መሳርሕቲ ዋይን ሩኒ “0” ምልክት ኣርኢኻ ብዝብል ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ሰባት ብምልክት ኣእዳው ካብ ዝረዳድኡሎም እቲ ሓደ፡ ዝዀነ ነገር ቅኑዕ ወይ ጽቡቕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ማእከለይቶ፣ ቀለቤቶን ሕንጥሊቶን ኣጻብዕቲ ተዘርጊሐን ዓባይ ዓባይቶን ኣመልካቲቶ ድማ ኣብ ጫፈን ክራኸባ ብምግባር ዝፍጠር “0” ቅርጺ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ‘ደሓን’፡ ‘ሕራይ’፡ ‘ጽቡቕ’ ወይ ‘ቅኑዕ’ ዝብል ሓሳብ ንምግላጽ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ፡ ከም ኢሞጂ እናገልገለ ይርከብ።
ይኹን እምበር፡ ነዚ ምልክት ዘርኣየ ሓደ ኣመሪካዊ ኣሰልጣኒ ስፖርት፡ 'ኣድልዎ' ፈጺምካ ተባሂሉ ካብ ስራሕ ተባሪሩ ኣሎ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብራ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኤምኤልኤስ ዲሲ ዩናይትድ፡ ብገለ ሰባት ከም ምልክት ጽልኢ ዝቑጸር ምልክት ስለዘርኣየ ካብ ስርሑ ከም ዝተባረረ ሓቢራ።
እቲ "ኣድልዎ ዝገልጽ ምልክት ኢድ" ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ምስ ተረኸበ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣሰልጣኒ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ እታ ክለብ ዘውጽኣቶ መግለጺ የመልክት።
ኮይኑ ግን እታ ክለብ መንነት እቲ ዝተሰጎጔ ኣሰልጣኒ ኣይገለጸትን።
እቲ ሕጂ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተኣለየ ትሕዝቶ፡ እቲ ኣሰልጣኒ ሰራሕተኛታት እታ ክለብ ኣብ ዝተሰኣሉሉ ሓደ ፎቶ ነቲ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዓሌታዊ ዝውሰድ ምልክት ክገልጽ ይረአ።
ምስጓግ እቲ ኣሰልጣኒ "ብቕጽበት ኣብ ግብሪ ዝውዕል" ምዃኑ፡ እቲ ሓጺር መግለጺ እታ ክለብ ይሕብር።
"ንዓሌትነት፣ ጽልኢ ግብረሰዶማውያን፣ ጽልኢ ደቂ ኣንስትዮ፣ ወይ ዝኾነ ዓይነት ኣድልዎ ቦታ የብልናን፤ ዲሲ ዩናይትድ ድማ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣይትጻወርን እያ" ይብል።
እዚ ብኣጻብዕቲ ዝወሃብ ምልክት ብኸመይ ምስ "ልዕልና ጻዓዱ" ከም ዝተኣሳሰር ንጹር ኣይኰነን።
ከም ኣብ ኢንተርኔት ዝፍጸም ምትላል ድሕሪ ምጅማሩ ብገለ ርሑቕ የማናውያን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ይንገር።
ኣብ 2018 ሓደ ኣባል ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቲቪ ተመሳሳሊ ምልክት ምርኣዩ ስዒቡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ እዩ።
እዚ ምልክት ሊግ ጸረ ጸለመ (ADL) ኣብ 2019፡ ምስ ዝርዝር ምልክታት ጽልኢ ክጽንበር ገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ'ውን ኣጠቓቕምኡ ቅኑዕነት ንምርኣይ ክውዕል ከም ዝኽእል የመልክት።
ስለዚ "ሓደ ሰብ ነቲ ምልክት ብዛዕባ ዝተጠቐመሉ ዕላማ ናብ መደምደምታ ንዘይምዝላል ፍሉይ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ" ይብል እቲ ትካል።
ዋና ኣሰልጣኒ ዲሲ ዩናይትድ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ዋይን ሩኒ ከም ዝዀነ ይፍለጥ። ነቲ ኣሰልጣኒ ካብ ስራሕ ንምስጓግ ኣብ ዝተገብረ ውሳነ ተሳቲፉ ድዩ ኣይተሳተፈን ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።
እታ ጋንታ ኣብ 1996 እቲ ሊግ ካብ ዝምስረት ንደሓር ኣብቲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣሜሪካ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ፕሮፌሽናል ሊግ ኤምኤልኤስ እናተሳተፈት ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







