ትግራይ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣብታ ክልል ብዛዕባ ዝካየድ መረጻ እንታይ ኢሉ?

መረጻ 2018

መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝተገብረ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣቶ ተስፋዬ ንዋይ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ሓገግቲ ሕጊ፡ 24 ግንቦት 2018 (ኣ.ግ) ንዝካየድ መረጻ ምልመላ ፈጸምቲ መረጻ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 1 ለካቲት ድማ፡ ምዝገባ ሕጹያት፡ ካብ 7 ለካቲት ክሳብ 7 መጋቢት ድማ ምዝገባ መረጽቲ ክካየድ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር 50 ሽሕ ነቝጣታት መረጻ ከም ዝህልው ብምግላጽ፡ ነፍሲ ወከፍ 1500 መረጽቲ ከም ዘአንግድ ኣመልኪቱ።

ነዚ መረጻ ንምክያድ፡ "10 ቢልዮን ብር ከም ዝተመደበ፡" ዝገለጸ ኣቶ ተስፋዬ፡ ነዚ 318 ሽሕ ፈጸምቲ መረጻ ከም ዘድልዩ ሓቢሩ።

ውጽኢት እቲ መረጻ 4 ሰነ 2018 ዓ.ም.ግ ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ እቲ ምኽትል ኣካቢ ቦርድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መረጻ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ጠቒሱ ኣሎ።

"ኣብቲ ክልል መረጻ ክካየድ'ዩ፤ ኣብዚ ጕዳይ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ሰልፊታት ፖለቲካን ዝርርብ ተኻይዱ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ፡ ልዕሊ 37 ሚልየን ህዝቢ ከድምጽ ተመዝጊቡ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብቲ መረጻ 47 ተነሓናሕቲ ውድባት ክሳተፉ እንከለው፡ 8209 ንኣብያተ ምኽሪ ፈደራልን ክልልን ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣቕሪቦም ነይሮም።

125 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ተወዳዲሮም።

ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብዝሒ ሕጹያት ዘቕረበ ሰልፊ ኰይኑ፡ መረጽቲ ን445 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጾም ሂቦም።

ኣብቲ እዋን፡ ንትግራይ ዝተወዝዑ 38 መናብር ግን ክፍቲ ኰይኖም ተሪፎም። እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ክልተ ዓመት መበል 6ይ ሃገራዊ መረጻ ኣብቲ ክልል ከም ዘይተኻየደ ይፍለጥ።

ኣብ ገለ ካልእ ቦታታት ክልል ኦሞሚያ'ውን ብሰንኪ ኲናት እቲ ናይ ሽዑ መረጻ ከምዘይተኻደ ይግለጽ።