደረጃታት ፊፋ መበል 181 ተሲረዓ ዘላ ክትከውን እንከላ፡ እታ ብኣናብስ ኣትላስ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ከኣ ብመሰረት ፊፋ ኣብ ሓምለ ዘውጽኦ ደረጃታት ሃገራውያን ጋንታታት፡ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም መበል 14 ተሰሪዓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ’ያ።

ምጽራይ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘካይዳ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቀዳማይን ካልኣይን እግሪ ምጽራይ ንምክያድ 13 ከምኡ ከኣ 20 ሕዳር ክጻወታ’ዩ ፊፋ መደብ ሰሪዑ ዘሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካልኣይ ጸወታኣ፡ ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኮንጎ ብራዛቪል 20 ሕዳር ግትገጥም’ያ።

ሳልሳይ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ሰነ 2024 ናብ ታንዛንያ ከይዳ እተካይዶ ኰይኑ፡ ራብዓይ ናይ ምድብ ጸወተኣ ከኣ 10 ሰነ 2024 ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኒጀር ክትገጥም’ያ።

  • 17 መጋቢት 2025 ኣንጻር ዛምብያ
  • 24 መጋቢት 2025 ናብ ኒጀር ብምኻድ
  • 1 መስከረም 2025 ንዛምብያ ዓዲማ
  • 8 መስከረም 2025 ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል
  • 6 ጥቅምቲ 2025 ንሞሮኮ ዓዲማ
  • 13 ጥቅምቲ ንታንዛንያ ናብ ሜድኣ ዓዲማ ጸወታታት ከተካይድ ተሰሪዑላ ኣሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፤ ኣንጻር እታ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ንከም ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቤልጂም፤ ክሮሽያ፤ ስጳኛን ፖርቹጋልን ብምብዳህ ናብ ፍርቂ ፍጻም ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ እተካይዶ ጸወታ እቲ ዝሓየለ ጸወታ ኰይኑ፡ ኣዝዩ ክብድሃ ከም ዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ንኸም በዓል ኣችራፍ ሓኪሚ፡ ያሲን ባውኑ፡ ሶፍኣን ኣማራባት፡ ሓኪም ዘችን ዮሱፍ ኢል ነሲርን ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ነቲ ንኤርትራ፣ ኒጀር፣ ኮንጎ ብራዛቪልን ዛምብያን ሓቊፉ ዘሎ ምድብ ሓሙሽተ ብቐሊሉ ቀዳመይቲ ብምዃን ሰጊራ ናብ ዝቅጽል መጻረዩ ክትሓልፍ ከም እትኽእል’ዩ ዝግመት።

ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት፡ ብናይ ትሕቲ ዕጽመ ተጻወትቲ ናብ ሃገራት ስካንድኒቭያን ብምኻድ ንዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ብምስዓር ኣብ ዓለም ክትፍለጥ ክኢላ ነይራ'ያ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እዚ ዝብሃል ውጽኢት ከተመዝግብ ኣይተራእየተን።

ተጻወትቲ'ውን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝገሽሉ እናሃደሙ፡ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ እታ ሃገር ዘለዎም ተቓውሞታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምሕደራን፡ ንተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ'ውን ዘይንሕፍ ግዱድ ሃገራዊ ኣግልግሎትን ባይታ'ዩ ዘቢጡ ዝርከብ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ'ውን ኣብ ዝሓለፈ መጻረዩ ዋንጫ ዓለምን ዋንጫ ኣፍሪቃን ከተንሳሕብ ጸኒሓ'ያ።

ኣብዚ ተመዲቡላ ዘሎ መጻረዩ ዋንጫ ዓለም'ውን ክትሳተፍ ድያ ኣይክትሳተፍን ክሳብ ሕጂ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, FUFA

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ 2019

ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ሲራልዮን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ጅቡቲን ግብጽን ኣብ ምድብ ሓደ ተሰሪዓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ከኣ ቀዳመይ መጻረዪ ጸወታኣ ኣብ ሜድኣ 13 ሕዳር ኣንጻር ሴራልዮን ጸወታ ተሰሪዑላ ኣሎ።

20 ሕዳር ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ቡርኪናፋሶ፡ 3 ሰነ 2024 ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ጊኒ ቢሳው፡ 10 ሰነ 2024 ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ጅቡቱ ጸወታ ከተካይድ እያ።

ብምቅጻል 17 መጋቢት 2025 ኣብ ሜድኣ ኣንጻር እታ ብፈለግ ኒል [ሩባ ኣባይ] መቐናቕንታ ዝዀነት ግብጺ፡ 24 ሰነ 2024 ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ጅቡቲ፡ 1 መስከረም 2025 ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣንጻር ግብጺ፡ 8 መስከረም ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣንጻር ሲራልዮን፡ 6 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ጊኒ ቢሳው፡ 13 ጥቅምቲ 2025 ከኣ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ቡርኪናፋሶ ጸወታታት ተሰሪዑላ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣሜሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ብሓባር ዘአንግድኦ ዋንጫ ዓለም 2026 ሽዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታት'የን ክሳተፋ።

ካብዘን ኣብ ትሽዓት ምድብ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይቲ ኰይነን ካብ ዝተዓወታ ትሽዓት ሃገራውያን ጋንታታት፡ ዝበዝሐ ነጥብን ጸብለላታ ሸቶን ዘለወን ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታት ብቀጥታ ናብ ዋንጫ ዓለም ክሰግራ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ከኣ ተወሳኺ ምጽራይ ብምግባር ንክልተ ኮታ ክወዳደራ'ያ።