ኣንጻር ኣርሰናል15 እንቋቑሖ ክውሕጥ ዘተወራረደ ደጋፊ ዩናይትድ ሆስፒታል ኣትዩ

እንቋቑሖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤልዶሬት ኣብ እትበሃል ግዝኣት ኬንያ፡ ሓደ ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ ጋንትኡ ኣንጻር ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ተወራሪዱ።

ኣብቲ ምስ ደገፍቲ ኣርሰናል ዝገበሮ ውርርድ፡ ቶማስ ኪፑታኒ ኬምቦይ ዝተበሃለ ደጋፊ ማን ዩናይትድ እንተተሳዒራ 15 ዝበሰለ እንቋቑሖ ክውሕጥ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ዩናይትድ ኣንጻር ኣርሰናል 1 ብ 3 ምስ ተሰዓረት ድማ ብመሰረት ቃሉ 15 ዝበሰለ እንቋቑሖ ተቐሪቡሉ ክበልዕ ጀሚሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ቶማስ ኪፑታኒ፡ መሓዙቱ እናተባብዕዎ ነቲ እንቋቑሖ ክሳሃሎ ይርአ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሲቲዘን ኬምቦይ ኣብ መበል 15 እንቋቑሖ ምስ በጽሐ ውነኡ ስሒቱ ክወድቕ እንከሎ መሓዙቱ ዋዛ መሲልዎም ይስሕቑ ነይሮም።

እቶም ኣዕሩኽ፡ ቶማስ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ከም ዝወደቐ ምስ ተረድኡ ኣልዒሎም ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲቲዘን፡ እቲ ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ፡ ሕማም ድርቀት ከብዲ ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ ክሳዕ ዝሓዊ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝጸንሐ ሓቢረን።

ንሱ፡ “እቲ እንቋቑሖ ክበልዕ ከለኹ ንመጀመርታ ግዜ ኣዝየ ተሓጒሰ ከም ዝነበርኩ እዝክር። ድሕሪኡ ክበራበር ከለኹ ንነብሰይ ኣብ ሆስፒታል ረኺበያ" ክብል ንጋዜጣ ስታንዳርድ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ግጥም ብዓብላልነት ኣርሰናል እዩ ተዛዚሙ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ብሸቶ ራሽፎርድ መሪሓ ነይራ።

ኣብ ካልኣይ እብረ ግን፡ እቲ ጸወታ ተቐይሩ ኣርሰናል 3 ብ 1 ከም ዝተዓወተት ይዝከር።